ቅልውላው ትግራይ፡ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ኲናት ረድኤት ናብታ ክልል ከቕርብ ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ

ረድኤት መግቢ

ምንጪ ስእሊ, Wfp

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቶም ረድኤት ዝመሓላለፈሎም መስመራት ኲናት ይካየድ ብምህላዉ ናብ ትግራይ ኣብ ዝቐርብ ረድኤት ዕንቅፋት ከምዘጋጠሞ ገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ምስ ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብምትሕብባር ናብ ትግራይ የቕርቦም ዝነበረ ከም መግብን መድሓኒትን ዝበሉ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምንካይ፣ ንምንዋሕን ንምስራዝን ከምዝተገደደ ኣብ መግለጺኡ ኣስፊሩ’ሎ።

እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከምዝኾነ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዛት (ኦቻ) ኣረዲኡ።

“ካብ ሰመራ-ኣብዓላ-መቐለ ብዝወስድ መስመር ዝፍጸሙ ናብ ትግራይ ረድኤት ናይ ምቕራብ ስራሕቲ ብሰንኪ ኣብ ኣብዓላ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ 05 ታሕሳስ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ጀሚሩ ደው ኢሉ’ሎ” ክብል ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።

ካብ 26 ሓምለ 2013 ኣ.ግ ንደሓር ብኣብዓላ ኣቢሉ ናብ ትግራይ ዝበጽሐ ነዳዲ ከምዘየለ ዘዘኻኸረ ኦቻ፡ ብሰንኪ’ዚ ኣብ ትግራይ ቀረብ ነዳዲ ከምዘየለ ገሊጹ።

ካብ 23 ታሕሳስ ክሳብ 04 ጥሪ 2014 ኣ.ግ ኣብ ዝነበረ እዋን ከኣ 10 ሽሕን 500 ሰባት ረድኤት ከምዝበጽሖምን እዚ ቁጽሪ ተሓገዝቲ ድማ ካብ መጋቢት 2013 ንደሓር እቲ ዝተሓተ ከምዝኾነን ኣመልኪቱ።

ሰሙናዊ ረድኤት ክቕበሉ ዝግብኦም ሰባት ልዕሊ 80 ሽሕ ክኾኑ ከምዘለዎም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

እቶም ምስቲ ትካል ተሓባቢሮም ዝሰርሑ ትካላት ግብረ-ሰናይ ኣብዚ እዋን ዘለዎም ዕቑር (ክዙን) መግቢ ን28 ሽሕ ሰባት ጥራሕ ዝኣክል ከምዝኾነ ከምዝሓበርዎ ኣፍሊጡ’ሎ።

ቅድሚ ሰሙናት ክወሃብ ዝጀመረ ክታበት ንፍዮ’ውን ዛጊት ን145 ሽሕ ህጻናት ከምዝተወሃበ ብምሕባር፡ ብዝሒ ናይቶም ክኽተቡ ዘለዎም ህጻናት 800 ሽሕ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሩ።

ሕጽረት ነዳዲን ጥረ ገንዘብን፣ መጠን ዋዒ እናተቖጻጸርካ ነቶም መድሓኒታት ምጉዕዓዝ ኣጸጋሚ ምዃኑ፡ ሕጽረት ሰብ ሞያ ጥዕናን ካልኦት ከበድቲ ብድሆታትን ተደማሚሮም ነቲ ወፍሪ ክታበት ፈተና ከምዝኾኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን ከ?

ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ግን ሰብኣዊ ረድኤት ናይ ምብጻሕ ስራሕቲ ብስፍሓት ይካየድ ምህላዉ ኦቻ ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራሕ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ረድኤት መግቢ ከምዝበጽሖም ብምሕባር፤ ልዕሊ 40 ሽሕ ሰባት ድማ መግቢ ካብ መግቢ ወጻኢ ዝኾኑ ሓገዛት ከምዝተቐበሉ ገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ካብ ዝነበሩ ሰባት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናብ ዝነበሩሉ ቦታ ከምዝተመለሱ’ውን ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ክልል ዓፋር ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ልዕሊ 47 ሽሕ ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝተቐበሉ ጸብጻብ ኦቻ ይሕብር።

እቲ ኲናት ኣብ ዝተላብዐሎም ቦታታት ንዝነብሩ ሰባት ንምሕጋዝ 30 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ከምዝተዋፈረ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከምዝተላብዐን ኣብ ኩሎም ከባብታት ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ከምዘስዓበ ይፍለጥ።

በቲ 14 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐተሉን ብሚልዮናት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ይግለጽ።

ኣስታት 9.4 ሚልዮን ሰባት ድማ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝኾኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ ምንባሩ ይዝከር።