ዳርፉር፡ ብኣሸሓት ኣመዛቢሉ ዘሎ ሓዲሽ ግጭት ሱዳን

ድሕሪ ክልተ ዓመት ሰውራ ሱዳን፡ ኣብ ዳርፉር ቀጻሊ መጥቃዕትታት ይካየድ ኣሎ። ብሰንኩ ከኣ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለው። እቲ ህዝቢ እቲ ቅድሚ ዓሚ እተኻየደ ህዝባዊ ሰውራ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ግጭት ደው ከብሎ ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ነይሩዎም። እንተኾነ ኩሉ ነገር ኣንጻር ትጽቢቶም ኮይኑ እቱ ደማዊ ግጭት ይቕጽል ኣሎ።
ጓል ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ኻሚሳ ጁማ ኢሳግ ኣባከር፡ ኣብ ዑና እቲ ሓደ እዋን ቤታ ዝነበረ ዅምራ ሓሙኽሽቲ ተኾርምያ ካብ ርእሳ ክሳብ ኣጻብዕታ ዝሽፍን ዕባያ ዓለባ ተኸዲና፡ ካብቲ ባርዕ ሓዊ ከይተቓጸለ ንዝተረፈ ጠራሙዝ ሽቶታታን ድራር ስድራ እትቕርበሉ ዝነበረት ሸሓንን ክትፈታትሽ ትረአ።
"ቤተይ ጀርዲንን ማዕጾን ነይርዎ። ኣብ ጽላል ቤተይ ከዕርፍን ንደቀይ ምግቢ ክኽሽነሎም እኽእል ነይረ "ትብል።
ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዘጋጠመ ብዙሓት ሰባት ዝቐተለን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ብዘይ መጽለሊ ዘትረፈን ግጭት ካብቲ ተዓቚባትሉ ዝነበረት ግዝያዊ መጽንሒ መዓስከር ስደተኛታት ሕጂ ንፈለማ ግዜኣ እያ ንቤታ ተመሊሳ።
"ንዅሉ ኣባይትና እዮም አሕሪሮምዎ። ናብ ጐደናታት ክንሃድም ምስ ፈተንና ንሓወይ ተኲሶም ኣውዲቖምዎ። ክትስእ ምስ ፈተነ እንደገና ኣዳጊሞምዎ። ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እዮም ቀቲሎምዎ። ብዙሕ እየ በኽየ፡ ኣዒንተይ ሕጂ ጥራይ እየን ቋሕ ዝብላ ዘለዋ" በለት።
ሕጂ ኣብ ኢል ጂኒና: ርእሲ ከተማ ምዕራብ ዳርፉር: ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኵነታት ንዝሓመሙ ወለዳን ደቃን ክትኣሊ ትቃለስ ኣላ።
"ገንዘብ የብልናን። ዓራት፡ ፍርናሽ፡ መተርኣስ፡ ወይ እውን ኮቦርታ የብልናን። ዝገብሮ ስለዝጠፍኣኒ ስቕ ኢለ ቀባሕባሕ እብል ኣለኹ። ዋላ ሓንቲ ክገብር ኣይክእልን እየ "ትብል።
እቲ ብመንግስቲ ንድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ክከላኸሉ እተመዘዙ ሓይልታት ፈጣን ድሕነት [RSF] ጕጅለ ኮማንዶ ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ኣለዎም ትብል ወይዘሮ ኣባከር።

ናብ ዓዳን ቤታን ክትምለስ ኣዝዩ እዩ ዘፍርሓ።
"ዓቃብ ሰላም ሓይልታት ዓለም እንተ መጺኦም ምተመለስና ግን ንሳቶም እውን የለውን" ትብል።
እቲ ግጭት ድሕሪ እቶም ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ዝነበሩ ዓቀብቲ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምኻዶም'ዩ ኣጋጢሙ። እቶም ሓይልታት ሰላም ኣብቲ መሬት ን13 ዓመታት እዮም ጸኒሖም። ብመሰረት እቲ ንምንካዮም ዝተበጽሐ ስምምዕ ግን ካብ ታሕሳስ ንነጀው በብቝሩብ ካብ ዳርፉን ክወጽኡ ጀሚሮም። ጠቕሊሎም ምስ ከዱ ከኣ እቲ ዘሰንብድ ግጭት እንደገና ከም ዝተላዕለ ክኢላታት ይዛረቡ ።
ኣስታት 20,000 ወተሃደራት ሱዳን ንቦትኦም ክትክእዎ ምዃኖም መብጽዓ ተኣትዩ እኳ እንተ ነበረ ክሳብ ሕጂ ግን ዝተከኦም የሎን።
ዳርፉር: ብኸመይ ኢና ኣብዚ በጺሕና?
ኵናት ዳርፉር ኣንጻር'ቲ ብዓረባዊ ዓሌት ዝተዓብለለ መንግስቲ ፕረዚደንት ዑመር ኣል-በሽር ነበር ኣብ 2003 ዝጀመረ ናይ ጸለምቲ ዓሌት ሱዳን ተቓውሞ እዩ።
ዑመር በሽር ነቶም ተቓውሞ ዘልዓሉ ጸለምቲ ሱዳናውያን ዝቃወሙ ብጃንጅዊድ ዝፍለጡ ምሊሻታት ዓረብ አዕጢቑ ኣሰሊፉዎም። ኣብቲ ግጭት ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ሞይቶም፡ ዓድታት ነዲዱን ተዘሪፉን ዓንዩ።
ድሕሪኡ በሺር ብገለ ካብ ጀነራላቱን ኣብ ጐደናታት ዘጋጠመ ህዝባዊ ተቓውሞን ኣብ 2019 ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ። ኣብዚ እዋን ብብልሽውና ተኸሲሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ። ብተወሳኺ፡ ብጃምላዊ ቅትለትን ገበናት ውግእን ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ክሰጋገር ኣብ መስርሕ ይርከብ። ንሱ ግን ነቲ ክሲ ከምዘይፈጸሞ እዩ ዝዛረብ።
ሓደ ዓመት ድሕሪ እቲ ህዝባዊ ሰውራ፡ እቲ ሓድሽ ወተሃደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ምስቶም ኣብ ከባቢ ዳርፉር ዘለው ተቓውቲ ጕጅለታት ናይ ሰላም ስምምዕ ብምፍራሙ ናይ ሰላም መዋእል መጺኡ ዝብል እምነት እኳ እንተነበሮም፡ እቲ ዓሪፉ ዝነበረ ግጭት ኣብ ታሕሳስ 2019 እንደገና ተባሪዑ ይርከብ።
በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ልዕሊ 150,000 ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

ኤል ጂኒና ክልተ ሳዕ ካብ ቤቶም ብእተመዛበሉ ሰባት አዕለቕሊቓ ኣላ። ኣብ ኣስታት 80 ዝኸውን መንግስቲ ዝቆጻጸሮ መዕቆብ ተመዛበልቲ እንተ ወሓደ 50,000 ሰላማውያን ሰባት ብፕላስቲክ ኣጭርቕትን ኣብ እተሰርሐ ግዝያዊ ኣባይቲ ተዓቚቦም ኣለው።
ተመዛበልቲ ካብ ፈቐዶ ቁሸታት ናብተን ግዝያዊ ከተማታት ክእትው እንከለው እቲ ግጭት እውን ምሰኦም ይኣቱ ኣሎ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መንጎ ሓደ ካብ ዓበይቲ ማሕበረሰባት ዳርፉር ማሳሊትን ዓሌት ኣዕራብን ዝተላዕለ ግጭት ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ነይሩ።
ካሚስ መሓመድ ኢሻግ ዑስማን - ካብቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኢል ጂኒና ዘጋጠመ ግጭት ክሃድም ክብል እዩ ብጥይት ተሃሪሙ።
ብጓሂ ተዋሒጡ ናብታ ብጸጋማይ መንኵቡ በሲዓ ዝወጽአት ናይ ጥይት ቁስሊ እናመልከተ፦
"እቲ መጥቃዕቲ ከቢድ እዩ ነይሩ። ኣነን ኣደይን ቈልዑና ሒዝና ሃዲምና። ቖልዓ ሓቚፈ እናሃደምኩ፡ ተኲሶም መንኩበይ ብጥይት ሃሪሞሙኒ።" ይብል።
ኣብ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሓደ ግዝያዊ መዓስከር እኳ እንተ ተዓቝበ፡ ኣብኡ ክነብር ግን ኣይከኣለን።
"ንደቀይ መሰረታዊ ነገራት የድልዮም እዩ። ነዛ ነብስኻ ንክትሕጸብ ንኽልተ ወይ ሰለስተ ሰዓታት ብእግርኻ ተጓዒዝካ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ኣብ ዘለውዎ ቦታ ሪጋ ትስራዕ። እቶም ቈልዑ ነብሶም ክሕጸቡን ክነጻጽሁን ኣይክእሉን እዮም።" ይብል።
ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ፡ መንግስቲ ሱዳን ጸጥታ ንምርግጋጽን ሰባት ናብ ሰፈራታት ንክምለሱ ንምትብባዕን፡ ኣብ ገሊኡ ከባቢታት መፈተሺ ነቑጣታት ኣቚሞም።
ኣቶ ዑስማን ናብቲ ብሰንኪ ግጭት ዝባደመ መሬት ኢል ጀበል ካብ ዝምለስ ሓደ ወርሒ ገይሩ ኣሎ።

ንሱን ስድራ ቤቱን ከኣ ነታ ዝዓነወት ቤቶም ኣብ ምህናጽ ተጸሚዶም ኣለው። እታ ኣብ ሓደ እዋን ንዕኡን ስድራቤቱን ካብ ጸሓይ ተጽልሎም ዝነበረት መሰረት ቤቶም ዝኾነት ዓባይ ገረብ ተቘሪጻ ጸኒሓቶም።
ብዙሓት ምስ ቢቢሲ ዝተዛረቡ ሰባት ቅሳነት ኣይስምዖምን እዩ። ንሳቶም ከምዝብልዎ፡ እቲ መንግስትን እንተላይ እቲ ካብ ጃንጃዊድ ዝተፈጥረ ፈጣን ሓለዋ ድሕነት ዝተባህለ ሓይሊ RSF ኣይእመንን እዩ።
ኣብ መጀመርታ ሓምለ፡ ካብ ኢል-ጀነይና ንሸነኽ ምብራቕ 60 ኪ.ሜ. ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ፡ 20 ሰባት ኣብ ሓድሕዶም ብዝተላዕለ ግጭት ተቐቲሎም።
ኣባላት ፈጣን ሓለዋ ድሕነት RSF ናብ ሰራዊት መንግስቲ ምስ ዝጽንበሩ ጥራሕ እዮም ከም ኣባላት ሓለዋ ሰላም ክረኣዩ ዝኽእሉ። እንተኾነ እቲ ሕጂ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ዘሎ ኣዛዚ ሰራዊት RSF ነበር መሓመድ ሓምዳን "ሓሜቲ" ዳጎሎ እቲ ሓይሊ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ክጽንበር ኣይደለየን።
ግጭት ዳርፉር ንከይዓርፍ ካብ ዘደናጕዮን ዝዕንቅፎን ሐደ ከኣ እቲ ሓይሊ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ዘይምጽንባሩ እዩ ኢሎም ይኣምኑ ኪኢላታት እቲ ጉዳይ።
ኣብ ባይታ ዝሰርሑ ገበርቲ ሰናይ ትካላት እውን መንግስቲ ድሕንነት ንምርግጋጽ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ከምዘለዎ ይምሕጸኑ።
ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ነበርቲ እቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ምግቢ ዝዕድልን ዘከፋፍልን ዘሎ ሰራሕተኛ ው.ሕ.ሃ. ፕሮግራም መግቢ ኤልዮት ቩሩሙኩ፡ ነፍሲ ወከፍ መጥቃዕቲ፡ ንዝርግሐ ውሕስነት ምግቢ ከም ዝዕንቅጽ ይገልጽ።
"ኵሉ ስርሓትና [ኣብ እዋን ግጭት] ብቐሊሉ እዩ ዝጽሎ። ብልምዲ ንኽልተ ሰሙን ወይ ካብኡ ንላዕሊ ካብ መኽዘናትና ናብቲ ኣብ ኤል ጂኒናን ካብኡ ወጻኢ ዘሎ ህዝብን ከነንቀሳቕስ ኣይንኽእል ኢና ።" ይብል።
እቲ ኣብ መስርሕ ሰላም ዝረአ ዘሎ ዘየሐጉስ ምልክታት ነቲ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ኣንጸላልዩ ዘሎ መጥቃዕቲ ከጋድዶ ይኽእል እዩ።
ስለዚ ከኣ እዩ ሚስ ኣባከር ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘይብሉ ።
"ኣብዚ ሓጺር እዋን እቲ ግጭት ኣይኪውዳእን እዩ። ብተደጋጋሚ ከጋጥም ይኽእል እዩ" ከኣ ይብል።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







