ድየጎ ጋርስያ፡ ኣመሪካን ብሪጣኒያን ካብ ህዝቢ ዓለም ዝኸወልኦ ሚስጢር ዝተሰከመት ደሴት

- Author, ኣሊስ ካዲ
- Role, ቢቢሲ ኒውስ
ድየጎ ጋርስያ፡ ብማያት ዝተኸበበት፤ ለምለም ኣትኽልትን ጻዕዳ ሑጻ ዝበዝሖ ገምገም ባሕርን ዝወነነት ምድራዊት ገነት እያ።
እዛ ደሴት ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ትርከብ። ሲቪላውያን ናብታ ደሴት ክኣትው ብጥብቂ ዝተኸልከለ ስለ ዝዀነ፡ በጻሕቲ ዓዲ ናብታ ደሴት ክኸዱ ኣይኽእሉን።
ኣብታ ደሴት ግን፡ ንዓሰርታት ዓመታት ዝተደኰነ ኣዝዩ ምስጢራዊ ወተሃደራዊ መዓስከር ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣሎ።
ምምሕዳር እታ ደሴት ካብ ለንደን እዩ፤ ማእከል ናይቲ ኣብ መንጐ ዓባይ ብሪጣንያን ሞሪሸስየን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ግዝኣታዊ ምስሕሓብ ኰይና ጸኒሓ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ክኣ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ሰፊሕ ድርድር ክካየድ ጸኒሑ።
ቢቢሲ፡ ንኣዋርሕ ናብታ ደሴት ንምእታው ሓያሎ ጻዕሪ ክገብር ጸኒሑ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ድማ ናብታ ደሴት ዝኣትወሉ ዕድል ረኺቡ።
ቢቢሲ፡ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ናይቶም ኣብታ ደሴት ንሰለስተ ዓመት ተዓጽዮም ዝጸንሑ ናይ መጀመርታ ዑቕባ ሕቶ ዘቕረቡ ስሪላንካውያን ተቓለስቲ ታሚል ዝቕጽል ዘሎ ታሪኻዊ ጕዳይ ቤት ፍርዲ ክሽፍን እዩ ዝደሊ ነይሩ።
ብዛዕባ ዕጫ እዞም ሓተትቲ ዕቑባ ኣዝዮም ዝተሓላለኹ ሕጋዊ ክትዓት ክካየዱ ጸኒሖም’ዮም፤ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተኣሲሮም እንተዀይኖም ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ቤት ፍርዲ ውሳነ ክህብ እዩ።
“ዲየጎ ጋርስያ- ኣሰር ሓርነት”
ደሴት ድየጎ ጋርስያ፡ ካብ መሬት ኣስታት 1,600 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ፤ በዚ ድማ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ርሑቓት ደሴታት ዓለም እያ።
ናብታ ደሴት ዝግበር በረራታት የለን፤ ብባሕሪ ክትኣቱ’ውን ቀሊል ኣይኰነን።
ጀላቡ፡ ናብ ደጋዊ ደሴታት ናይታ ደሴት ንክኸዳን ብህንዳዊ ውቅያኖስ ክሓልፋን ጥራይ’ዩ ፍቓድ ዝወሃበን።
ናብታ ደሴት ንምእታው ዝወሃበካ ፍቓድ ምስቶም ወተሃደራዊ መሳለጥያታት ወይ ምስቲ ነቲ ግዝኣት ዘመሓድር በዓል መዚ እንግሊዝ ርክብ ንዘለዎም ሰባት ጥራይ’ዩ።
ኣብ ታሪኽ፡ ጋዜጠኛታት ተኸልኪሎም’ዮም ጸኒሖም።
ጠበቓታት መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ቢቢሲ ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ንኸይሳተፍ ንምዕጋት ሕጋዊ ብድሆታት ኣቕሪቦም’ዮም።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ግዝኣት ፍቓድ ምስ ሃበ’ውን እንተዀነ፡ ኣመሪካ ነዚ ጕዳይ ኢሎም ናብታ ደሴት ንዝኸዱ -ዳያኑን ጠበቓታትን ሓዊሱ- መግቢ፡ መጓዓዝያ ወይ መንበሪ ኣባይቲ ከም ዘይትህብ ብምግላጽ ተቓዊማቶ’ያ።
ቢቢሲ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ መንጐ መንግስታት ብሪጣኒያን ኣመሪካን ዝተኻየዱ ልውውጣት ደብዳበታት ክዕዘብ ክኢሉ’ዩ።
እዚኦም፡ ዝዀነ መራኸቢ ብዙሃን ናብ ድየጎ ጋርስያ ክኣቱ ምፍቃድ ኣዝዩ ከም ዘሻቕሎም ይሕብሩ።
“ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተዘተየሉ፡ ኣመሪካ ምስ መርገጺ [መንግስቲ እቲ ንጕስ] ትሰማማዕ፤ ኣባላት ፕረስ ነቲ መስርሕ ፍርዲ ካብ ለንደን ክዕዘብዎ ይምረጽ፤ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ድሕነት እቲ መሳለጥያ ዘስዕቦ ሓደጋታት ንምንካይ ዝዓለመ’ዩ” ዝብል ሓደ ደብዳበ ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ናብ ሰበስልጣን እንግሊዝ ተላኢኹ።
ኣብ መወዳእታ ኣዝዮም ጽኑዓት መምርሒታት ዝሓዘ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲታት ፍቓድ ረኺበ።
እዚ፡ ንጸብጻብ ቤት ፍርዲ ጥራይ ዝጥምት ኣይኰነን፤ ኣብታ ደሴት ንዝገብሮም ምንቅስቓሳትን [እቲ ጭቡጥ ገደባት እንታይ ምዃኖም ዘይምሕባር] ዝእግድ’ዩ።
ኣብቲ ፍቓድ ንእሽቶ ለውጢ ንክግበር ዝቐረበ ሕቶ ብሰበስልጣን ብሪጣንያን ኣመሪካን ተነጺጉ።
ኣባላት ጸጥታ ኩባንያ ጂ4ኤስ [G4S] ነቲ መስርሕ ፍርዲ ንክከታተል ናብታ ደሴት ከቕንዕ ንዝተዳለወ ጕጅለ ቢቢሲን ጠበቓታትን ሓለዋ ጸጥታ ንምግባር ተመዲቦም።
እታ ነፋሪት ናብታ ደሴት ክትጽጋእ እንከላ፡ ኣግራብ ኮኮናትን ጽዑቕ ደንን ኵልዕ ዒሎም ይርኣዩ።
ድየጎ ጋርስያ፡ ሓንቲ ካብተን ንኣርኪፔላጎ ቻጎስ ወይ ግዝኣት ህንዳዊ ውቅያኖስ ብሪጣንያ (ባዮት) ዘቘማ ኣስታት 60 ደሴታት እያ።
እዚኣ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሞሪሸስ ብምፍላይ ብ1965 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ዝተመስረተት ናይ መወዳእታ ግዝኣት ብሪጣኒያ እያ።
ኣብ መንጐ ምብራቕ ኣፍሪቃን ኢንዶነዥያን ድማ ትርከብ።
ነፋሪት ክትዓልብ እንከላ፡ “ዲየጎ ጋርስያ። ኣሰር ሓርነት” ዝብል ኣብ ልዕሊ ባንዴራታት ኣመሪካን እንግሊዝን ዝተሰቕለ ጽሑፍ ይቕበለካ።
እዚ ሓደ ካብ ብዙሓት መወከሲታት ናጽነት እታ ደሴት ኰይኑ፡ ነቲ ካብ መጀመርታ ሰብዓታት ጀሚሩ ኣብኡ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ መዓስከር ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ንምምስጋን ዝተሰቕለ እዩ።
ኣብ 1966 ዝተኸተሙ ስምምዓት፡ ነታ ደሴት ኣብ መጀመርታ ን50 ዓመታት ብክራይ ንኣመሪካ ክትወሃብ እዚ ድማ ከከም ኣድላይነት ን20 ዓመታት ክናዋሕ ከም ዝኽእል ይገልጹ።
እዚ ኣብ 2036 ክውዳእ ምድላው ተገይሩ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, US Navy
ጽልዋ ኣመሪካን ብሪጣንያን ኪኖ እቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዘሎ ሓለዋ ጸጥታ እዩ።
ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ፡ መናድቕ ስእሊ ዊንስተን ቸርችል ሓዊሱ ስእሊ ብዙሓት ፍሉጣት ብሪጣንያውያን ተሰቒሉ ኣሎ።
ኣብታ ደሴት ሓንዲ መኪና ፖሊስ እንግሊዝን ኣርማ ቡልዶግ ዘለዎ ‘ብሪት ክለብ’ ዝበሃል እንዳ መስተን ተዓዚበ።
ብሪጣኒያ ዌይን ቸርችል ሮድን ዝበሃሉ ጽርግያታት ሓሊፍና። ብሓንቲ ቢጫ መኪና ቤት ትምህርቲ ኣመሪካ ገይሮም ድማ ኣዛዊሮምና።
ብዶላር ኣመሪካ ኢኻ ትተዓዳደግ፤ እቶም ሰኴታት ኤሌክሪክ ድማ ስርሒት ኣመሪካ’ዮም።
እቲ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝቐርበልና ዝነበረ መግቢ፡ “ታተር ቶትስ” - ዝተባህለ ህቡብ ኣመሪካዊ ዝተጠብሰ ድንሽ - ከምኡ’ውን ብሽኩቲ ኣመሪካ’ዩ።
ምምሕዳር እታ ደሴት ኣብ ለንደን እኳ እንተዀነ፡ መብዛሕትኦም ኣብኡ ዘለዉ ሰራሕተኛታትን ጸጋታትን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣመሪካ እዮም።
ቢቢሲ ናብታ ደሴት ንምእታው ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ሰበስልጣን ዓባይ ብሪጣንያን ንሰራሕተኛታት ኣመሪካ’ዮም ዝውከሱ ነይሮም።
ኣመሪካ ኣብዚ ዓመት ኣብታ ደሴት ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝዓገተትሉ እዋን፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ “ናብኡ ንምእታው ፍቓድ ናይ ምሃብ ዓቕሚ የብላን” ኢሉ።
“ገምጋም ጸጥታ ኣመሪካ ምስጢራዊ'ዩ... [ንሳቶም] ጽኑዕ ቁጽጽር ከም ዘለዎም ኣርእዮም እዮም” ክብል ናብ ሓደ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዘሎ መሳርሕቱ ኣብ ዝለኣዀ ኢመይል ጽሒፉ።
ግዝያዊ ኮሚሽነር ቢዮት፡ መሬት ብሪጣንያ ክንሱ፡ ብመሰረት ውዕል ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ብኣመሪካ ኣብ ዝተሃነጸ ዝዀነ ይኹን ክፋል ወተሃደራዊ መሳለጥያ ፍቓድ ንምሃብ “ንሰበስልጣን ኣመሪካ ምግዳድ” ከም ዘይከኣል ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት፡ ብሪጣኒያ ኣብታ ግዝኣት ዓሰርተታት ሚልዮናት ፓውንድ ከተውጽእ ጸኒሓ እያ።
እቲ ዝበዝሐ ድማ “ወጻኢታት ስደተኛታት” ተባሂሉ ዝምደብ እዩ።
ቢቢሲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ መንጐ ሰበስልጣን ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ብዛዕባ ስሪላንካውያን ታሚል ዝተኻየደ ዝርርባት ዝጥምት ሓበሬታ ረኺቡ ነይሩ።
እዚ፡ “እቲ ወጻኢታት ይውስኽ ኣሎ፤ እዚ ድማ ኣብ ዓመት 50 ሚልዮን ፓውንድ ክኸውን’ዩ ተባሂሉ ይግመት” ክብል የጠንቅቕ።
ኣብታ ደሴት ዘሎ ሃዋህው ርጉእ ኰይኑ ይስምዓካ።
ወተሃደራትን ተዀናተርትን ብብሽክለታ ይንቀሳቐሱ፤ ሰባት ድማ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ቴኒስ ክጻወቱን ንፋስ ክቕበሉ ክዛወሩን ይርኣዩ።
ሲነማ፡ ሙዝየምን ድኳን ህያባትን እውን ኣሎ።
‘Jake’s Place’ ዝተባህለ እንዳ መግቢ ኣሎ፤ ብዲያጎ ጋርስያ ዝተሰርሑ ማልያታትን ቢከሪታትን ይሽየጡ።
ግን ድማ፡ ኣብዚ ከባቢ ተዃሳሒ ዝዀነ ነገር ምህላው ብቐጻሊ ዘዘኻኽረካ ነገራት ኣሎ።
ወትሩ ንጕሆ፡ ወተሃደራዊ ልምምዳት ይስማዕ፤ ኣብ ጥቓ መንበሪ ቦታታት ዝተኸዘነ ኣጽዋር ኣሎ።
ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ኣመሪካን እንግሊዝን ድማ ምንቅስቓስ ናይቲ ቤት ፍርዲ ብቐረባ ይከታተልዎ።

እታ ደሴት እትልለየሉ ጸጋታት
እታ ደሴት ኣዝዩ ዘስደምም ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ዘለዋ ኰይና፡ ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ምድራዊ ፍርያት ኮኮናት ዘለዋ እያ።
ወተሃደራዊ ኣባላት ኣብ ከባቢ ማያት ሻርክ ከስዕቦ ካብ ዝኽእል ሓደጋታት ጥንቃቐ ክትገብር የተሓሳስቡ።
መርበብ ሓበሬታ ባዮት፡ እታ ደሴት “ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ዝዓበየ ብዙሕነት ህይወት ዘለዎ ባሕሪ፡ ከምኡ’ውን ገለ ካብቶም ዝጸረዩ ባሕርታት” ዘለዋ እያ ክብል ይገልፃ።
ግን ነቲ ሕሉፍ ኣረመናዊ በሰላታት ታሪኽ ዘመልክቱ ነገራት እውን ኣለዉ።
ዓባይ ብሪጣንያ ንደሴታት ቻጎስ - ዲየጎ ጋርስያ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ እያ ትርከብ - ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ነበር ሞሪሸስ ምስ ተቖጻጸረተን፡ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ልዕሊ 1000 ሰባት ካብ መረበቶም ሰጒጓ።
ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፈረንሳን እንግሊዝን ኣብ ሕርሻታት ኮኮናት ክሰርሑ ካብ ማዳጋስካርን ሞዛምቢክን ናብ ደሴታት ቻጎስ ብጊላነት ዝመጽኡ ሰባት ነይሮም’ዮም።
እዚኦም፡ ንዝሓለፉ ዘመናት ናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ፣ ሙዚቃን ባህልን ኣማዕቢሎም'ዮም ጸኒሖም።
ኣብ ምብራቕ እታ ደሴት ዝርከቡ ነቲ ሕሉፍ ስራሕቲ ሕርሻ ዘዘኻኽሩ ህንጻታት ኣለው፤ “ሓደጋ ውሑስ ዘይኰነ መዋቕር፤ ከይትኣትው፤ ብትእዛዝ፡ ወኪል ብሪጣንያ [ወኪል]” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ።
ሓደ ንዓመታት ክንክን ዝጐደሎ ዓብዪ መዕረፊ ኣጋይሽ’ውን ኣሎ።
ኣብዚ ዓብዪ ሕርሻ፡ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ትሕቲ መስቀል፡ ብቋንቋ ፈረንሳ ዝተጻሕፈ “ንቻጎሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንጸሊ” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ።
ኣእዱግ በረኻ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ከባቢ ይዛወሩ፤ ደራሲ ‘Island of Shame: The Secret History of the US Military Base on Diego Garcia’ ዴቪድ ቫይን፡ “ኣብቲ ከባቢ ንኣስታት 200 ዓመታት ዝጸንሑ መንፈስ ዝመስል ተረፍ ሕብረተሰብ” ክብል ይገልጾም።
ብ1966 ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዘውጽዞ ሓበሬታ፡ ዕላማኡ “ገለ ኣኻውሕ ምርካብ እዩ ነይሩ፤ እዚ ድማ ናትና ኰይኑ ክቕጽል እዩ፤ ብዘይካ ኣዕዋፍ ደቀባት ኣይክህልዉን እዮም” ይብል።
ሓደ እንግሊዛዊ ዲፕሎማት፡ እተን ደሴታት “ገለ መበቈሎም ዘይፍለጥን ሞሪሽየሳውያን ክዀኑ ዝምነዩን ውሑዳት ታርዛን” ዝነብሩለን እየን ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ካልእ መንግስታዊ ሰነድ ድማ እተን ደሴታት “ብስትራተጂካዊ ኣቀማምጣአን ጥራይ ዘይኰነስ ንኹሉ ግብራዊ ዕላማታት ቀዋሚ ህዝቢ ዘይብለን” ብምዃነን ከም ዝተመርጻ ይገልጽ።
"ብፍላይ ኣመሪካውያን ነዚ ካብቲ ብብዝሒ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት ወጻእ ነዚ ዓብዪ ኣገዳስነት ኣርእዮምሉ ነይሮም" ይብል።
ጸሓፊ ቫይን፡ እዚ ውጥናት፡ “ምንቅስቓስ ምውጋድ መግዛእቲ እናተጋህደን እናተቀላጠፈን ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን" ከም ዝመጽአን ኣመሪካ ኣብ መላእ ዓለም ወተሃደራዊ መዓስከራት ክስእን’የ ዝብል ስክፍታ ከም ዝነበራን ይዛረብ።
ድየጎ ጋርስያ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ኣመሪካ ኣብ ግምት ዘእተወተን ደሴታት እያ ነይራ።
እንተዀነ፡ ብተዛማዲ ውሑድ ህዝቢ ዘለዋን ኣብ ማእከል ህንዳዊ ውቅያኖስ ብዘለዋ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣን “ብቐዳምነት ከም ዝሓጸየታ” ይዛረብ።

ግዱድ ምስጓግ ነበርቲ
ንዓባይ ብሪጣንያ፡ ዋላ'ውን ኣብኡ “ምልክት ህላወ እንግሊዝ" ጥራይ እንተሃለወ፡ ምስ ኣመሪካ ጥቡቕ ወተሃደራዊ ርክብ ንምዕቃብ ዕድል ከም ዝሃባ ይጠቅስ፤ ግን ድማ ፋይናንሳዊ ድርኺት'ውን ከም ዝነበሮ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣመሪካ፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊ እተን ደሴታት ዝተገብረ ምስጢራዊ ስምምዕ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ፖላሪስ ኒዩክለራዊ ሚሳይላት ካብ ኣመሪካ ክትገዝእ 14 ሚልዮን ዶላር ክትጐድለላ ተሰማሚዓ።
ብ1967 ዅሎም ነበርቲ ካብ ደሴታት ቻጎስ ምስጓግ ተጀሚሩ።
ኣኽላባትን ካልኦት እንስሳ ዘቤትን ተኣኪቦም ተቐቲሎም።
ቻጎስያውያን ኣብ ናይ ጽዕነት መራኽብ ተጻዒኖም ናብ ሞሪሸስ ወይ ሲሸልስ ከም ዝተወስዱ ይገልጹ።
ዓባይ ብሪጣንያ ንገለ ቻጎሳውያን ኣብ 2002 ዜግነት ሂባቶም፤ ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክነብሩ መጺኦም።
ድሕሪ ዓመታት ንኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ኣብቲ ደሴታት ዝነበሩ ሰባት ቅድሚ እቲ ምስጓግ “ዝዀነ ነገር ዘይጎደሎም” “ሕጉስ ህይወት” ከም ዝነበሩ ገሊጹ።
ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ ቻጎስያን ሊዘቢ ኤሊሰ ኣብ ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ምስክር፡ ነበርቲ እታ ደሴት ቅድሚ ምስጓጐም “ዝዀነ ነገር ከይጐደሎም ሕጕስ ህይወት” ይነብሩ ከም ዝነበሩ ተዛሪባ።
“ሓደ መዓልቲ እቲ ኣመሓዳሪ ካብ ደሴትና ወጺእና፡ ገዛውትና ገዲፍና ክንከይድ ከም ዘለና ነጊሩና። ኵሉ ሰብ ኣይተሓጐሰን፤ ኣማራጺ ግን ኣይነበረናን። ዝዀነ ምኽንያት ኣይሃቡናን። ካብ ዝተወለደሉ ደሴት፡ ካብ መበቈሉ ክመሓው፡ ከም እንስሳታት ካብ ሱሩ ክምውሓው ዝደሊ ሰብ የለን”።
ቻጎሳውያን ናብታ ደሴት ንምምላስ ንዓመታት ተቓሊሶም እዮም።
ኣብ 1968 ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ናጽነት ዝረኸበት ሞሪሸስ፡ እተን ደሴታት ናይ ገዛእ ርእሳ ምዃነን ትምጕት።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ ናይ ማዕዳ ርእይቶ ድማ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብተን ግዝኣታት ዘለዋ ምምሕዳር “ዘይሕጋዊ” ምዃኑ ብምግላጽ ንከብቅዕ ወሲኑ’ዩ።
ምውጋድ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንክዛዘም፡ ደሴታት ቻጎስ ናብ ሞሪሽየስ ክወሃብ ከም ዘለወን ገሊጹ።
ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሕጊ ክላይቭ ባልድዊን፡ “ብዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ንቻጎሳውያን ብግዴታ ምምዝባለን፡ ብዓሌት ምኽንያት ዝፍጸም ዘሎ ስደት፡ ከምኡ’ውን ናብ ዓዶም ንከይምለሱ ብቐጻሊ ምኽልኻለን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት እዩ” ይብል።
“እዚኦም እቶም ሓደ መንግስቲ ክሕተተሎም ዝኽእል ከበድቲ ገበናት እዮም። ቻጎሳውያን ናብ ዓዶም ከይምለሱ ክሳብ ዝዓገቱ ቀጻሊ፡ መግዛእታዊ ገበን እዩ”።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ እተን “ካብ 1814 ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ቀጻሊ ልኡላውነት እንግሊዝ” ዝጸንሓ ደሴታት ይመለሳ ምባሉ ክትምጕት እኳ እንተጸንሐት ኣብ 2022 ብዛዕባ መጻኢ ናይቲ ግዝኣት ምስ ሞሪሽየር ዝርርብ ክካየድ ተሰማሚዓ።
ናይ ሽዑ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ጀምስ ክለቨርሊ "ንኹሎም ዘይተፈትሑ ጉዳያት ክፈትሕ" ከም ዝደሊ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ኣብ ድርድር ውዕል ‘ዓርቢ ስቕለት’ [Good Friday] ልዑል እጃም ዝተጻወተ ሓላፊ ስታፍ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቶኒ ብሌር ዝዀነ ጆናታን ፓወል፡ ብዛዕባ እተን ደሴታት ምስ ሞሪሸስ ክዘራረብ ከም ዝተመዘዘ መንግስቲ ኣፍሊጡ።
ሓድሽ ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ዴቪድ ላሚ - ዝሓለፉ መንግስታት ንዓመታት “ንርእይቶታት ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እተን ደሴታት ዕሽሽ ኢሎም” ኢሉ ክነቕፍ ዝጸንሐ - ዓባይ ብሪጣንያ “ንረብሓታት ዓባይ ብሪጣንያን ንረብሓታትናን ዝሕሉ ስምምዕ ንምብጻሕ ጻዕሪ ትገብር” ኣላ ክብል ገሊጹ።
“ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ፣ ውሑስን ውጽኢታውን ስርሒት ሓባራዊ ወተሃደራዊ መዓስከር ዓባይ ብሪጣንያ/ኣመሪካ” ምውሓስ ከም ዘድሊ ድማ ኣስሚሩሉ።
ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ድማ፡ ሉእላውነት ብሪጣኒያ ድሕሪ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ነቶም ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከቡ ስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዎም እኩብ ደሴታት ንሞሪሽየሽ ከም እተረክብ ኣፍሊጣ።
እዚ ስምምዕ ድሕሪ ናይ ዓመታት ድርድር ዝተበጽሐ ኰይኑ ዓባይ ብሪጣንያ ንደሴታት ቻጎስ ንሞሪሸስ ንምርካብ ታሪካዊ ስጕምቲ ትወስድ ኣላ።
እዚ ድማ መንግስቲ ኣመሪካ ከም ወተሃደራዊ መዓስከር ናይ ሓይሊ ባሕሪ መራኽቡን ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዛ ቦምባ ዝድርብያ ነፈርቲን ዝጥቀመላ ትሮፒካዊ ደሴት ድየጎ ጋርስያ ዘጠቓልል እዩ።
መራሕቲ ብሪጣንያን ሞሪሽየስን ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ እዚ ስምምዕ ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰደ ድርድር ዘብቅዕ እዩ ኢሎም።
ኣብታ ደሴት ዝተቐብረ ሚስጢር ኣመሪካን ብሪጣኒያን
ኣብ መሪሕ ትካል ምምኻር ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ሩሲ ዳይሬክተር ወተሃደራዊ ሳይንስ ማቲው ሳቪል፡ “ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስን ብዘለዎ ኣቀማምጣ -ወደብ፡ መኽዘንን መዓርፎ ነፈርትን ዘለዎ ብምዃኑ” ድየጎ ጋርስያ “ኣዝዩ ኣገዳሲ” መደበር ምዃኑ ይዛረብ።
እቲ ንዓባይ ብሪጣኒያ ዝቐረበ መሳለጥያ ኣስታት 3,400 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ኰይኑ፡ ንኣመሪካ ድማ ኣስታት 4,800 ኪ.ሜ ርሒቑ ከም ዘሎን፡ እታ ደሴት ን”ናይ ህዋ ምክትታልን ምዕዛብን” እውን ኣገዳሲት ቦታ ምዃና ይገልጽ።
ካብ ዲየጎ ጋርስያ ዝንቀሳቐሳ ታንከራት ነተን ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም 2002 ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን ፈላሚ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ንምፍጻም ካብ ኣመሪካ ዝተበገሳ ቢ-2 ነፈርቲ ኣመሪካ ነዳዲ ይመልኣ ነይረን።
ከምኡ’ውን፡ ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ “ኲናት ኣንጻር ግብረሽበራ”፡ ነፈርቲ’ውን ካብታ ደሴት ብቐጥታ ናብ ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ይለኣኻ ነይረን።
እቲ መደበር ብተወሳኺ ሓደ ካብቶም ከም ቶማሃውክ ሚሳይላት ዝኣመሰሉ ኣጽዋር ዘለዎ “ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከቡ ሓይሊታት ባሕሪ ዳግማይ ንምጽዓን ካብ ዘኽእሉ ኣዝዮም ውሱናት ቦታታት” ምዃኑ ሳቪል ይዛረብ።
ኣመሪካ ድማ ኣብኡ ንህጹጽ ሓደጋታት ዝዀኑ ብዙሕ ኣጽዋርን መኽዘናትን ኣቐሚጣ ኣላ ይብል።
ኣብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ላዕለዋይ መምህር ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዋልተር ላድዊግ ሳልሳይ፡ እቲ መደበር “ብዙሕ ኣገዳሲ ዕማማት” ከም ዝፍጽም ይሰማማዕ - እንተዀነ “ካብቲ ኣብ ካልእ ቦታታት እንርእዮ ንላዕሊ ዝዀነ ሚስጢር ዘሎ ይመስል” ኢሉ።
“ናብቲ ቦታ ምድራት ምብጻሕን ልዑል ምቁጽጻር ፍቓድን ክግበር ተራእዩ’ዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዝተኸዘነ ንብረት፡ ዓቕምታትን ኣሃዱታትን ዘሎ ነገራት ኪኖ እቲ ንህዝቢ ወግዓዊ ዝተገብረ ክኸውን ይኽእል እዩ”።
ኣብ መፋርቕ 1980ታት፡ እንግሊዛዊ ጋዜጠኛ ሳይመን ዊንቸስተር፡ ጃልባኡ ኣብ ጐኒ እታ ደሴት ጸገም ከም ዘጋጠማ ኣምሲሉ ንኣስታት ክልተ መዓልቲ ክጸንሕ ክኢሉ ነይሩ።
ድሕሪኡ፡ “ኪድ፤ ተመሊስካ ከይትመጽእ” ተባሂሉ ተሰጒጕ።
ኣብኡ ዝነበሩ ሰበስልጣን እንግሊዝ “ንምእማኑ ብዘጸግም መልክዑ ተጻባእቲ” እዮም ነይሮም፤ እታ ደሴት ድማ “ኣዝያ ጽብቕቲ” እያ ክብል ነጊሩኒ ነይሩ።
ድሕሪ ልዕሊ 20 ዓመታት፡ ሓደ ጋዜጠኛ መጽሔት ታይም፡ ፕረዚደንታዊት ነፋሪት ኣመሪካ ነዳዲ ክትመልእ ኣብኡ ደው ምስ በለት፡ ን90 ደቓይቕ ዝኸውን ኣብታ ደሴት ኣሕሊፉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ድየጎ ጋርስያ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ብርክት ዝበሉ ወረታት ክስምዑ ጸኒሖም’ዮም።
እዞም ደሴታት፡ ሲኣይኤ ንጥርጡራት ግብረሽበራ ንምሓዝን ንምምርማርን ዝጥቀሙሉ መሳለጥያ ኣለዎም ተባሂሉ ይንገር።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ 2008፡ ብ2002 ጥርጡራት ግብረሽበራ ዝጸዓና ነፈርቲ ኣብታ ደሴት ከም ዝዓለባ ኣረጋጊጹ፤ ንዓመታት ግን ከም ዘይዓለባ ክገልጽ’ዩ ጸኒሑ።
“እቶም እሱራት ካብታ ነፋሪት ኣይወጽኡን፤ መንግስቲ ኣመሪካ ድማ ኣብ ልዕሊ ድየጎ ጋርስያ ተታሒዙ ዝፈልጥ ኣመሪካዊ እሱር ከም ዘየለ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብመንገዲ ዲየጎ ጋርስያ ወይ ካልእ ግዝኣታዊ ወጻኢ ሃገራት ወይ ብመንገዲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣቢሉ ዝሓለፈ ዘርኢ መዝገብ የለን” ክብል ኣብቲ እዋን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዴቪድ ሚሊባንድ ንባይቶ ተዛሪቡ።
ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ፡ ዳይሬክተር ሲኣይኤ ነበር ማይክል ሃይደን፡ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ኣብኡ በረራታት ዓሊቦም ከም ዘይፈልጡ ንዓባይ ብሪጣንያ ዝተዋህበ ሓበሬታ፡ “ኣብ ሰናይ ድሌት” ዝተሞርኰሰ እዩ ነይሩ ብምባል ድሒሩ “ጌጋ ኰይኑ ተረኺቡ” ኢሉ።
ድሕሪ ዓመታት፡ ሓላፊ ስታፍ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር ኮሊን ፓወል ሎረንስ ዊልከርሰን ንቫይስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ድየጎ ጋርስያ ከም ሓደ ቦታ “ሰባት ንግዚኡ ዝተሓዝሉን በብእዋኑ ዝምርመሩሉን” ቦታ ከም ዝተጠቕመሉ ምንጭታት ስለያ ከም ዝነገሩዎ” ተዛሪቡ።
ኣብ ጥቓ ዝዀነ ወተሃደራዊ ከባቢታት ድየጎ ጋርስያ ክበጽሕ ኣይተፈቕደለይን።
ካብታ ደሴት ክወጽእ እንከለኹ፡ ኣብ ፓስፖርተይ ናይ’ቲ ግዝኣት ምልክት ተሓቲሙ።
እዚ፡ “In tutela nostra Limuria” ዝብል ኰይኑ፡ “ሊሙርያ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳርና’ያ” ዝብል ትርጕም ኣለዎ።
እዚ ድማ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ንሓንቲ ጽውጽዋያዊት ዝጠፍአት ኣህጉር ዘመልክት እዩ።
እታ ብወግዒ ዘየላ ኣህጉር ድማ፡ ንሓንቲ ሕጋዊ ደረጅኣ ኣብ ጥርጣረ ዝኣተወትን፡ ቻጎሳውያን ካብ ዝስጐጕ ጀሚሮም፡ ውሑዳት ክርእይዋ ዝተፈቕደላን ደሴት እትምጥን ምልክት’ያ ትመስል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







