ቅልውላዉ ትግራይ፡ ኣብ መቐለ ምብጻሕ ዘካየደ ጉጅለ ኣምባሳደራት ሕብረት ኣውሮጳ ግጭት ደው ክብል ጸዊዑ

ኣብ መቐለ ምብጻሕ ዘካየዱ፡ ኣምባሳደራት ሕብረት ኣውሮጳ

ምንጪ ስእሊ, EU in Ethiopia/Twitter

መግለጺ ስእሊ, እቶም ኣምባሳደራት ምስ ሰብመዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝተራኸቡ ገሊጾም

ኣብ መቐለ ምብጻሕ ዘካየዱ፡ ኣምባሳደራት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብቲ ክልል ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኲናት ደው ክብል ጸዊዖም።

ኤምባሲ ናይቲ ሕብረት ሎሚ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ደው ክብልን፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ክልል ክወጽእን ጸዊዑ።

መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዛዕባ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዛጊት ብወግዒ ኣይተኣመኑን። ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተመዘዙ፡ ሰበስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግን፡ ብዓይኖም ወታሃደራት ኤርትራ ከምዝራኣዩ'ዮም ዝገልጹ።

ኣካል ናይቲ ናብ ትግራይ ዝበጽሐ ጉጅለ ሕብረት ኣውሮጳ ዝኾኑ ኣምባሳደራት ጀርመንን ስዊድንን በብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ተመሳሳሊ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

እቶም ምስ ሰብመዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝተራኸቡ ጉጅለ ዲፕሎማሰኛታት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ትግራይ ክበጽሕ ክተሓባበሩ ምዃኖም'ውን ኣፍሊጦም።

"ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብ10 መጋቢት ኣብ መቐለ ንልኡኻት ሕብረት ኣውሮጳ ግሁድ መብሪሂ ምሃቡ ነመስግን። ጠለባት ገዚፍ'ዩ፡ ቀዳምነታት ሕብረት ኣውሮጳ ድማ ንጹር'ዩ" ይብል እቲ መግለጺ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ጊታ ፓሲ ብረቡዕ ናብቲ ክልል ምብጻሕ ከምዘካየደት ኤምባሲ'ታ ሃገር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ ነይሩ።

ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ንባይቶ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ትግራይ 'ምጽናት ዓሌት' ከምዝተፈጸመ ምዝራቡ ይዝከር።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን'ውን በቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ "ኣዝዩ ተሻቒሉ" ከምዘሎ፡ ውሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ (ዋይት ሃውስ)፡ ጄን ሳኪ ትማሊ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ተዛሪባ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብሰሉስ ንቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ እቶም ክስታት "መሰረት ዘይብሎም'ዮም" ብምባል ነጺግዎም።

ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ። ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ካብ መንበሪኦም ክፈናቐሉ ተገዲዶም ኣለዉ።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ሓያሎ ትካላት ሰባዊ መሰላት፡ ኣብቲ ኲናት፡ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ጭውያን ዝምታን ዝርከብዎም ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ብኹሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ከምዝተፈጸሙ ይኸሱ።

እቲ ተፈጺሙ ዝብሃል ገበናትን ግፍዕታትን ብናጻ ኣካል ክጻረ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምጽዋዓ ይዝከር።

ብ3 ሕዳር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰሜን እዝ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝዓበየ ክፋል ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብ4 ሕዳር "ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።

ህወሓት ድማ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ 'ቀዲሞም ንምክልኻል' ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።