ሱዳን፡ ኣብ ዳርፉር ብሰንኪ ዓሌታዊ ጎንጺ ዝመቱ ሰባት 80 በጺሖም

ዳርፉር

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ሱዳን ኣብ ዞባ ምዕራብ ዳርፉር፡ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ዝተፈጥረ ጎንጺ 80 ሰባት ከምዝሞቱ መዕከን ዜና ሱዳን ሱና ንማሕበር ዶኳትር ጠቒሱ ጸብጺቡ።

እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ዞባ ዝኾነት፡ ኢል ጀነይና ዝተወለዐ ጎንጺ፡ ኣብ ዝነበረ ዕግርግር ሓደ ዓረብ ተወጊኡ ምሟቱ ስዒቡ ዝመጽአ እዩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ኣብታ ክልል ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተነቢሩ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒሰተር ዓብደላ ሃምዶክ ድማ፡ ነቲ ተጓንፎ ዘጻሪ ሓደ መርማሪ ጉጅለ ናብቲ ከባቢ ሰዲዱ ኣሎ።

ኣብ ዳርፉር ኣብ 2003 ዓ.ም ዝተጀመረ ጎንጺ ንምፍታሕ ስምምዕ'ኳ እንተተገብረ፡ ሚልዮናት ንክስደዱ ምኽንያት ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።

ወኪል ቢቢሲ ዮሴፍ ጣሃ ከምዝጸብጸቦ፡ እዚ ዘጓንፍ ዘሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ንኣስታት 13 ዓመታት ኣብ ዝጸንሐ ዓቃቢ ሰላም ድሕሪ ምውጽኡ ፡ 3 ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብቲ ከባቢ ዓረብ ሰበኽ ሳግም ምስ ዓሌት ዓረብ ዘይኮኑ ተመሳሳሊ ጎንጺ ኣጋጢሙ ነይሩ እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዘጓነፈ ጎንጺ፡ ኣብ መንጎ ኣብ መዓስክር ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዝነበረ እንትኸውን፡ ኣብኡ ድማ ኣስታት 100 ሰባት ቆሺሎም ነይሮም።

ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ከምዝበሎ፡ እቲ ባእሲ ኣብ መንጎ ክልተ ስብኡት ዝተጀመረ ኾይኑ፡ ቀስ ብቐስ ዕጡቓት ተሓዊሶምዎ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ንኣብዝሓ ተጻባእቲ ጉጅለታት ዘካተተ ናይ ሰላም ስምምዕ ውን ተፈሪሙ ነይሩ።

ጎንጺ ዳርፉር፡ ኣብ እዋን ስልጣን ፕረዚደንት ኦማር ኣልበሺር ዝተጀመረ ኾይኑ፡ ንሱ፡ ኣብ 2019 ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣልየ ዝፍለጥ እዩ።

ብሰንኪ እቲ ጎንጺ ድማ፡ 'ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበናት ኲናት' [ኣይሲሲ] ነቲ ፕረዚደንት ነበር ብሰንኪ ዝተፈጸመ ገበን ዓሌት ምጽናት ናብ ሕጊ ከቕርቦ ይደሊ እዩ።

ኣብ ኣንጻር'ቲ ፕረዚደንት ነበር ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞ 'ፍትሒ ንግዳያት ዳርፉር' ዝብል ይርከቦ ነይሩ።

ኣብቲ ምንቅስቓስ ኣብ ቅድሚት ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረማሕበር ሰብሞያተኛታት ሱዳን ድማ፡ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ፋሉል ዝንቀሳቐሱ ኣለዉ ዝበሎም ዕጡቓት ስጉምቲ ክወስድ ከተሓሳስብ ከምዝጸንሐ ሱና ሓቢሩ።