ቅልውላው ትግራይ፡ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ትግራይ ኣብ ምንታይ ብርኪ ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ከቕርቡ ንዝደልዩ ኣካላት ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ ናይ ኣየር በረራ ከምዘፍቀደ ወግዓዊ ገይሩ’’ዩ።
መንግስቲ ነዚ’ኳ እንተበለ በዓልመዚ ሲቪል ኣቪየሽን ግን ክሳብ ሕዚ ዝጀመረ በረራ ከምዘየለ ንሮይተርስ ሓቢሩ’ሎ።
ሮይተርስ ንዋና ዳይሬክተር እቲ በዓልመዚ ኮሎኔል ወሰንየለህ ሁነኛው ጸሪሑ ከምዝጸብጸቦ ዛጊድ ንሰብኣዊ ረድኤት ዝተገበረ በረራ የለን።
እቲ ዳይሬክተር “እቲ ፍቓድ ብሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢሉ ናባና ክበጽሕ ኣለዎ። ክሳብ ሕዚግን ካብቲ ሚንስትሪ ዝበጽሓና ነገር የለን” ኢሉ።
“ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ዝተገበረ በረራ የለን፤ እንተዝነብር ኣነ ምፈለጥኩ”ክብል ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተቛረጸ ናብ መቐለ ዝግበር በረራታት ክሳብ ሕዚ’ኳ እንተዘይጀመረ፤ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ ናይ ዓፋር መገዲ ግን ካብ 24 ክሳብ 29 ኣብዘሎ ጊዜ ንሰራሕተኛታት ክፉት ከምዝኾነ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት -ኦቻ - ኣፍሊጡ።
እቲ መገዲ ንሰራሕተኛ ክፉት ይኹን’ምበር እገዳ ምቕራብ ረድኤት ግን ከምዝቐጸለ ገሊጹ’ሎ።
ኣብቲ ክልል ዝበዝሑ ከባብታት ስለዝተኸፈቱ ትካላት ረድኤት ስራሕቲ ምክፍፋል መግቢ፣ ምምልላስ ማይ፣ ቀረባት ሕክምናን ዘራእትን ናይ ምክፍፋል ስራሕ ክጅምሩ ከምዘኽኣሎም ኦቻ ይሕብር።
እንተኾነ ሕዚ’ውን ተወሳኺ ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልይን ነቲ ምንቅስቓስ ኣገደስቲ ዝኾኑ ከም ነዳዲ ዝበሉ እታወታት ብቕልጡፍ ክቐርቡ ከምዝግባእን ጠቒሱ።
ብፍላይ ኣብ መቐለ ንሞተር [ፓምፕ] ዘንቀሳቕስ ነዳዲ ብዘይምህላዉ 23 መዕቖቢ ስደተኛታት ጸገም ማይ ከምዘለወን ኣመልኪቱ።
ሕጽረት ነዳዲ ነቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ዝግበር ምጉዕዓዝ ረድኤትን ቀረባት ንግድን ከምዘተኣጓጎሎን ብዙሓት መዳርግቲ ኣካላት ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብሩ ከምዘይከኣሉን ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
ፈረንሳዊ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም [ኤም ኤስ ኤፍ] ብወገኑ፤ ኣብቲ ክልል ሰለስተ ሰራሕተኛታቱ ስለዝተቐተልዎ ኣብ ዓብዪ ዓዲ፣ ዓዲ ግራት፣ ኣኽሱም፣ ማእኸላይን ምብራቕን ትግራይ ዝሰርሖም ዝነበረ ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ከምዘበለ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብ ካልኦት ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ዝገብሮ ሓገዝ ከምዝቕጽለሉ ብምሕባር ፡ ጉዳይ ናይቶም ብዘይተፈለጡ ዕጡቓት ዝተቐተሉ ሰራሕተኛታቱ ድማ ምጽራይ ክግበር ሓቲቱ።
ኣብቲ ክልል ዘሎ ሕጽረት መግቢ ይጋደድ ከምዘሎ፣ 400 ሽሕ ዝኾኑ ነበርቲ እቲ ክልል ጥምየት ከምዘጋጠሞን ካልኦት 1.8 ሚልዮን ሰባት ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከምዝርከቡን ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብቲ መዓልቲ ነቲ ጸብጻብ ዝተቓወመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ‘መንግስቲ ንህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ኣጊዱ’ ዝብል ክሲ ከምዘይቕበሎ ዝሕብር መግለጺ ከምዘውጽአ ይዝከር።
“ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ብምዕጋት ንህዝቢ ትግራይ ክትዕፍኑ ትፍትኑ ኣለኹም፤ ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ትጥቀሙሉ ኣለኹም፤ ዝብሉ ርእይቶታት ቅቡልነት ዘይብሎምን ካብ ሓቂ ዝረሓቑን” ክብል ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስተር ጉዳይ ወጻእን ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታታት ሃገራት ተዛሪቡ።
ሚንስትር ዲኤታ ወጻኢ ጉዳያት ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብወገኑ፡ ሕቡራት ሃገራት ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከቡ ክልተ መዕርፎ ነፈርቲ ረድኤት ንኸብጽሕ መንግስቶም ፍቓደኛ ምዃኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ምስ ሮይተርስ ቃለመሕትት ዝገበረ ወሃቢ ቓል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ድማ መንግስቲ በረራ ኣየር ዝርከቦም ካልኦት ኣገልግሎታት ክቋረጽ ምግባሩ ብምኹናን ነዚ ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀመሉ ከምዘሎ'ዩ ገሊጹ።
መንግስቲ ፌደራል በይናዊ ተኹሲ ደው ምባል ብምእዋጅ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ከምዘውጽእ ክገልጽ ከሎ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም እቲ ሰራዊት ተሳዒሩ ከምዝወጽአ ይገልጹ፥
ህወሓት እቲ ምቁራጽ ተጻብኦታት ግብራዊ ንምግባር ሸውዓተ ቅድመ ኩነት ዝሓዘ መግለጺ’ኳ እንተውጸአ ዛጊድ ግን ካብ መንግስቲ ዝተወሃበ ግብረ-መልሲ የለን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



