ክልተ ላዕለዎት ሰብመዚ ኣሜሪካ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ናብ ኣዲስ ኣበባ፣ ካርቱምን ሪያድን ክበፅሑ’ዮም

ላዕለዎት ሰብመዚ ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, STATE DEPARTMENT

ላዕለዎት ሰብመዚ ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ንኣርባዕተ መዓልታት ናብ ከተማ ኣዲስኣበባ፣ ካርቱምን ሪያድን ብምብፃሕ ከምዝዝትዩ ተገሊፁ።

እቶም ሰብመዚ፡ ኣብ ቤት-ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ተሓጋጋዚት ሓላፊት ሞሊ ፊን ንኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ተኪኡ ኣብ ቀረባ ግዘ ዝተሾመ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዴቪፍ ሳተርፊልድን እዮም።

ቤት-ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፡ እቲ ካብ ፅባሕ ሰኑይ ዝጅምር ጉዕዞ ዲፕሎማሰኛታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ትኹረት ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

እቶም ሰብመዚ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘምርሕሉ፡ ፕረዝደንት ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብቲ ዝሓለፈ 10 ጥሪ ዘካየድዎ “ሃናፂ ናይ ስልኪ ዝርርብ ዝስዕቡ ጉዳያት ከልዕሉ’ዮም” ክብል ቤት-ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ፡ እቶም ሰብመዚ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፀሙ ናይ ኣየር መጥቃዕትታን ካልኦት ጎንፅታትን ደው ክብሉ፣ ኣብ ድርድር ዝተደረኸ ተኹሲ ደው ምባል ክግበር፣ ኩሎም እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑ፣ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክጠዓዓምን ንሃገራዊ ልዝብ ዘድልዩ ጉዳያት ክዳለዉን ኣብዚ እዋን ንዝተኸፈተ ዕድል ሰላም ክጥቀምሉ፡ ንሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከበረታትዑ’ዮም ተባሂሉ።

ኣብ ቤት-ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ተሓጋጋዚት ሓላፊት ሞሊ ፊን ፍሉይ ልኡኽ ሳተርፊልድን፡ ናብ ከተማ ኣዲስኣበባ ቅድሚ ምኻዶም፡ ኣብ ስዑድ ዓረብን ሱዳንን ምብፃሕ ከካይዱ’ዮም።

በዚ ድማ፡ ኣብ ቅልውላው ትርከብ ሱዳን ብሲቪል ዝምራሕ ዲሞክራስያዊ ስግግር ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ኣብቲ ብሕቡራት ሃገራት ኣቢሉ ዝካየድ ኣኼባ ክሳተፉ’ዮም።

ድሕሪ እዚ፡ ክልቲኦም ሰብመዚ ናብ ሱዳን ብምምራሕ፡ ምስ ነጠፍቲ ደገፍቲ ዲሞክራሲ፣ ምስ ጉጅለታት መናእሰይን ደቂኣንስትዮን፣ ሲቪል ማሕበራት፣ ምስ መራሕቲ ሰራዊትን ፖለቲከኛታትን ከምዝዝትዩ ተገሊፁ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዲስኣበባ ብምምራሕ ምስ ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዝትዩ ትፅቢት ይግበር።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዝደንት ጆ ባይደንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ብስልኪ ከምዝተዘራረቡ ይፍለጥ።

ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝወሰዶ ምፍታሕ ፍሉጣት እሱራት ፖለቲካ ብምንኣድ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኵናት ንሲቪላውያን ግዳይ ይገብር ምህላዉ ከምዘሻቐሎ ገሊፁ።

"ክልቲኦም መራሕቲ ብልዝብ ዝተበፅሐ ምቁራፅ ተፃብኦታት ዝግበረሉ መንገዲ ንምቅልጣፍ፡ ሰብኣዊ ዝበፅሓሉ ኩነታት ምምሕያሽን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኩሎም ዝተፀልዉ ኢትዮጵያውያን ዘሎ ስክፍታታት ንምፍታሕን ተመያዪጦም" ክብል መግለፂ ዋይት ሃውስ ጠቒሱ።

"ፕረዝደንት ባይደን ብዛዕባ ዝቕፅል ዘሎ ተፃብኦታት፡ እንኮላይ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መጥቃዕትታት ኣየር ሲቪላውያን ግዳያት ይገብር ብምህላዉ ዘለዎ ሻቕሎት ገሊፁ" ክብል'ውን ገሊፁ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ይቕፅል ዘሎን ኵናት ስዒቡ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብዝወሰደቶም ስጉምትታት፡ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ሓርፊፉ’ዩ ፀኒሑ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰብመዚ ኢትዮጵያን ተሳተፍቲ እቲ ኵናትን ብዘንበሮ እገዳ ቪዛን ንኢትዮጵያ ካብ ኣጎዋ ምእጋዱን ይፍለጥ።

ኣሜሪካ፡ እቲ ሂወት ኣሽሓት ዝቐጠፈ፣ ሚልየናት ዘመዛበለን፣ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተፈፀምሉን ሚልየናት ንጥምየት ኣቃሊዑን ዘሎ ኵናት ከብቅዕ ብተደጋጋሚ ክትፅውዕ እኳ እንተፀንሐት፡ ዛጊድ ፍረ ኣየፍረየን።

እዞም ካብ ሰኑይ ጀሚሮም ናብ ስዑድ ዓረብ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘምርሑ ላዕለዎት ሰብመዚ ኣሜሪካ፡ ንነዊሕ ዓመታት ሞያ ዲፕሎማሲ ዘኻዕበቱ ከምዝኾኑ ይግለፅ።

ቅድሚ ሕዚ ንሰለስተ ዓመታት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነበረትን ኣብ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ላዕለወይቲ ሓላፊት ኮይና ዘገልገለትን ሜሪ ካትሪን ሞሊ ፊ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም እያ ተሓጋጋዚት ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ኮይና ተሾይማ።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ቱርኪ ዝነበረ፡ ሓድሽ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ተሾይሙ ዘሎ ዴቪድ ሳተርፊልድ ድማ፡ ኣብ ዲፕሎማሲ ማእኸላይ ምብራቕ ናይ ኣርብዓ ዓመታት ውህሉል ልምዲ ዘለዎ’ዩ።

ኣምባሳደር ሳተርፊልድ፡ ኣብ ቱርኪ፣ ሶርያ፣ ቱኒዝያ፣ ስዑድዓረብን ሊባኖስን ንሃገሩ ወኪሉ ዲፕሎማት ኮይኑ ዝሰርሐ እንትኾን፡ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ቱርኪ ኮይኑ ቅድሚ ምስርሑ ድማ ኣብ ዘበን ስልጣን ዶናልድ ትራምፕ ሓላፊ ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ንዝነበረ ማይክ ፖምፔዮ ኣማኻሪ ኮይኑ ምስርሑ ይዝከር።