ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን-ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ዳርፉር ኣብቒዑ

ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ምስ ክፍልታቱ ኣስታት 20,000 ዝበጽሕ ምንባሩ ጸብጻባት የረድኡ

ኣብ ምዕራባዊ ሱዳን ኣብ ዝርከብ ዞባ ዳርፉር ተዋፊሮም ዝርከቡ ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ተልእኾኦም ከብቅዕ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቲ ን13 ዓመታት ኣብቲ ዞባ ዝጸንሐ ወታሃደራዊ ሓይሊ ብወግዒ ትማሊ ሓሙስ 31 ናይ መወዳእታ ዕማማቱ ብምስላጥ ከብቅዕ ምዃኑ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ስጉምቲ፡ ብመሰረት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብ22 ታሕሳስ ዘሕለፎ ውሳነ'ዩ ዝውሰድ ዘሎ። ክሳብ እቲ ናይ መወዳእታ ምውጻእ ኣባላት ናይቲ ሓይሊ፡ ግን ምስ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ክተሓባበር ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣብቲ ኣብ 2003 ዝተወለዐ ግጭት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ምቕታሎም ይዝከር።

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽርን ገለ ሰበስልጣናት ነበርን ምስቲ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ክሲታት ገበናት ኲናትን ምጽናት ዓሌትን ከምዝቐረበሎም ይፍለጥ።

ኣስታት 500,000 ካብ ኣባይቶም ዝተፈናቐሉ ሰባት ኣብ መዓስከራት ይነብሩ ምህላዎም ይፍለጥ።

በሽር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, በሽር

እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ምስ ተቓወምቲ ወገናት ስምምዕ ሰላም ብምፍራም ክፈትሖ ጀሚሩ ከምዘሎ ይግለጽ።

ይኹን እምበር፡ ሕጂ'ውን ብቐጻሊ መጥቃዕትታት የጋጠም ብምህላዉ፡ ምውጻእ ዓቀብቲ ሰላም ንህዝቢ እቲ ከባቢ ኣሻቒልዎ ከምዘሎ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ምስ ክፍልታቱ ኣስታት 20,000 ዝበጽሕ ምንባሩ ጸብጻባት የረድኡ።