ሱዳን ኣብ መስርሕ ልዝብ ግድብ ሕዳሰ ኣይተሰማመዐትን

ምንጪ ስእሊ, Grand Ethiopian Renaissance Dam
ብቐዳመ ሰናብቲ ኣብ ዝነበረ ስሉሳዊ ዘተ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን፡ ኣብ ዙርያ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ዝካየድ ልዝብ ቐጻልነት ንክህልዎ ዝቐረበ ሓሳብ ሱዳን ነጺጋቶ።
እቲ ልዝብ ንክቕጽል ንምሕጋዝ ምስ ሰብ ሞያ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣኼባ ምስተኻየደ ንኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ እቲ ሕብረት ክቐርብ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኢትዮጵያን ግብጽን ክሰማምዓ እንከለዋ፡ ሱዳን ግን ከም ዘይተቐበለቶ ንኣኼባ ሚኒስትራት ሰለስቲአን ሃገራት ጠሚቱ ዝወጽአ መግለጺ የረድእ።
ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ እታ ሃገር ምስ ሱዳን ኣብ ዘዋስና ምዕራባዊ ክፋል ትሃንጾ ዘላ ኮይኑ፡ ህንጸት እቲ ግድብ 78 ሚኢታዊት ከም ዝበጽሐ ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ድማ ቐዳማይ ዙርያ ምምላእ ማይ ከም ዝተጀመረ ይዝከር።
ቅድም ኢሉ ብሸምጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ይካየድ ዝነበረ ድርድር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ፡ ብሰንበት ሚኒስትራት ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ብኢንተርነት ዘካይዱዎ ዝነበረ ዘተ ብዘይስምምዕ ተወዲዱ'ዩ።
እዚ ኣኼባ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምውካል ሚኒስትር ምትሕብባርን ዓለምለኻዊ ርክባትን ከምኡ'ውን ኣካቢት ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪቃን ናሌዲ ፓንዶር እናተመርሐ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ኮይኑ፡ እቲ ኣኼባ ብዘይስምምዕ ብምውድኡ ከም ዝሓዘነት ብምግላጽ እቲ ጉዳይ ናብ ፕሬዝደንት ስሪል ራማፎሶ ከም ዝመርሐቶ ማዕኸን ዜና ሱዳን ጸብጺቡ።
ሱዳን ብወገና፡ ስምምዕ ግድብ ህዳሰ መዕለቢ ከይረኸበ እንከሎ፡ ኻልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ዝካየድ እንተኾይኑ ኣብ ግድብ ሮዚየር ሓደጋ ከስዕብ'ዩ ብምባል ተቓዊማቶ ኣላ።
ግድብ ሮዚየር ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕሙ ካብ ግድብ ህዳሰ ብ10 ሚኢታዊት ዝተሓተ'ዩ ተባሂሉ ኣሎ።
ማዕኸን ዜና ሱዳን ንሚኒስትር ሃብቲ ማይን መስኖን ሱዳን ፕሮፌሰር ያሲር ኣባስ ጸሪሑ ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣደራደርቲ ግድብ ህዳሰ እቲ ዘሎ ኣፈላላይ ንክጸብብ ዝህልዎም ግደ ዝዓበየ ክኸውን ድልየት ሱዳን ከም ዝኾነ ገሊጹ።
ግብጺ፡ ብተደጋጋሚ መስርሕ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ መጠን ማይ ሩባ ኣባይ ክንክዮ'ዩ ዝብል ቅርታ ክተቕርብ ጸኒሓ'ያ።
ዝሓለፈ ሰሙን ንክካየድ ስምምዕ ተገይርሉ ዝነበረ ስሉሳዊ ኣኼባ ሱዳን ብዘይምርካባ ከይተኻየደ ተሪፉ'ዩ።
ኣብቲ ግዜ ሱዳን፡ እቲ ኣኼባ ምስ ሰብ ሞያ ሕብረት ኣፍሪቃ ጥራሕ ክካየድ ኣለዎ ዝብል ቅዋም ሒዛ ምንባራ ይዝከር።
እንተኾነ ኣብዚ ናይ ሕጂ ኣኼባ እተን ሃገራት ምስ ሰብ ሞያ ሕብረት ኣፍሪቃ ይተኣከባ ዝብል ሓሳብ ክቐርብ እንከሎ፡ ሱዳን ተወሳኺ መምርሒ ሓላፍነት እቶም ሰብ ሞያ (ቢጋር) እንተዘይተዳልዩ ክካየድ ኣይኽእልን ዝብል መርገጺ ከም ዝሓዘት ተሓቢሩ።
ኢትዮጵያ ሕቶታት ሱዳን ንምምላስ ኣብ ዙርያ ጉዳያት ድሕነት እቲ ግድብ፣ ናይ መረዳእታ ምልውዋጥን ካልኦት ቴክኒካዊ ጉዳያትን መፍትሒ ንምሃብ ድልውነት ከም ዘለዋ ትገልጽ።
ኣብ ዙርያ ግደብ ህዳሰ ዝካየድ ስሉሳዊ ኣኼባታት ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝቐጸለ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሸምጋልነት ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግተን ይካየድ ብዝነበረ ድርድር ክኽምበት'ዩ ዝብል ትጽቢት ነይሩ።
እንተኮነ፤ ኢትዮጵያ በቲ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝቀረበ እማመ ስለዘይተስማመዐት፤ እቲ ዝርርብ ብሕብረት ኣፍሪቃ ሸምጋልነት ክቅጽል ከምዝተወሰነ ዝዝከር እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







