ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዝፈሸለ ሰብመዚ ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሱዳን ነቲ ዝተፈተነ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ከምዘፍሸለት ብምግላጽ፡ "ኩሎም ኣብቲ ስጉምቲ ኢድ ዘለዎም" ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣፍሊጣ።
ኣፈኛ መንግስቲ ንማዕከናት ዜና'ታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ነቲ ዕልዋ ዝፈተኑ ምስቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል-በሽር ርክብ ከምዘለዎም ከሲሱ።
ሎሚ ንጉሆ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱምን ከባቢ ኦምዱርማንን ጽዑቕ ምንቅስቓስ ሰራዊት ከምዝነበረን፡ እቲ ንፈለግ ናይል ዘሳግር ቀንዲ ድልድል ከምዝተዓጽወን ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።
ናብ ከተማ ካርቱም ዘእቱ ቀንዲ ኣፍደገታትን መዓርፎ ነፈርትን ተዓጽዩ ከምዘሎን'ውን እቲ ጸብጻብ የረድእ።
ኣቐዲሙ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዝተኻየደን ንምቁጽጻሩ ስጉምታት ይውሰድ ከም ዘሎን መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ ነይሩ።
መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ "ፍሹል ፈተነ ዕልዋ ተፈጺሙ ኣሎ፤ ህዝቢ ክገጥሞ ይግባእ" ምባሉ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
እቲ ማዕከን ዜና ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ፍሹል ፈተነ ዕልዋ ከም ዝተኻየደ እኳ እንተገለጸ ካልእ ዝርዝራት ግን ኣይሓበረን።
ኣፈኛ መንግስቲ ሱዳን መሓመድ ኣል ፋኪ ሱሌማን ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ልዕሊ እቶም ጥርጡራት መርመራ ክጅመር ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ንዝርከብ መንግስታዊ መደበር ሬድዮ ኦምዱርማን ንምቁጽጻር ዝተኻየደ ፈተነታት ምንባሩ'ውን ገለ ምንጭታት ሓቢሮም።
ካብ ካርቱም ምዃኑ ዝገልጽ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮታት ወተሃደራት ዝጸዓና መካይን ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ይረኣያ።
ንሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ውጥናት ብምንባሩ እታ ከተማ ኣብ ዘይምርግጋእ እያ ጸኒሓ።
ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ሚያዝያ 2019 ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፡ ሱዳን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መሰጋገሪ መንግስቲ ዓብደላ ሓምዶክ ትርከብ።
ድሕሪ እቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓውሞታት ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ በሽር በቲ ኣብ 1989 ዝተኻየደ ዕልዋ ዝነበሮ ተራ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ይርከብ።
እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ብምኽንያት ወሰኽ ዋጋ ሕብስትን ነዳድን ዝተበገሰ ኮይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን በቀንዲ ዝተዋስኡሉ እዩ ነይሩ።
ሱዳን ኣብ ታሪኻ ካብተን ዝበዝሐ ዕልዋ ዝተኻየደለን ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃና ይፍለጥ። ኣብ ሱዳን ዝተፈተነ ወተሃደራዊ ዕልዋ ከምዝፈሸለ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







