ሱዳን፡ ኣብ ዳርፉር ዝተፈጸሙ ገበናት ምጽራይ ጀሚራ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሱዳን ኣብ ዘበነ መንግስቲ ዑመር ኣልበሽር ኣብ ዞባ ዳርፎር ዝተፈጸሙ ገበናት ምምርማር ከምዝጀመረት ኣኽባሪ ሕጊ እታ ሃገር ገሊጹ።
እቲ መስርሕ ፍርዲ ካብታ ሃገር ወጻኢ ክካየድ ከምዝኽእል 'ውን ተሓቢሩ።
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት፡ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፡ ብገበን ምጽናት ዓሌት፡ ገበን ኲናትን ኣንጻር ሰብኣዊነትን ኣብ ልዕሊ ዑመር ኣልበሽር ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣወጺኡ ነይሩ።
እቲ ኣብ መንጎ ዓመጽትን ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ሚልሻታትን ኣብ 2003 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዝተጀመረ ጎንጺ፡ 300 ሽሕ ሰባት ከምዝቐተለ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ህዝባዊ ሰልፊ፡ ነቲ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ኣልበሽር ካብ ስልጣን ዝኣለየ ኮይኑ፡ እታ ሃገር ድማ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መሰጋገሪ መንግስቲ ትርከብ።
መግለጺ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ
ኣኽባሪ ሕጊ እታ ሃገር ተገልሲር ኣል ሃበር፡ እቲ ምርመራ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ እቲ ስርዓት ዝነበሩ ዘተኮረ ከምዝኾኑ ገሊጹ። እንተኾነ ዝርዝር ኣሽማት ኣይጠቐሰን።
እቶም ምርመራ ዝግበረሎም ገበናት ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዘጠቓልሉ ከምዝኾኑ ዝሓበረ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ፡ ዑመር ኣልበሽር ናብ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኲናት ተመሓላሊፉ ክወሃብን እቲ መስርሕ ፍርዲ ካብታ ሃገር ወጻኢ ክካየድ ከምዝኽእልን ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዳርፉር እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?
እቲ ኲናት ነበርቲ ከባቢ ዳርፎር ኣብ ልዕሊ እቲ ብኣዕራብ ይዕብለልን ንህዝቢ እቲ ከባቢ የጎሳቑልን ዝበልዎ ስርዓት ኣልበሽር ቃልሲ ምሰጀመሩ እዩ እቲ ጎንጺ ተወሊዑ።
ብሚልሻታት ጃንጃዊድ ዝሕገዝ ሰራዊት ሱዳን ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓመጽቲ ኲናት ከፊቱ።
ዕጡቓት ሚልሻ ጃንጃዊድ ኣብ ዳርፎር ሰብኡት ብምቕታል ደቂ ኣንስትዮ ብምዕማጽን ንብረት ብምውራርን ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም። ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ከምዝተመዛበሉ ድማ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣዝዩ ተፈራሒ ዝነበረ ሓላፊ ድሕነት ዘበነ በሽር፡ ሳላሕ ጎሽ 'ውን ምርመራ ይግበረሉ ከምዘሎ ኣል ሃበር ገሊጹ።
እቲ ነበር ሓላፊ ካብታ ሃገር ወጺኡ ከምዘሎም ብምትሕብባር ኢንተርፖለረ ናብታ ሃገር ክምለስ ከምዝግበርን ወሲኹ ሓቢሩ።
ሓላፊ ሚልሻ ጃንጃዊድ ዝነበረን ዳሕራይ ናብቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝተሓሰን መሓመድ ሓምዳን "ሃመቲ'' ግን ምርመራ ይግበረሉ ምህላዉ ኣይተገለጸን።
ድሕሪ ምውራድ ኣልበሽር ምክትል ፕረዚደንት እቲ ወታደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኮይኑ ዝተመረጸ "ሃመቲ" ፡ ኣብ ዳርፉር ዝተፈጸሙ ገበናት ብምምራሕ 'ህዩማን ራይትስ ወች' ክኸሶ ጸኒሑ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







