ኲናት ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ንፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ፐካ ሃቪስቶ ከም 'እሙን ሞንጎኛ' ከምዘይትቕበሎ ገሊጻ

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ፐካ ሃቪስቶ

ምንጪ ስእሊ, European Parliament

መግለጺ ስእሊ, ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ፐካ ሃቪስቶ

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ንባይቶ ኣውሮጳ ዝሃቦ መግለጺ ከምዘይትቕበሎ ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፊንላንድ ዝኾነ ፐካ ሃቪስቶ፡ ብዛዕባ ግጭት ትግራይ ኣመልኪቱ ንባይቶ ኣውሮጳ ዝሃቦ መብርሂ "ዘይሓላፍነታውን ዘይዲፕሎማስያውን" እዩ ክብል ነቒፉ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ብ15 ሰነ ካብ ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ገለ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ "'ተጋሩ ን100 ዓመታት ከነጥፍኦም ኢና'" ከምዝበልዎ ተዛሪቡ።

"ኣብ ወርሒ ለካቲት ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተራኸብኩሉ፡ ከምዚ ዓይነት ቋንቋ ተጠቒሞም . . .ንተጋሩ ንሚእቲ ዓመት ከጥፍእዎም ምዃኖም . . .እዚ ንዓይ ከቢድ ግፍዕታት ሰባዊ መሰላት ገበናትን'ዩ። ንውሑዳን ናይታ ሃገር ኣጥፊእካ፡ ህዝቢ ምሉእ ከተብርስ ኣይትኽልን ኢኻ። እዚ ንዓና ምጽናት ብሄር'ዩ ዝመስል" ኢሉ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ኣገላልጻ ናይቲ ፍሉይ ልኡኽ "ፍጹም ዝተሰንዐ፡ ዘይሓላፍነታዊ፡ ዘቖጥዕን ዘይዲፕሎማስያውን'ዩ" ብምባል ተቓውምኡ ገሊጹ'ሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮንን

ምንጪ ስእሊ, MoFA-ETHIOPIA

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መንነን

"መግዛእታዊ ቃናን ልዕልናን ዘለዎ ምዃኑ ቅሉዕ ኮይኑ'ሎ። ነዚ ድማ ህዝቢን መንግስትን ኢትዮጵያ ፈጺሞም ኣይክቕበልዎን'ዮም" ዝበለ እቲ ሚኒስትሪ፡ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሃቪስቶ፡ ከም እሙን መንጎኛ ክቕበሎ" ከምዝጽገም ኣፍሊጡ።

እቲ ወኪል ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ፡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ተኻይዱ: መንግስቲ ኢትዮጵያ "ምስ ተቓወምቲ ትግራይ" ንክዘራረብ ክጽውዕ ከምዝጸንሐ ምዝራቡ'ውን ንኢትዮጵያ ኣቖጢዕዋ'ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ "ዋህዮ" ክብል ዝገለጾ ህወሓት "ኣብ ትግራይ ዘሎ ተቓዋሚ [ሰልፊ] ዘይኮነ፡ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብሕገመንግስታዊ መስርሕ ኣሸባሪ ተባሂሉ ዝተኣወጀ እዩ" ብምባል ምስኡ ክዘራረብ ድልው ከምዘይኮነ ገሊጹ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልያን: ካብ ኢጋድ ወጻኢ ተፈጢሩ ዘሎ "ስሉስ ኩርናዕ" ክብል ዝገለጾ ዞባዊ ሽርክነት "ንካልኦት ሃገራት ናይቲ ዞባ ባህ ዘየበለ'ዩ" ክብል'ውን ፍሉይ ልኡኽ ሃቪስቶ ተዛሪቡ።

ምስ ኣማኸርቲ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሰሙናዊ ርክባት ከካይድ ከምዝጸንሐ ዝገለጸ ፊንላንዳዊ ሃቪስቶ፡ እታ ሃገር ካብ ተነጽሎ ትወጸሉ ኩነታት ንምፍጣር ክሰርሕ ከምዝጸንሐን፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእን በቲ ኣብ ትግራይ ፈጺምዎ ዝበሎ ግፍዕታት ክሕተትን ፖለቲካዊ ጸቕጢ ከምዘሐይሉ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ዝቐርብ ክስታት ክትነጽጎ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ዓጸቦ፣ ሰፊሕ ምፍንቓልን ስደት ልዕሊ 60,000 ሰባትን ከምዘስዓበ ይፍለጥ።

ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ውግኣት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ልዕሊ 5 ሚልዮን ህዝቢ እቲ ክልል'ውን ተጸባዪ ረዲኤት ከምዝኾነ ጸብጻባት ትካላት ረዲኤት የመልክቱ።