ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ዘቕረቦ ጠለባት ‘ንልኡላዊነትና ዝጻረር’ዩ’ ብምባል ኢትዮጵያ ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ንምዕዛብ ዘቕረቦም ጠለባት ንሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ዝጻረሩ ብምዃኖም፡ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዘይተኻእለ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ሕብረት ኣውሮጳ ብሰንኪ'ቲ ዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ነቲ ድሕሪ ወርሒ ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ዝዕዘብ ልኡኽ ናይ ምስዳድ ውጥኑ ከምዝሰረዞ ድሕሪ ምፍላጡ'ዩ እቲ ኣፈኛ ነቲ መግለጺ ሂቡ።
ኢትዮጵያ ኣብ 28 ግንቦትን 5 ሰነን 2013 (ግእዝ) ክተካይዶ ኣብ ዝወጠነት ሻድሻይ ሓፈሻዊ ምርጫ ንምስታፍ 42 ውድባት ፖለቲካ ሕጹያቶም ዘመዝገቡ ኮይኖም መረጽቲ ድማ ኣብ ምዝገባ ይርከቡ።
ኣብቲ ሃገራዊ ምርጫ ስግኣት ፈጢሮም ካብ ዘለዉ ጉዳያት እቲ ሓደ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ዝውልዑ ብሄር ተኮር ጎንጽታት'ዮም።
ላዕለዋይ ተወካሊ ጉዳያት ወጻእን ፖሊሲ ድሕነትን ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦርል ከምዘፍለጦ እቲ ሕብረት ተዓዘብቲ መረጻ ንምልኣኽ ዝገበሮ ጻዕሪ ክዕወት ኣይከኣለን።
ተዓዘብቲ ንምልኣኽ ዝለዓለ ጻዕሪ’ኳ እንተገበረ እቲ ዝለኣኽ ተዓዛቢ ጉጅለ ክሰርሓሎም ኣብ ዝኽእል ቀንዲ መዕቀኒታት ምስ ሰበሰልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከይተሰማምዐ ምትራፉ ገሊጹ።
በዚ ምኽንያት ከኣ ናብቲ ምርጫ ብተዓዛብነት ዝሳተፍ ጉጅለ ንዘይምልኣኽ ኣብ ውሳነ ምብጽሑ ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጠንቂ ናይቲ ምስሕሓብ እንታይ'ዩ?
እቲ ሕብረትኣብ ዝሃቦ መግለጺ: ‘ምሉእነት [ፍጹምነት] ናይቲ ልኡኽ ተዓዛቢ ምርጫ ነቲ ሕብረት ኣውሮጳ ንዴሞክራሲ ዝገብሮ ደገፍ መሰረት’ዩ” ድሕሪ ምባል: መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዓዘብቲ ንምልኣኽ ዘቐመጦም መምዘንታት ንምምላእ ድሉው ዘይምዃኑ ከምዘሕዘኖ ሓቢሩ።
እቲ ሕብረት ኣይተማልኡን ዝበሎም ረቛሕታት ናጽነት እቲ ተዓዛቢ ጉጅለ ምርግጋጽ ከምኡ’ውን እቲ ልኡኽ ዝጥቀመሎም ናይ መራኸቢ ሜላታት ከእትው ፍቓድ ዘይምርካቡን እዮም።
እቶም ሜላታት ርክብ ኣብ ረብሓ ዝውዕሉሉ ምኽንያት ድሕንነት ናይቶም ዝለኣኹ ጉጅለ ተዓዘብቲ ንምርግጋጽ ወሳኒ ብምዃኑ ኣረዲኡ። ብፍላይ ኣብ ኣጸገምቲ ኩነታት ድሕነት ኣብ ረብሓ ከምዝውዕል ከኣ ገሊጹ።
“ሕብረት ኣውሮጳ ኣብቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዴሞክራሲ ዘለዎ ድልየት ርኡይ ዝኾነ ሓገዝ ንምግባር ዘኽእሎ መረጋገጺ ክረክብ ዘይምኽኣሉ ዘሕዝን’ዩ” ክብል ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, MFA
ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኩሎም ዜጋታት ፖለቲካውን ሲቪልን መሰላቶም ክጥቀሙ ኣብ ምግባር ጻዕርታቶም ከሕይሉ ከምዘተባብዕ እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ’ሎ።
እንተኾነ ግን: ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ተዓዛቢ ጉጅለ ከይሰድድ ዝገበርዎ ምኽንያታት ክልተ'ዮም ድሕሪ ምባል፡ ንሃገራዊ ድሕነት እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ብምዃኖም ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዘይተኻእለ ተዛሪቡ።
እቲ ተዓዛቢ ጉጅለ ክማልኦም ሓሲቡ ዝነበረ ናይ ርክብ መሳርሒታት ንልኡላውነት ኢትዮጵያ ዝጥሕስ'ዩ ክብል ኣምባሳደር ዲና ይምጉት።
'ቪሳት' ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘየለ ስርዓተ-መራኸቢታት ናብ ውሽጢ ሃገር ከእቱ ከምዝጠለበ እቲ ኣፈኛ ጠቒሱ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝነበረ ምርጫታት፡ ተዓዘብቲ ከምዚኦም ዝበሉ መሳርሒታት ሒዞም ክኣትዉ ጠለብ ኣቕሪቦም ኣይፈልጡን'ዮም ድማ ኢሉ።
"እቶም ክበጽሕዎም ዝኽእሉ ክፋላት እታ ሃገር ስርዓተ-መራኸቢታት ዘለዎም'ዮም። ብእኡ ክጥቀሙ ይኽእሉ'ዮም፡ ካብዚ ወጻኢ፡ እታ ሃገር ዘይብላ ስርዓተ-መራኸቢታት ሒዝና ክንኣቱ ምባል፡ ንሕና ከነማሓድረኩም ምባል'ዩ" ክብል እቲ ኣፈኛ ነቒፉ።
እቲ ካልኣይ ጠንቂ ምስሕሓብ ድማ፡ እቲ ሕብረት ንውጽኢት ምርጫ፡ ቅድሚ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ከውጽኦ ምባሉ ምዃኑ ኢትዮጵያ ገሊጻ።
"እዚ ኣብ ዝኾነት ሃገር ዘይሕሰብ'ዩ" ዝበለ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ውጽኢት ናይቲ ዝካየድ ምርጫ ብቦርድ ምርጫ ጥራይ'ዩ ክግለጽ ዘለዎ ኢሉ። "ፈለማ ነቲ ምርጫ ዘረጋግጸልና ህዝቢ ኢትዮጵያ'ዩ። ብድሕሪኡ ድማ ምርጫ ቦርድ'ዩ።"
እንተኾነ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንውጽኢት ምርጫ ባዕሉ ክገልጾ ጠለብ ከምዘቕረበ ኣይገለጸን።
እቲ ሕብረት ግልጺ፣ ተኣማንን ንኹሉ ዘሳትፍን ምርጫ ንኽካየድ ድማ ንብሄራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ናይ 20 ሚልዮን ዩሮ ደገፍ ከምዝገበረ ኣዘኻኺሩ።
ብኻልእ ወገን ሓሙሽተ ሰኔናራት ኣሜሪካ እቲ ኢትዮጵያ ክተካይዱ ወጢና ዘላ ሓፈሻዊ ምርጫ ንዓለምለኻዊ መምዘኒታት ዘማልአ ኣይኮነን ምባሎም ይዝከር።
እቶም ሴናተራት ነዚ ዝበሉ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ናብ ዝተሾመ ኣምባሳደር ጆፍሪ ፌልትማን ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳበ እዩ።
እቲ ድሕሪ ሰሙናት ዝካየድ ምርጫ በቲ ሕዚ ዝርከበሉ ደረጃ ነጻ፣ ሚዛናውን ግልጽን ኮይኑ ንዓለምለኻዊ መምዘንታት ከምዘየማልእ ሓቢሮም ኣለዉ።
ኣብ ርእይቶ እቶም ሴናተራት መብርሂ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንምክታት ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰመረን። እንተኾነ እቲ ምርጫ ዴሞክራሲያውን ተኣማንን ንምግባር ይሰርሑ ምህላዎም እቲ ቦርድን መንግስትን ብተደጋጋሚ ምግላጾም ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







