ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ሓይልታት ትግራይን ዘራኽቦም መስመር ከፊቶም፡ ጌታቸው ረዳ

ኣቶ ጌታቸው ረዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሓይልታቶም ምስቶም ኣብ ክልል ኦሮምያ ኮይኖም ኣንጻር መንግስቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዘለዉ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA) ከም ዝተራኸቡ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ምርኻብ እዞም ክልተ ሓይልታት እኳ እንተገለጸ፡ ብሓባር ኮይኖም ኣንጻር መንግስቲ ይቃለሱ ኣለዉ ድዮም ግን ኣይነጸረን።

ብሰኑይ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኦሮም (OLA) ኩምሳ ዲሪባ [ጃል ማሮ] ክልቲኦም ሓይልታት [ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን]፡ ብርሕቀት ተቐራሪቦም ስለ ዘለዉ ኣብ ቀረባ መዓልታት ሓደ ግንባር ፈጢሮም ብሓባር ኮይኖም ከም ዝቃለሱ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ክልቲኦም እዞም ኣንጻር መንግስቲ ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት: ካብቲ 'ግብረሽበራውያን እዮም' ኢሉ ዝገልጾም መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣዲስ ኣበባ ንምምንዛዕ ዓላማ ከም ዘለዎም ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኩምሳ ድሪባ ሓይልታቱ ኣብ ምዕራብ፣ ማእከላይን ደቡብን ኦሮምያ ብዙሓት ከተማታት ከም ዝተቆጻጸሩ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ወሲኹ፡ ሓይልታቱ ነተን ከተማታት ኣብ ዝተቖጻጸርሉ እዋን ካብ ሓይልታት መንግስቲ ብዙሕ ብድሆ ከም ዘይገጠሞምን ሰራዊት መንግስቲ ቀልጢፎም ከም ዝሃደሙን ይገልጽ።

ወሃቢት ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝብሃል ዘሎ ርእይቶ ክትህብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን።

እቲ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝብልዎ ዘለዉ ኸኣ ብቴሌፎንን ብኢንተርኔትን ስለ ዝኾነ ብዘይሻራዊ ኣካል ክረጋገጽ ኣይክኣለን።

ኩምሳ ድሪባ፡ ሓይልታቱ ምስቶም ኣብ ቀረባ መዓልታት ስትራቴጂካዊ ከተማታት ዝተቖጻጸሩ ሓይልታት ትግራይ ሓደ ግንባር ፈጢሮም ብስምረት ክቃለሱ ምዃኖም ሓቢሩ።

ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ነቲ ብሓይልታት ትግራይ ዝካየድ ቃልሲ ከም ዝድግፉ ገሊጾም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን በብዘለውዎ ግንባራት ንመንግስቲ ጸቕጢ ናይ ምፍጣር እንዘይኮይኑ፡ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ራሕቂ ቦታ ኣብ ግምት ብምእታው ንኽልቲኦም ዘራኽቦም መስመር ኣብ ሓጺር እዋን ክፈጥሩ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ነገር ኣይነበረን።

ሓይልታት ትግራይ፡ ነታ ኣብ 28 ሕዳር 2020 ብሰራዊት መንግስቲ ተደፊኦም ዝገደፍዋ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ዳግማይ ምስ ተቖጻጸርዋ ላዕለዋይ ኢድ ሒዞም ነቲ ኵናት ይቕልሱዎ ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ከኣ፡ ንዓበይቲ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ዝኾና ደሴን ኮምቦልሻን ክቆጻጸርወን ክኢሎም።

ሓይልታት ትግራይ፡ ጸላእቶም ንክልሎምን ንህዝቦምን ስግኣት ናብ ዘይኮነሉ ደረጃ ንምውራድን ንዘቕረብሉ ቅድመ ኩነት ክሳብ ዝቕበል መጥቃዕታቶም ከም ዝቅጽሉ ይገልጹ።

እቲ ብመንግስቲ ኦነግ ሸኔ እናተባህለ ዝጽዋዕ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ኣደራዕ፣ ኣድሉዎ፣ ጭቆናን ቅትለትን ይፍጸም ኣሎ ብምባል ንህዝቢ ኦሮሞ 'ነጻ' ከውጽእ ይቃለስ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልሎም ናብ ደቡብ ብምድፋእ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኸኣ ካብ ደጀኖም ንሰሜን ብምድፋእ ዘራኽቦም መስመር ከም ዝፈጠሩ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኵናት ትግራይ ኣብዚ እዋን ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ዝበዝሐ ክፋሉ ኣብ ክልል ኣምሓራ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ ኣብ ኩለን ከተማታቱ ሰዓታት እቶ እቶ ብምእዋጅ ድሕሪ ምሸት ስዓት ሸሞንተ [2፡00 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ከልኪሉ ኣሎ።

ብዘይካ እዚ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ፡ ኩሉ መንግስታዊ ትካላት ክዕጾን ኣብ ዝተፈላለየ ጸፍሕታት ዝርከቡ ሓለፍቲ ንህዝቢ ወዲቦምን መሪሖምን ናብ ግምባር ከምርሑ፡ እዚ ምስ ዘይገብሩ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ክውሰዶም ምዃኑ ኣዊጁ ኣሎ።