ሱዳን እሱራት ፖለቲካ ፈቲሓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንግስቲ ሱዳን ልዕሊ 80 ፖለቲካዊ እሱራት ፈቲሑ።
ቀጥታዊ መምርሒ ምፍታሕ እሱራት ካብ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን በሽር ከምዝተውሃበ ይግለፅ።
ደቀኣንስትዮ፣ ተምሃሮን ጋዜጠኛታትን ካብ ሞንጎ እሱራት ይርከብዎም።
እቶም እሱራት ንምኽባድ ናብራ ተቓዊሞም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰልፊ እንተካይዱ'ዮም ተታሒዞም።
ኣብ ዝተፈትሑሉ እዋን ንኣብያተ ማእሰርቲ ከቢቦም ይፅበዩ ዝነበሩ ስድራን መሓዙትን ሓጎሶም ገሊፆም።
ቀንዲ ፖለቲካዊ ተቓዋሚ ንዝኾነ ሰልፊ ብምኽትልነት ዝመርሕ ፋድላላህ ቡርማ ሓደ ካብ ዝተፈትሑ እሱራት'ዩ።
መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ኣብ ቅርታታት ተቓወምቲ ምላሽ ንምሃብ ምስ ካልኦት ሰልፍታት ሓቢሩ ከምዝሰርሕ ገሊፁ።
ሱዳን ገንዘባ ምስ ዶላር ዝህልዎ ዓቕሚ ሸርፊ ክወርድ ('ዲቫልዌት') ዝገበረት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እንትኸውን፡ ኣብ ስርናይ ትገብሮ ዝነበረት ድጎማ'ውን ቆሪፃ'ያ።
እዚ ውሳንኣ ድማ ዋጋ መሸጢ ባኒ እታ ሃገር ብኽልተ ብዕፅፊ ክዓብን ተቓውሞታት ክለዓሉን ምኽንያት ኮይኑ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







