ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ደሴን ኮምቦልቻን እንታይ ንፈልጥ?

ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ሰሜን ወሎ ናብ ደቡብ ወሎ ኣስፋሕፉሑ ንርእሰ ከተማ ዞባ ደቡብ ወሎ ዝኾነት ደሴን ኣብ ሓጺር ርሕቐት እትርከብ ከተማ ኮምቦልቻን ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ዝርከባ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት ኣብ ሰሜን ወሎ ክካየድ ድሕሪ ዝቐነየ ከበድቲ ውግኣት ሰራዊት ፌደራልን ሚሊሻ ኣምሓራን ከተማ ደሴ ብሓይልታት ህወሓት ንከይትትሓዝ ክከላኸሉ ጸኒሖም'ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ግን እተን ከተማታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ከም ዝኣተዋ ክንገር እንከሎ፡ ብዓርቢ ምሸት ኣብ ደሴን ከባቢኣን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ተቛሪጹ።
ቀዳም ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ጀሚሩ ድማ ኣብታ ከተማ ኣገልግሎት ስልኪ ስለ ዝተቛረጸ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።
ካብ ወርሒ ጥቅምቲ እዚ ዓመት ጀሚሩ ካብ ከተማ ደሴ ወጻኢ ኣብ ዘለው ከባቢታት ደቡብ ወሎ ውግኣት ክካየዱ ጸኒሖም'ዮም።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዘለዋ ዓበይቲ ከተማታት ሓንቲ ዝኾነት ደሴ እቲ ኲናት ናብቲ ክልል ምስ ልሓመ ካብ ሰሜን ወሎ ዝተመዛበሉ ኣሽሓት ሰባት ኣዕቚባ ጸኒሓ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓይልታት ትግራይ ናብታ ከተማ እናተጸግዑ ምምጽኦም ምስ ተነግረ፡ ልዑል ቑጽሪ ዘለዎም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ከምኡ'ውን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዝተወጽኡ ሚሊሻን ዘይስሩዕ ዕጡቓትን እታ ከተማ ንምክልኻል ክኸቱ ከም ዝቐነዩ ማዕኸናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ይጽብጽባ ነይረን።
ቀዳም ረፋድ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ተኹሲ ይስማዕ ከም ዝነበረን ካልኦት ምንቅስቓሳት ጠጠው ከም ዝበሉ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
ማዕኸን ዜና ፈረንሳ፡ ኣብቲ ዕለት ሰራዊት መንግስቲ ከም ዘንስሓቡ ክገልጽ እንከሎ፡ ሮይተርስ ብወገኑ ንወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ረቑሑ እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሓይልታት ትግራይ ከም ዝኣተወት ጸብጺቡ።
ድሕሪ እዚ፡ ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሰራዊት ምክልኻል፡ ስጉምቲ ጸረ መጥቃዕቲ ብምውሳድ ኣብ ልዕሊ ደሴ ዘቕንዐ መጥቃዕቲ መኪቱ "ደሴ ንምሓዝ ተሃንዲዱ ዝመጽአ ወራሪ ሓይሊ ብምምካት" እቲ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር መንግስቲ ትርከብ ኢሉ።
ህወሓት ብወገኑ፡ ብግንባር ደሴ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ልዕልነት ብምርኣይ ነታ ከተማ ሓዊሱ ሓይልታት ትግራይ 20 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ንእትርከብ ከተማ ኮምቦልቻ'ውን ከም ዝተቐጻጸሩ ገሊጹ።
መንግስቲ ንህልው ኩነታት እዘን ከተማታት ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግልጺ ሓበሬታ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ብሰንበት ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ከቢድ ውግእ" ይቕጽል ኣሎ ኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብሰኑይ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ "ህወሓት ንደሴን ኮምቦልቻን ተቖጻጺሩ" ብዝብሉ ጸብጻባት ከም ዝተሻቐለ ገሊጹ።
ወሲኹ፡ እቲ ኲናት ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘናውሕ ስለ ዝኾነ ኩሎም ወገናት ተኹሲ ጠጠው ኣቢሎም ልዝብ ክጅምሩ ሓቲቱ።
ብኻልእ ወገን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኩሎም መሓውር መንግስቲ ከምኡ'ውን ዓቕሚ ዘለዎ ነባሩ ናብቲ "ናይ ህልውና" ዝበሎ ወፍሪ ክኸትት ጸዊዑ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ'ውን ብሰንበት ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ሰራዊት ምክልኻል "እቲ መጥቃዕቲ ንምምካት ብኹሎም ግንባራት ተሰሊፉ ብምድርን ኣየርን ተሓጊዙ ጸላኢ ከም ዘይለዓል ገይሩ ይሰብሮ ኣሎ" ኢሉ።
እቲ ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኩናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ፡ ኣብ ሰሙንን ደቡብ ጎንደር ከምኡ'ውን ገለ ከባቢታት ዓፋር ክካየድ ጸኒሑ'ዩ።
ብምኽንያት እቲ ኲናት ኣብ ሰለስቲኡ ክልላት ኣማኢት ኣሽሓት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ ሚሊዮናት ድማ ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ክኾኑ ክኢሎም'ዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







