ሃፀይ ሃይለስላሰ ዝተገልገሉሎም ኣቑሑት ኣብ ብሪጣንያ ንምርኢት ክቐርቡ እዮም

ሃጸይ ሃይለስላሰ ምስ ከንቲባ ከተማ ባዝ ዊሊያም ጋሎፕ

ምንጪ ስእሊ, BATH & NORTH EAST SOMERSET COUNCIL

መግለጺ ስእሊ, ሃጸይ ሃይለስላሰ ምስ ከንቲባ ከተማ ባዝ ዊሊያም ጋሎፕ

ሃፀይ ሃይለስላሰ ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዝተገልገልሎም ኣቑሑት ንምርኢት ክቐርቡ ምዃኖም ተገሊጹ።

ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ድሕሪ ወራር ጣልያን ን5 ዓመታት ባዝ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ብሪጣንያ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።

ኣብቲ እዋን እቲ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ናይ ጎልፍ መጻወቲን ካልእ ውልቃዊ መሳርሒታትን፡ እንተላይ በትሮም፡ ካብ 14 ጥቅምቲ 2015ዓ.ም (ግእዝ) ጀሚሩ ኣብ ቤተ መዘክር ሮማን ባዝ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ነገስታት ንምርኢት ክቐርቡ እዮም።

ጣልያን ንኢትዮጵያ ምስ ወረራ፡ ሃጸይ ሃይለስላሴ ካብ 1936 ክሳብ 1941 (ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ) ናብ ብሪጣንያ ተሰዲዶም ኣብ ባዝ ኣብ ዝርከብ ፌርፊልድ ሃውስ ዝበሃል ቦታ ከም ዝነበሩ ይዝከር።

እቲ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ፌርፊልድ ሃውስ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ወትሩ ሰንበት ንበጻሕቲ ክፉት እዩ።

ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክት ፌርፊልድ ሃውስ ራስ ቤንጂ፡ ገለ ካብቶም ኣብ ምርኢት ዝቐረቡ ናውቲ፡ ኢትዮጵያ ሓራ ንምውጻእ ኣብ ዝተገብረ ቃልሲ ፖለቲካዊ ተራ ከም ዝነበሮም ይገልጽ።

ሃፀይ ሃይለስላሰ፡ "ኣብ መላአe ባዝ ብእግሮም ይጓዓዙ ነይሮም" ዝብል ራስ ቤንጂ ካብ መንበሪኦም ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ከተማ ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ ሓቢሩ።

“ብሰንኪ ምስ ጣልያን ዝነበረ ኲናት፡ ድሕሪ ስንባደ ብዝመጽእ ጸቕጢ ደም ይሳቐዩ ነይሮም”።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዛዕባ እቲ ኲናት ዘስካሕክሕ ዜና ዝሰምዑ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት "ኣዝዩ ጸልማት" ግዜ የሕልፉ ከም ዝነበሩ’ውን ይሕብር።

ሃፀይ ሃይለስላሰ ምስ ስድራቤቶም ዝነበርሉ ፌርፊልድ ሃውስ

ምንጪ ስእሊ, FAIRFIELD HOUSE CIC

መግለጺ ስእሊ, ሃፀይ ሃይለስላሰ ምስ ስድራቤቶም ዝነበርሉ ፌርፊልድ ሃውስ

ራስ ቤንጂ ከምዝብሎ፡ ንብረት ሃጸይ ሃይለስላሰ ኣብ ታሪኽ ጸለምቲ ብሪጣንያ ልዑል ትርጉም ኣለዎ።

እቲ ምርኢት "ሓደ ኣካል ናይቲ እቶም ንጉስ ኣብ ከተማ ባዝ ዘሕለፍዎ ሕድሪ ንህዝቢ ንምግላጽ ዝካየድ ዘሎ ናይ ዓመታት ስራሕ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

እቶም ናውቲ መገልገሊን መንበሪኦም ዝነበረ ገዛን ሃፀይ ሃይለስላሰ ዝነበሮም ፃንሒትን ታሪኾምን ንምርዳእ ዕድል ከም ዝህብ ይንገር።

ሃፀይ ሃይለስላሰ ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስደት ናብ ሃገሮም ምስተመልሱ ብወተሃደሮም ካብ ስልጣን ክሳብ ዝእለዩ ንነዊሕ ዓመታት ንኢትዮጵያ ገዚኦም እዮም።