ጀነራል እያሱ መንገሻ ብሩ - ሓርበኛ፡ ኮማንደር፡ ሚኒስተር፡ ኣምባሳደር፡ ተጋዳላይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዛዕባ ጀነራል እያሱ መንገሻ ብሩ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ይዅን ኢትዮጵያ እኹል ኣፍልጦ የለን ክበሃል ይከኣል።
ጀነራል እያሱ፡ ብ1916 ኣብ ከረን ተወሊዶም፡ ብ2005 ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዓረፉ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ታሪኽ ዝነበሮም ሰብ ነበሩ።
ታሪኽ ጀነራል እያሱ መንገሻ ንምርዳእ ብወላዲኦም (ኣቶ መንገሻ ብሩ) ከምኡ’ውን ብኣባሓጐኦም (ኣቶ ብሩ ጴጥሮስ) ምጅማር ኣገዳሲ እዩ።
ኣቶ መንገሻ ብሩ፡ ወላዲኦም ንጀነራል እያሱ፡ ብዘበን ዳግማይ ሚኒሊክ ታሪኽ ዝሰርሑ ሰብ ነበሩ። ብ1888፡ ኣብ እምኵሉ፡ ኣብ ጥቓ ባጽዕ ዝርከብ ዓዲ - መደበር ሚስዮን ሽወደን ዝነበረ - ብሚስዮናውያን ብስርሓት ቤት-ማሕተምን ምምህርናን ዝሰልጠኑ ሰብ ነበሩ። ኣቶ መንገሻ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ብዘመን ዳግማዊ ሚኒሊክ ንኢትዮጵያ ዝፈለሱ ኤርትራዊ እዮም።
ተቓውሞ ኣቶ መንገሻ ንኽንርድኦ እቲ ዘመን’ቲ ብሓፈሻኡ ምግላጹ ከድሊ’ዩ። ብ1872 ግብጻውያን ንድፋዓት ገማግም ባሕሪ ኣደላዲሎም ምስ ሓዙ፡ ንባጽዕ፡ ሕርጊጎ፡ ከረን ክቈጻጸርወን ከኣሉ።
ሽዑ ቨርነር ሙንዚንገር ዝተባህለ ወጻእተኛ ብደገፍ ግብጺ ነቲ ዞባ ከመሓድር ዝጀመረሉ እዋን ነበረ፤ ሃጸይ ዮሃንስ 4ይ ድማ መከቶ።
ድሕሪ ሒደት ዓመታት (1875-1876) ሃጸይ ዮሃንስ ንግብጻውያን ኣብ ጎዳጕድን ጉራዕን ሰዓሮም። ጸኒሑ፡ ብ1879፡ ራእሲ ኣሉላ ከም ኣመሓዳሪ ከበሳ ኰይኑ ንኤርትራ ተላእከ።
ብ1885 ጣልያን ብገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣትዮም ንባጽዕ ምስ ተቘጻጸሩ፡ ግብጻውያን ካብ ኤርትራ ለቐቝ። ክልተ ዓመት ጸኒሑ ከኣ ኣሉላ ንጣልያን ኣብ ዶግዓሊ (ከባቢ ባጽዕ) ሰዓሮም። ይዅን’ምበር ጣልያን ብ1889 ንኣስመራ ደፊኦም ብምእታው ተቘጻጸርዋ’ሞ፡ ብዕሊ ኸኣ ንኤርትራ ግዝኣቶም ገበርዋ።
ኣብቲ እዋን እምበኣር፡ ኣቶ መንገሻ ንመግዛእቲ ጣልያን ብመሰረቱ ይቃወምዎ ስለ ዝነበሩ፡ ካብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ርሒቘም ጠቕሊሎም ንኢትዮጵያ ገዓዙ።
ዶ/ር ቀሺ እዝራ ገብረመድህን ኣብ ‘ከኒሻ’ ዝተባህለ መጽሓፎም ከም ዘዘንትውዎ፡ ኣቶ መንገሻ ብ1907 ናብ ኢትዮጵያ ምስ ገዓዙ፡ ብኽእለቶም - ስርሓት ቤት-ማሕተም ምዃኑ’ዩ - ብሃጸይ ሚኒሊክ ንማሕተም ዘድሊ ኣቝሑት (ማሽናት፡ ወረቐት ማሕተም፡ ፊደል-ሕትመት ... ወዘተ.) ንክሽምቱ ንኤውሮጳ ተላእኩ፤ እቲ መደብ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት-ማሕተም ንክቐውም ነበረ።
እቲ ዛንታ ንምሕጻሩ፡ ኣቶ መንገሻ ካብ መገሻኦም ምስ ተመልሱ ኣብ ደሴ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ከም መምህርን ሓለቓ ቤት-ትምህርትን ኰይኖም ኣገልገሉ።
ምትእስሳር ኣቶ መንገሻ ምስ ነገስታት ኢትዮጵያ ብወላዲኦም፡ ኣቶ ብሩ ጴጥሮስ፡ ኣቢሉ’ዩ ጀሚሩ።

ምንጪ ስእሊ, DY
ኣቶ ብሩ ጴጥሮስ፡ ኣቦሓጐኦም ንጀነራል እያሱ፡ ብ1830 ኣብ ወልቃይት ካብ ቤተሰብ ኣቕሽሽቲ ተወልዱ። ብ’ብሩ ወልቃይት’ ከኣ ይጽውዑ ነበሩ። ንሶም ሓደ ካብቶም ኣብ ኤውሮጳ ዝተማህሩ ባሃር ኢትዮጵያዊ/ኤርትራዊ ነበሩ።
ብ1848 ኣቶ ብሩ ጴጥሮስ ምስ ኣኮኦም ዝብጽሕዎም ደብተራ ተወልደመድህን ኰይኖም ብስራሕ ምኽንያት ንእየሩሳሌም ተጓዕዙ። ብእኡ ኣቢሎም ከኣ ንኽምሃሩ ኣብኡ ተረፉ፤ ተማህሩ ኸኣ። ብተወሳኺ ትምህርቶም ንኽቕጽሉ ንማልታ (ኤውሮጳ) ሰገሩ። ኣብ ማልታ ኸኣ ቋንቋታት ላቲን፡ ዓረብኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ፈረንሳይኛ ተማህሩ።
ኣቶ ብሩ ጴጥሮስ ንኢትዮጵያ ተመሊሶም ንሃጸይ ቴዎድሮስ ከም ኣስተርጓሚ ኰይኖም ኣገልገሉ። ጸኒሖም፡ ንሰሜን ብምጕዓዝ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሃጸይ ዮሃንስ ኰይኖም ኣብ ባጽዕ ተመደቡ። ካብኡ ኣጋይሽ መሪሖም ንመተማ እናተመላለሱ ንሃጸይ ዮሃንስ የገልግሉ ነበሩ። ንጉስ ምስ ወጻእተኛታት ኣብ ዝራኸብሉ እዋን ድማ ከም ኣራኻቢ መኰነን (ሊያዞን ኦፊሰር) ኰይኖም የገልግሉዎም ነበሩ።
እዚ ድሕረባይታ’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ጀነራል እያሱ መንገሻ ንስገር።
ጀነራል እያሱ ካብ ከረን ንኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጀነራል እያሱ መባእታ ትምህርቶም ኣብ ከረን፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተማህሩ። ምስ ጐበዙ ኸኣ ትምህርቶም ኣብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ፈረንሳ ንኽቕጽሉ ተመሪጾም ንፓሪስ ተጓዕዙ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ኣካደምያውን ወተሃደራውን ስልጠና (ልምምድ ውግእ፡ ምህናጽ ኣካላት፡ ወተሃደራዊ ስትራተጂ፡ መሪሕነትን ውደባን) ተማሂሮም ንኢትዮጵያ ተመልሱ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣባል ክቡር ዘብዐኛ ኰይኖም ወተሃደራዊ ስርሖም ጀመሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ (1935) ጣልያን ንኢትዮጵያ ስለ ዝወረረት ንምክልኻል ንማይጨው ተላእኩ፤ ኣብኡ ኸኣ ኣብቲ ውግእ ተሳተፉ። ጣልያን ደፊኦም ንጉስ ሃይለስላሰ ንኽስደዱ ኣብ ዝተገደዱሉ፡ እያሱ መንገሻ ንጃንሆይ ክሳብ ጅቡቲ ኣሰነይዎም’ሞ ናብቲ ውግእ ተመልሱ።
እያሱ መንገሻ ኣብ ውግእ ብጣልያን ተማሪኾም ኣብ ሶማልያ ዝርከብ መዓስከር ጣልያን ከኣ ተኣስሩ። ኣብ ሶማል ካብ 1937-1941 - ክሳብ እንግሊዝ ዝኣተወሉ ግዜ ምዃኑ’ዩ - ተኣስሩ።
እንግሊዝ ምስ ኣተወ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም ኣብቲ ብእንግሊዝ ዝምራሕ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ፡ ብመዓርግ ካፕቴን ሓይሊ ፖሊስ ንኽሃንጹ ተጸውዑ። ኣይጸንሑን ከኣ፡ ብመንፍዓቶም መዓርግ እናወሰኹ ቅልጡፍ ዕብየት ኣርኣዩ።
ሰላም ምስ ኰነ ንኽፍሊ ፖሊስ ኢትዮጵያ እናገልገሉ ንሚኒስትሪ ምክልኻል - ኣብ ትሕቲ ራእሲ ኣበበ ኣረጋይ - ከም ሊያዞን ኦፊሰር ኰይኖም የገልግሉ ከም ዝነበሩ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይገልጹ።
ዎልበርት ስሚዝ ዝበሃል ተመራማሪ ታሪኽ ኢትዮጵያ ከም ዘዘንትዎ፡ እያሱ መንገሻ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ተጋጭዮም ካብ ስልጣኖም ከም ዝእለዩ ተገብረ፣ ናብ ማጂ ዝበሃል (ኣብ ጠቕላይ-ግዝኣት ከፋ፡ ጥቓ ዶብ ሱዳን ዝርከብ ቦታ) ንሓደ ዓመት ተሓየሩ። ወተሃደርዊ ማዕርጐም ግን ኣይተቐንጠጡን።
ካብ ማሕዩር ወጺኦም፡ ብ1950 ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝርከብ ብሉጽን ፍሉጥን መሰልጠኒ ውትህድርና (ወስት ፖይንት) ንተወሳኺ ትምህርቲ ተላእኩ። ትምህርቶም ፈጺሞም ከኣ ንኢትዮጵያ ተመልሱ።
እያሱ መንገሻ፡ ብማዕርግ ብሪጋዴር ጀነራልነት፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ብምውካል ምስ ሓይሊ ዓቃብ ሰላም፡ ብ1960 ንኮንጐ ተላእኩ።
ኣብ ኮንጐ ከም ኣዛዚ ወተሃደር ጥራይ ዘይኰነስ ከም ሓውሲ (ዘይዕላዊ) ኣምባሳደር ኢትዮጵያ - ኣብ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓትሪስ ሉሙምባ - ኰይኖም ኣገልገሉ።
ዳግ ሃመርስሾልድ፡ ሽዑ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ንጀነራል እያሱ ከም ሓለቓ ስታፍ ወተሃደራት ሕቡራት ሃገራት ኰይኖም ከገልግሉ መረጾም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኮንጐ ዝነበረ ፓትሪስ ሉሙምባ ምስ ተቐትለ፡ ጀነራል እያሱ ነቲ ጕዳይ ክምርምሩ ተመዘዙ።
እቲ ምርመራ ንኸካይዱ ንካታንጋ ዝተባህለ ቦታ (ሉሙምባ ዝተቐትለሉ ቦታ) ወተሃደራት ከግዕዙ ምስ ጀመሩ ስርሖም ደው ከብሉ ብሃይለስላሰ ተኣዘዙ። ጀነራል እያሱ ንትእዛዝ ሃይለስላሰ ብምጥሓስ ስርሖም ቀጸሉ።
እቲ ጕዳይ ከይተፈትሐ ጀነራል እያሱ ንኢትዮጵያ ከም ዝምለሱ ተገብረ። በቲ ጕዳይ ምስ ጃንሆይ ምትፍናን ከም ዝተፈጥረ ኸኣ ኣይሰሓትን።
ዝዀነ ኰይኑ፡ ጀነራል እያሱ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ስርሓት ኣገልገሉ - ከም ሓለቓ ስታፍ (1968)፡ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ከም ክልል ሚኒስተር ኰይኖም ኣገልገሉ።
ብ1970 ጀነራል እያሱ ከም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ለንደን ኰይኖም ክሳብ (1974፡ ደርግ ኣብ ስልጣን ዝመጸሉ እዋን ኣገልገሉ። ኣመሓዳሪ ኤርትራ ንክዀኑ ብደርግ ተሸይሞም’ኳ እንተነበሩ፡ ነቲ ስልጣን ግን ነጸግዎ።
በዚ ምኽንያት መንግስቱ ሃይለማርያም ካብ ስራሕ ኣባረሮም፤ ክሳብ 1991 ከኣ ኣብ ብሪጣንያ ተዓቚቦም ነበሩ።
ስደትን ቃልስን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጀነራል እያሱ፡ ብ1975፡ ኣብ ስደት ዝነበርሉ እዋን፡ ምስ ራእሲ መንገሻ ስዩም ሓቢሮም ዲሞክራስያዊ ሕብረት ኢትዮጵያ (ኢ.ዲ.ዩ. ወይከኣ Ethiopian Democratic Union) ዝተባህለ ሰልፊ መስሪቶም፡ ኣብ ካርቱምን ለንደንን ኰይኖም ኣንጻር ደርግ ክንቀሳቐሱ ጀመሩ።
ጀነራል እያሱ ከም ኣቦ መንበር፡ ራእሲ መንገሻ ኸኣ ከም ምክትል ኰይኖም ይንቀሳቐሱ ነበሩ።
ሰነዳት ታሪኽ ከም ዘዘትውዎ፡ ጀነራል እያሱ ገንዘብ ናይ ምእካብ ዓቕሚ ስለ ዝነበሮም ካብ ሻህ ናይ ኢራን እኹል ገንዘብ ረኸቡ። በቲ ገንዘብ ከኣ ኣብ ሰገደ (ምዕራብ ትግራይ) ተጋደልቲ ኣዋፈሩ። ክኢላ ጐስጓሲ ስለ ዝነበሩ ኸኣ ደገፍ ብዙሓት ምሁራን ረኸቡ ይበሃል።
ኣብቲ እዋን’ቲ ኢ.ዲ.ዩ. ንገዚፍ ግዝኣት ጐንደር (ሕጂ ምዕራባዊ ትግራይ) ክወሮ ከኣለ። ብ1977፡ ክሳብ 10,000 ዝግመቱ ደገፍትን ተሓባበርትን ተጋደልትን ነይሮሞ።
ታሪኻዊ መዝገበ ቃላት ኢትዮጵያ ከም ዝሕብሮ፡ ብ1976 ኢ.ዲ.ዩ. ብደገፍ ሱዳን፡ ከምኡ’ውን ምስ ህዝባዊ ግንባር ተሓባቢሮም ንሑመራን መተማን ተቘጻጸረ፤ ንጐንደር ግን ክሕዛ ኣይከኣለን።
ጸኒሑ ግን ጀነራል እያሱን ራእሲ ስዩም መንገሻን ብስነ-ሓሳብ እናተረሓሓቑ ከዱ፤ ውዒሉ ሓዲሩ ኸኣ እቲ ሰልፊ ኣብ ክልተ ተገምዐ።
ጀነራል እያሱ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ርክባት ጀመሩ፣ ዝነበረ ንብረት ኢ.ዲ.ዩ. ንተጋዳላይ ስዩም መስፍን (ህ.ወ.ሓ.ት.) ኣብ ካርቱም ኣረከብዎ።
ደርጊ ምስ ተሳዕረ፡ ኢ.ዲ.ዩ. ምስ ህ.ወ.ሓ.ት. ኣይተቓደወን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰላምን ዲሞክራስን (1-5 ሓምለ 1991) ስለ ዘይተዓደመ።
ደሓር ግን፡ እቲ ብኢህወደግ ዝቘመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጀነራል እያሱ ብምዕዳም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳ ክዀኑ መዘዞም’ሞ፡ ካብ 1992 ክሳብ 1994 ኣገልገሉ።
ከም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቫቲካን ኰይኖም’ውን ኣገልገሉ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዩነስኮ ከም ላዕለዋይ ወኪል ኢትዮጵያ ኰይኖም ክሳብ 1995 ኣገልገሉ።
ብዕድመ ስለ ዝደፍኡ ካብ ስርሓት መንግስቲ ተገሊሎም ኣብ 89 ዕድሚኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሕማም ዓረፉ።
ጀነራል እያሱ ብዛዕባ መበቈሎምን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝነበሮም ርእይቶታት ክርከብ ኣይተኻእለን። ኣብ ኢትዮጵያ ግን ዓቢይ ሓርበኛ፡ ኮማንደር፡ ሚኒስተር፡ ኣምባሳደር፡ ተጋዳላይ ከም ዝነበሩ፡ ኣብ ሰነዳት ታሪኽ ሰፊሩ ንረኽቦ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







