ቅልውላው ሱዳን ኣብ ልዝብ ግድብ ህዳሰን ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያን እንታይ ጽልዋ ይህልዎ?

ምንጪ ስእሊ, Ministry of Water and Energy/fb
እቲ ነቀይ ነቀይ ዝብል ዝነበረ መንግስቲ ሱዳን፡ ሕዚ ድማ ዕልዋ መንግስቲ ተወሲኽዎ፡ ኣባል ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ዝነበረ ጄነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን መሪሕነቱ ሒዙ ኣሎ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ሓዊሱ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ኮኒኑ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መሪሕነት ኣፍልጦ ከም ዘይህብ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ዑማር ሓሰን ኣልባሽር ድሕሪ ካብ ስልጣን ምእላዩ፡ ኣብ መንጎ ሲቪላውን ወተሃደራውን መሪሕነት ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ፡ ነታ ሃገር ሰላም ኣስኢንዋ ዝቐነየ ምዃኑ ይዝከር።
ሕዚ ድማ፡ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተሰመዐ፡ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ዝደሊ ህዝባ፣ ናይ ሞያ ማሕበራትን ፖለቲከኛታትን ኣደባባይ ወጺኦም ተቓውሞ የስምዕ ኣለዉ።
ንምዃኑ ኣብታ ሃገር ወተሃደራዊ ክፍሊ ስልጣን ምቁጽጻሩ ኣብ ልዝባት ህዳሰ ግድብን፡ ኣብ ጉዳይ ዶባዊ ግጭት ምስ ኢትዮጵያ እንታይ ጽልዋ ይህልዎ?
ንዕልዋ መንግስቲ ዝመርሐ ጄነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል ቡርሃን፡ ናይ ሱዳን ኣልሲሲ ከይኸውን ስግኣት ኣሎ።
እቲ ጀነራል ምስ መራሒ ግብጺ ኣልሲሲ ጽቡቕ ርክብ ከም ዘለዎ'ውን እዩ ዝንገር።
ምቕማጡ ኣብ ለንደን ዝኾነ፡ ተንታኒ ፖለቲካ ዓብዱራህማን ሰዒድ ኣቡሓሽም፡ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጽልዋ ኣለዎ ኢሉ እዩ ዝኣምን።
"ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ምስ ግብጺ ናይ ሓባር ስምምዓት ተፈራሪሙ ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ ሓደ ዓይነት ቅዋም ከሰጉም ጸኒሑ" ይብል ኣቡሓሺም።
በዚ ዝተልዓለ ድማ፡ ዶባዊ ጎንጺ ከልዕል ዝኽእል ምትንዃያት ከምዝነበረን ብ'ትዕግስቲ መንግስቲ ኢትዮጶያ' ከምዝተሓለፈን ይዛረብ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ሲቪላዊ መንግስቲ ሱዳን በቲ ናይ በዓል ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ትንኮያታት ኣይስማማዕን ነይሩ።
ስለዝኾነ እቲ ጄነራል ሙሉእ ንሙሉእ ስልጣን እንተተቖጻጺሩ፡ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ንስልጣኑ ክብል ኣሉታዊ ኣማረጽቲ ናብ ምውሳድ ከዘንብል ከምዝኽእልን ምስ ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ምእታው ከስዕብ ከምዝኽእልን እዩ ዘረድእ።
ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያኸ እንታይ ሳዕቤን ይህልዎ?
ኣቡሓሽም ከምዝብሎ፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ቀጥታዊ ኲናት እንተዘይተኻይዱ ቅልውላው ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብዙሕ ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘየለ ይዛረብ።
ምክንያቱ ድማ፡ መንግስቲ ሱዳን ንሓይልታት ትግራይ ይድግፍ እዩ ብዝብል ክሕመ እዩ ጸኒሑ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሱዳን ካብ ዝርከብ መዓስክር ስደተኛታት ልዕሊ 20 ሽሕ ዝኾኑ ሓይልታት ትግራይ ሰልጢኖም ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ፈቲኖም ዝብል ክስታት ኣዘኻኺሩ።
ብዛዕባ እዚ ክሲ፡ ዩኤንኤችሲኣር ኣብ መዓስክር ስደተኛታት ዝኾነ ዓይነት ወተሃደራዊ ስልጣና ተዋሂቡ ከምዘይፈልጥ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺግዎ እዩ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ መንግስቲ ሱዳን ስትራተጂካዊ ዝኾነ ቅዋም ስለዘይብሉ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጠሩ ተቓወምቲ ሓይልታት ቅዋሞም ክቀያየር ከምዝኽእል ኣቡሓሺም የረድእ።
ስለዝኾነ፡ "ህወሓት ከም ሓደ ስትራተጂካዊ ተሓባባሪ ቆጺሩ፤ እንክሰዓር ዝሕግዞ እንክወድቕ ዘልዕሎ ዓይነት ሓይሊ ዝኾነሉ ኣይመስለንን" ኢሉ።
ልዝብ ግድብ ሕዳሰ
ህንጸት እቲ ግድብ ኮነ ዝርርብ ህዳሰ ግድብ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት'ኳ እንተቑጸረ፡ ዛጊት ኣብ ስምምዕ ኣይተበጽሐን።
እቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣምሪሑ ድማ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክረአ ብዝብል ውሳነ ምሕላፉ ዝዝከር እዩ።
እንተኾነ እቲ ድርድር መዕለቢ ከይረኸበ፡ ኣብ ሱዳን ሕዚ ዕልዋ መንግስቲ ምፍጣሩ እቲ ኩናታት ናበይ ኮን የምርሕ ብዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ ኾይኑ ኣሎ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቴክኒካዊ ጉዳያት ምብራቃዊ ክፋል ናይል፡ ኣቶ ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተፈጥሩ ኩነታት እቲ ልዝብ ከይጅመር ምኽንያት ከምዝኾነ ንቢቢሲ ይገልጽ።
ባይቶ ጸጥታ፡ እተን ሃገራት ኣብ ዝተወሰነ እዋን፡ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሓ ኣለዎን ዝብል ውሳነ ኣሕሊፉ ከም ዝነበረ'ውን ኣዘኻኺሩ፤ እንተኾነ ልዝብ ክጅመር ዘይምኽኣሉ ይገልጽ።
እቲ ልዝብ ብሸምጋልነት ከካይድ ሓላፍነት ዝተውሃቦ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ፡ ሱዳን እቲ ሲቪላዊ መራሒ ናብ ንቡር ቦትኡ ክሳብ ዝምለስ ካብ ኣባልነት ኦሰሪዙዋ ስለዘሎ ነቲ ኩነታት ዝበኣሰ ሕልሕልኽ ኣቢለዎ ይርከብ።
ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ካቢነኡ እንትብትን ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ፡ ዋና ተዳራዳርቲ ሱዳን ዝኾኑ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻእን ሚኒስትር መስኖን ማይን ዝኾነ ምንቅስቓስ ከይገብሩ ኣጊዱ ይርከብ።
ስለዝኾነ ኣብ ሱዳን'ውን ተደራዳሪ ኣካል ኣብ ዘይተፈልጠሉ ኩነታት ብዛዕባ ድርድር ምዝራብ ዘጸግም እዩ ይብል ኣቶ ፈቕ ኣሕመድ።
"ናይ ፖሊሲ ለውጥታት'ውን ክህልዉ ይኽእሉ ፤ ሱዳን እንታይ ዓይነት ፖሊሲ ከምእትኽተል ዛጊድ ኣይተነጸረን። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝገብሮም ጻዕርታት'ውን ኣይትሳተፍን። ብምዃኑ'ውን ጉዳይ ህዳሰ ግድብ ንግዚኡ ተንጠልጢሉ ዝጸንሕ እዩ ዝመስለኒ" ኡሉ።
![ዕልዋ መንግሰቲ ዘካየደ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን [ጸጋማይ] ካብ ስልጣኑ ብዕልዋ ተኣልዩ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ [የማናይ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/FD3D/production/_121292846_48ed5fad-1ca0-4355-9982-5aa18b728065.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, AFP
ርክባት ግብጽን ወተሃደራዊ ኣካል ሱዳንን
ድሕሪ ኣልበሺር፡ እቶም ወተሃደራውን ሲቪላውን ምሕደራ ሓቢሮም ይገዝኡ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፤ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምስ ግብጺ እዩ ሓቢሩ ነይሩ ዝብል ቅዋም ኣለዎ።
ብምዃኑ'ውን እቲ ወተሃደራዊ ክፍሊ ኣብ ስልጣን ጸንሐ ኣይጸንሐ ብዙሕ ዝልወጥ ፖሊሲ ኣሎ ኢሉ ኣይኣምንን።
"እቲ ብሕታዊ ኣማራጺ ልዝብ እዩ። ንሶም'ውን እዚ ይፈልጡ እዮም" ኢሉ ፈቅ ኣሕመድ።
ኣቶ ፈቅ ኣሕመድ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ማለት'ውን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ባንኪ ዓለምን ኣመሪካን ዝኣመሰሉ ዝፈጥርዎ ዘለዎ ጸቅጢ ውጽኢት ከምጽእ እዩ ዝብል ተስፋ ኣለዎ።
ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒሰተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ገዝኡ ምምላሱ ናይዚ መርአያ ገይሩ ወሲድዎ።
እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጽልውኡ እንተበዚሑ፡ ነቲ ሲቪላዊ ምሕደራ ናብ ቦትኡ ክመልሶ ይኸውን'ዩ ወይ ድማ ቀልጢፉ መርጫ ብምክያድ ሲቪላዊ ምሕደራ ክምስርት ይኸውን ዝብል ግምት ኣለዎ።
ከምኡ እንተዘይኮይኑ ኸ?
"እዚ ዘይኸውን እንተኾይኑ ግና እተን ሃገራት ካልእ ኣማራጺ ክሪኣ ክግደዳ እየን" ኢሉ።
ከምኡ እንተዘይኮይኑ፡ እቶም ተደራደርቲ ሚኒስትራት ሱዳን ናብ ቦተኦም ምምላስን እቲ ልዝብ ከምዝቅጽል ምግባርን ከም ኣማራጺ ከምጽእ ይኽእል ይኸውን ይብል።
ወይ ድማ፡ ካልእ ግዝኣዊ ኣማሓዳሪ ብምሻም ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ልዝብ ክቕጽል ምግባር ከምዝከኣል የረድእ።
ኣብ ተሳጋሪ ሩባታት ካልእ ሳልሳይ ኣካል ምእታው ብዙሕ ዝምከር'ኳ እንተዘይኮነ፡ ከምኡ ምግባር'ውን ካልእ ኣማራጺ ክኸውን ይኸእል ይብል።
ግብጺ ክሳብ'ዚ እዋን ተግባራዊ ዘይገበረቶ፡ ቀጥታዊ ኲናት ጥራይ ከምዝኾነን ንሱ ንባዕሎም'ውን ከምዝጎድኦምን ኣቶ ፈቅ ኣሕመድ ይዛረብ።
ኣቡሓሽም ድማ፡ ነዚ ሓሳብ እዩ ዝድግፍ።
"ጉዳይ ኣባይ ብዝበለጸ ክፍታ ዝኽእል ብግብጽን ኢትዮጵያን እዩ" ድማ ኢሉ።
እንተኾነ፡ ግድብ ህዳሰ 80 ሚኢታዊ ክፋሉ ህንጸቱ ተዛዚሙ ስለዝርከብ፡ ግብጺ ነቲ ግድብ ምፍራስ'ውን ከም ኣማራጺ ከም ዘይሪእዎ እዩ ዝኣምን።
ኣቶ ፈቅ ኣሕመድ ከም ዝብሎ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ኣብ ልዝብ ዝጸንዐ ቅዋም ከምዘለዋን፡ እቲ ብሸምጋልነት ኣመሪካ ተጀሚሩ ዝነበረ መትከላት ገዲፍካ፡ ብሓድሽ መገዲ ክቕጽል ከምእትደሊ ገሊጹ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፣ ዶባዊ ዘይምርድዳእ ኣልፋሽቃ፤ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራን ግደ ሃገራት ዓረብን ነቲ ነቲ ዞባ ናብ ሕልኽልኽ ዝበለ ወጥሪ ከይመልሶ ስግኣት ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ውሽጣዊ ጉዳይ ገይሩ ክውደኦ'ኳ እንተደለየ፡ ቀልጢፉ መዕለቢ እንተዘይረኺቡ፡ ዞባዊ ናይ ምዃንን ካልኦት ሃገራት ናይ ምእታው ዕድል ከስፍሕ ከም ዝኽእል ኣቦሓሽም ኣረዲኡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







