ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ተካይድ ዘላ ፍልይቲ ወኪል ሕብረት ኣውሮጳ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ተራኺባ

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃእን ደመቀ መኮነን (የማን) ምስ ፍልይቲ ተወካሊት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣኔት ዌበር

ምንጪ ስእሊ, THE MINISTRY OF FOREIGN AFFAIRS OF ETHIOPIA

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፡ ምስ ሱዳን ዘሎ ምውጣጥ ዶብ ብዝዛመድ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ‘ነገር ብምፅሕታር’ ንሱዳን ክኹንን ፀዊዑ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃእን ደመቀ መኮነን፡ እቲ ምውጣጥ ዶብ ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታሕ፡ ሱዳን ቅድሚ ኩናት ትግራይ ናብ ዝነበረ ቦትኣ ክትምለስ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ንክፅውዕ እውን ሓቲቱ።

እቲ ሚኒስትር ነዚ ዝበለ፡ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ፍልይቲ ተወካሊት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ዝኾነት ኣኔት ዌበር ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ምዃኑ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ገሊፁ።

ክልቲኦም ሰብመዚ፡ ኣብ ጉዳይ ጎንፂ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣመልኪቶም ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፡ ኣይተ ደመቀ መኮነን ሱዳን ናይ ግዝኣት ይግበአኒ ሕቶኣ፡ ብሓይሊ ንምፍታሕ ፈቲና ኢሉ።

እዚ ድማ ዓለምለኻዊ ሕግን መምርሕታት ሕቡራት መንግስታትን ዝጠሓሰ ከምዝኾነ፡ ነታ ፍልይቲ ልእኽቲ ተዛሪቡ።

ሰብመዚ ሱዳን፡ ሰራዊቶም፡ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓረስቶት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ብዙሓት ከባብታት ከምዝተቖፀፀረ ዝገለፁ እንትኾኑ፡ ኢትዮጵያ ድማ ብሰንኪ እዚ ብዙሓት ሰባት ከምዝተመዛበሉን ንብረት ከምዝዓነወን ምግላፃ ይዝከር።

ኢትዮጵያ፡ ንኲናት ትግራይ ስዒቡ ሱዳን “ዝወረረቶ መሬት” ትልቀቕ እሞ ናብ ልዝብ ንእቶ እንክትብል፡ ሱዳን ብወገና፡ ሰራዊታ ግዝኣተይ እዩ ካብ ሞንጎ ዝብሎም ቦታታት እቶም ዝበዝሑ ምቁፅፃሩን፡ እዚ ከኣ ዘይዕፀፍ ስጉምቲ ምዃኑ ትገልፅ።

እታ ልእኽቲ ካብ ጉዳይ ውጥጥ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ፣ ምምላስ ግድብ ህዳሰን ስሉሳዊ ልዝብን ከምኡ’ውን በይንኣዊ ተኹሲ ደው ምባልን ዝምልከቱ ጉዳያት ምዝታያ፡ ካብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ በይንኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ብዝምልከት መርገጺ መንግስቱ ዘረደአ ኣይተ ደመቀ መኮነን፡ መንግስቲ ንዝሐሸ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ምስ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብቕርበት ንምስራሕን ትግራይ መሊስካ ንምጥያሽን እዩ ኢሉ።

እቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፡ “ህወሓት ንሕብረተሰብ ከም ሰብኣዊ መከላኸሊ ብምጥቃም፣ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብምፍፃም፣ ንሰብኣዊ ሓገዝ ብምስንኻልን ህፃናት ብወተሃደርነት ብምምልማልን ነቲ ተኹሲ ደው ምባል ጥሒሱ” ኢሉ።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ግና፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተጓናጸፍዎ ዓወት: እቲ ሰራዊት ተደፊኡ ከምዝወፅአን እዮም ዝገልፁ።

ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ኣብ ዝቆፃፀርሉን ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ካብ መቐለ ኣብ ዝወፅሉን፡ መንግስቲ ፌደራል በይንኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ኣዊጁ ኔሩ።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብወገኖም፡ ተኹሲ ደው ንምባል በዓል ሸውዓተ ነጥቢ ቅድመ ኩነት ከምዘቐመጡ ይፍለጥ።

ካብቶም ቅድመ ኩነታት ሓደ፡ ወተሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ቅድሚ ምጅማር እቲ ኲናት ናብ ዝነበርዎ ክምለሱን፡ ካብ ግዝኣት ትግራይ ጠቕሊሎም ክወፅኡን ዝብል ኣብ ቅድሚት ይርከብ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሐ ግፍዒ ብዘይሻራዊ ኣካል: ክፃረን ክምርመርን ኣብ ትግራይ መብራህቲ፣ መንገዲ፣ ስልክን ባንክን ሓዊሱ ተቛሪፁ ዘሎ መሰረታዊ ኣገልግሎት ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ንቡር ክምለስን ዓለምለኻዊ በረራታት መንገዲ ኣየር ብቐጥታ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ እቲ ክልል ክሰርሑ ከፍቅድ ኣብቲ ቅድመ ኩነት ሓቲቶም እዮም።

ብኻልእ ወገን ኣብዚ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓዊሱ፡ ላዕለዎት ኣመራርሓ እታ ሃገር፡ “ህወሓት ህፃናት ብመዐወኒ ዕፅ እናዕበደ ንወተሃደርነት ይምልምል’ሎ” ኢሎም ምኽሳሶም ይዝከር።

እንተኾነ፡ ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብዚ ጉዳይ ዓለምለኸ ረቛሕታት ካብ ዝእዝዞ ወፃኢ ትሕቲ ዕድመ ህፃናት ከምዘየሳተፈ ምላሽ ሂቡ እዩ። ኒውዮርክ ታይምስ “ ሓየልታት ትግራይ ንሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ዘውፅእሉ መገዲ” ኢሉ ኣብ ዝሰርሖ ፀብፃብ ዝተኻተቱ ስእልታት ድማ፡ ንሓይልታት ትግራይ ክቕበሉ ዝወፁን ኩናት ኣብ ዘይብሉ ኩነታትን እዩ” ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣይተ ደመቀ መኮነን፡ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪቡ ዘፅደቖ ውሳነ’ውን፡ ግዚኡ ዘይሓለወን ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎን እዩ ኢሉ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰልን ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራትን ብሓባር ንዝገብርዎ ምርመራ ኣብ ግምት ዘየእተወ’ዩ ክብል፡ ወቒሱ።

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ምስ ኩናት ትግራይ ብዝዛመድ ዝፍፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሻቕሎን፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብህፁፅ ክወፅእን ብምሕታት ዘቕረቦ እማመ፡ ተቐባልነት ምርካቡ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ፍልይቲ ተወካሊት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ዝኾነት ኣኔት ዌበር ብወገና፡ ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝግበር ምርመራ ክቃላጠፍ ሓቲታ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ትግራይ ክፍጠር ዝኽእል ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ንሕብረት ኣውሮጳ ከምዘሻቐሎን ገሊፃ።

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኢትዮጵያ ንምርግጋዕ እቲ ዞባ ግደ ከምዘለዋ ክርዳእን፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዘየድልይ ፀቕጢ ካብ ምግባር ብእወንታዊ መልክዑ ክንቀሳቐስን ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮነን ሓቲቱ።