ኲናት ትግራይ፡ መንግስቲ ረድኤት ካብ ምቕራብ ወፃኢ ኣብ ካልኦት ተግባራት ንዝተዋፈሩ ትካላት ወፃኢ ንምስጓግ ከምዝግደድ ገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ገለ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዘለዎ ዝምድና ዳግም ንምፅናዕን ገሊኦም'ውን ካብ ሃገር ንምስጓግ ከም ዝግደድን ገሊፁ።
ሚኒስተር ዲኤታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ረድኤት ንምብፃሕ ተኹሲ ደው ክብል ድልየት ከርእያ'ኳ እንተፀንሓ እቲ መንግስቲ ዝኣወጆ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ክንድቲ ዝድለ ኣይንኣድኦን ኢሉ።
ካልእ ብሽም ዘይጠቐሶ ኣካል ነዚ ውሳነ ዘተኣጓጉል ምንቅስቓስ ክፍፅም እንከሎ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ክኹንኖን ጠጠው ከብሎን ዘርኣዮ ተበግሶ ውሑድ ኮይኑ እናሃለወ፡ ሕዚ'ውን ንመንግስቲ ይኸሱ ኣለው ክብል ነቒፉ።
"መንግስቲ ተኹሲ ጠጠው ብምባል ካብቲ ከባቢ ዝወፅአሉ ምኽንያት ነቲ ህዝቢ ዕረፍቲ፡ ንሰላም ድማ ዕድል ንምሃብ እምበር እቲ ጎንፂ ዝካየደሉ ቦታ ንምቕያር ኣይኮነን። ይኹን'ምበር ንውሳነ ተኹሲ ደው ምባል፣ ረድኤት ንምብፃሕ ዘኽእል መደላድል ናይ ምፍጣር ዑደት ስለ ዝጎድእ ድሕሪኡ ዝቕፅል ዘሎ ነገር ጠጠው ክብል ኣለዎ ዝብል ኣካል ብዙሕ ስለ ዘይኮነ፡ መንግስቲ እማን እቲ ጎንፂ ደው ክብል ይድለ ድዩ ዝብል ሕቶ ከልዕል ኣገዲዱዎ ኣሎ" ዝበለ ኣምባሳደር ሬድዋን "ብፍላይ ሰብኣዊ ረድኤት ከነቕርብን ከነተሓባብርን ዝብሉ ገለ ኣካላት ከልዕሉዎም ዝፀንሑ ሕቶታት ተመሊሶም እናሃለው ሕዚ'ውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዘቕርቡዎ ክሲ ተጠናኺሩ ቐፂሉ'ሎ" ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ውሳነ እቲ በይንኣዊ ተኹሲ ደው ምባል፡ "ተወሳኺ ህልቂት ንምትራፍ ዝዓለመን፡ ብቁጠባውን ፖለቲካውን ምኽንያት" ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ገሊፁ እዩ።
ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብወገኖም፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ዓወት ከከምዝሓፈሱ ብምግላፅ፡ ናይ መንግስቲ ፌደራል ተኹሲ ደው ምባል ንምቕባል፡ በዓል ሸውዓተ ነጥቢ ቅድመ ኩነት ከምዘቐመጡ ይፍለጥ።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ኮሚሽነር ጉዳያት ቅልውላው ሕብረት ኣውሮጳ ጃኔዝ ሌናርቺክ፡ ንባይቶ እቲ ሕብረት ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ ኢትዮጵያ ዝኣወጀቶ "ተኹሲ ደው ምባል ዘይኮነ ክባ'ዩ፤ ጥምየት'ውን ከም መሳርሒ ኲናት ይውዕል ኣሎ" ኢሉ ነይሩ።
ሓላፊ ርክባት ወፃእን ጉዳይ ድሕነትን ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል'ውን፡ መንግስቲ ፌደራል እቲ ኣብ ትግራይ ዝኣወጆ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ኣብ ባይታ ግብራዊ ክኸውን ድልየት ከም ዘለዎም ብምግላፅ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እገዳ ክግበር ሓቲቱ እዩ።
መንግስቲ አትዮጵያ እዚ ክሲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘየገናዘበ ብምባል ነፂጉዎ። ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን'ውን ገለ ሰብ መዚ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ገለ ሰብ መዚ ምዕራባዊ ዓለምን ጉዳይ ትግራይ ናይ ውልቆም ክሳብ ዝመስል መርገፂ ብምሓዝ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር እገዳ ንክግበር ፃዕሪ ይገብሩ ኣለው ክብል ነቒፉ።
ገለ ሰብኣዊ ሓገዝ ነብፅሕ ዝብሉ ትካላት'ውን እቲ ኲናት ክቕፅል ይገብሩ ብምህላዎም፡ እዚ ኢትዮጵያ ምስተን ሃገራት ኮነ ትካላት ዘለዋ ርክብ ከምዝፀልዎ ገሊፁ።
"እቲ ጉዳይ በዚ ዝቕፅል እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነት ስለ ዘለዎ ምስ ገሊኦም ሓቢርካ ምስራሕ ዳግም ክርእዮን፡ ገሊኦም ካብ ሃገር ንምውፃእ ዝግደደሉ ምቹው ኩነታት ይፍጠር ስለ ዘሎ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮነ ካልእ ንኢትዮጵያ ክሕግዝ'የ ዝብል ኣካል፡ ኣብ ረድኤትን ሰብኣውነትን ተሓፂሩ ክንቀሳቐስ ከም ዝግባእ ነተሓሳስብ" ኢሉ፡ እቲ ሚኒስትር ዲኤታ።
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብዚ ቕነ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ህዝቢ ህፁፅ ሓገዝ ኣብ ዘድልዮ ክልል፡ ሰሙናዊ 10 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ምግብን 150 ሽሕ ሊትሮ ነዳድን ክበፅሕ ኣለዎ ኢሉ ነይሩ።
እንተኾነ እቶም ናብ ትግራይ ዝወስዱ ክልተ ኣውራ መገዲታት ዝተዓጸው ኮይኖም፡ ክልተ ድልድላት ድማ ካብ ጥቕሚ ወጻእ ከም ዝኾኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወፀ ፀብፃብ ወኪል ዜና ሮይተርስ የመልክት።
ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁፅፃሮም፡ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት መብራህትን ቴለኮምዩኒኬሽንን ከምኡ'ውን ባንኪ ተቛሪፁ ይርከብ።
እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ሞት፣ ሰፊሕ ምምዝባል፣ ስደትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዘስዓበ ይፍለጥ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







