ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፌልትማን ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፌልትማን፡ ናብታ ብቅልውላው ኵናት ካብ ትሕመስ ዓመት ገይራ ዘላ ኢትዮጵያ ክኣቱ ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣመሪካ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናኣስፋሕፈሐ ዝመጽእ ዘሎ ዕግርግር ምሽቃላ ገሊጻ።
መንግስቲ ኣመሪካ ናብ ሓይልታት ትግራይ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ብምስዳድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም መጥቃዕቲ ከይፍጽሙ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፌልትማን "ህወሓት ንኣዲስ ኣበባ ንምሓዝ ኮነ ንምኽባብ ዝገብርዎ ዝኾነ ዓይነት ፈተነ ንቃወሞ ኢና" ኢሉ።
ብኣንጻሩ ብ2 ሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንኢትዮጵያ ካብቲ African Growth and Opportunity Act (AGOA) ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ሃገራት ብዘይ ቀረጽ ምህርተን ናብ ኣመሪካ ከእትዋ ዘፍቅድ ሓለፋ ከምዝኣለያ ገሊጹ።
ጆ ባይድን፡ ነተን ዕልዋ መንግስቲ ዝተኻየደለን ሃገራት ጊኒን ማሊን'ውን ካብቲ ሓለፋ ከምዝኣለየን ገሊጹ።
ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሮም ንሓያለ ከተማታት ትግራይን ክቆጻጸሩ ዝጀመሩ ሓይልታት ትግራይ፡ መጥቃዕቶም ናብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ብምዝርጋሕ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንሸነክ ሰሜናዊ ምብራቕ 330 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ቀንዲ መስመር ኮምቦልሻ ኣዲስ ኣበባ ትርከብ ከተማ ከምሴ ብረቡዕ ምቁጽጻሮም ኣባል ማእኸላይ ህወሓት ፕሮፈሰር ክንደያ ገብረሂወት ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ ወግዓዊ መብርሂ ኣይሃበን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ንዲፕሎማስያዊ ዘተ ተሓሲሙ'ዩ ዘሎ፡ ብኣንጻሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ኵናት ናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳይ ምዃኑን ኢትዮጵያ ባዕላ ከምእትፈትሖን'ዩ ብተደጋገሚ ገሊጹ።
3 ሕዳር መበል ሓደ ዓመት ምጅማር እቲ ኵናት ኣመልኪቱ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ንጻላእቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ብደምና ክንቀብሮም ኢና" ምባሉ ይዝከር።
እቲ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝጀመረ ኵናት ካብ ክልል ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ድሕሪ ምልሓም ንርእሰ ከተማ እታ ሃገር'ውን ስግኣት ኣብ ዝኾነሉ፡ ብዙሓት ሃገራት ስግኣተን ይገልጻ ኣለዋ።
ኣመሪካ፡ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይታት ትግራይን ፖሎቲካዊ ዘተ ንኽግበር ኣዐርያ ክምእትሰርሕ ገሊጻ ኣላ።
ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቲንዮ ጉተረዝ ብወገኑ፡ ብረቡዕ ብዛዕ ልዝብ ኣመልኪቱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተዘራረበ ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘተ ንኽገብሩ ዝቐርበሎም ዘሎ ተደጋጋሚ ዘጻውዒት ተሓሲመሞ'ዮም ዘለዉ።
ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ኵናተ ላዕለዋይ ኢድ ሒዞም ከምዘለዉ ብምእማን ምስ 'ክስዓር ዝቐረበ' መንግስቲ ክዛተዩ ቅሩባት ከምዘይኮኑ እዮም ዝገልጹ።
ካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ምትሓዝ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ መላእ እታ ሃገር ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ደንጉጉ ይርከብ።
ብዘይካ እዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ 'ዝኾነ ዓይነት ዕጥቅን ዓቕምን'ሒዙ ክቃለስ ጸዊዑ።
ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበሮ ዝበዝሓ ካብቲ 7 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ተጸባዩ ህጹጽ ሰብዊ ሓገዝ ክኸውን እንከሎ ብውሕዱ 400,000 ኸኣ ሓደጋ ዓጸቦ ኣንጸላልይዎም ኣሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







