ሱዳን፡ ውድብ ፖለቲካ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ኣልበሽር ክፈርስ ወሲና

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብፕረዘዲንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ዝምራሕ ዝነበረ ገዛኢ ውድብ ፖለቲካ ክፈርስ ብሕጊ ጸዲቑ።
ኣብ 1989 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ብዕልዋ መንግስቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ዑመር ኣልበሽር፡ ክሳብ ብህዝባዊ ተቓውሞ ዝእለ ንሱዳን ንኣስታት 30 ዓመታት መሪሕዋ።
ሰበ-ስልጣን ስግግር መንግስቲ ሱዳን፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ቦታታት ባህርያት ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ክመስል ከምዘለዎ ዝድንግግ ሕጊ'ውን ብወግዒ ሰሪዝዎ እዩ።
ዕላማ እዞም ዝተወሰዱ ስጉምትታት፡ ሕቶ ተቓወምቲ ንምምላእን ከምኡ'ውን ንስርዓት ዑመር ኣልበሽር ካብ ሱሩ ንምጥፋእን ዝዓለመ እዩ።
ሱዳን ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካብ ወተሃደራዊ መኮነናትን ሲቪል ኣመሓድርትን ብዝተዋጽአ ባይቶን፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕ ሲቪላዊ መንግስቲ እያ ትመሓደር ዘላ።
ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ተባሂሉ ዝፍለጥ ውድብ ኣልበሽር፡ ብሕጊ ደረጃ ክፈርስ ምውሳኑ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ በቲ ውድብ ዘውነን ንብረት ክወርስ ዘኽእሎ እዩ ተባሂሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ እቲ ውሳነ፡ "ዝተሰርቐ ንብረት ህዝቢ ሱዳን" ንምምላስ ከምዘኽእሎ ኣብ ትዊተር ገጹ ኣስፊሩ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ውሳነ ዝኾነ ይኹን ኣርማ እቲ ውድብ ይኹን ስርዓት ኣልበሽር፡ ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ንቐጸልቲ ዓሰርተ ዓመታት ከይሳተፍ ኣጊድዎ'ሎ።
ንስርዓት ኣልበሽር ኣብ ምዕላው ዓብይ ተራ ዝነበሮ ማሕበር ሞያውያን ሱዳን፡ ነቲ ውሳነ "ታሪኻዊ ፍጻመ" ክብል ገሊጽዎ።
ወሃቢት ቃል እቲ ማሕበር ሳሚሂር ሙባረክ ከምዝሓበረቶ፡ ህዝቢ ሱዳን ብስርዓት ኣልበሽር ብዝተፈላለየ መገዲ ከምዝተጎድኣ ድሕሪ ምሕባር፡ እቲ ህዝቢ እፎይታ ከምዝረኸበ ገሊጻ።
ካልእ ንብዙሓት ዘካትዕ ዝነበረ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝግህስ ሕጊ ክስረዝ ተገይሩ እዩ።
እቲ ዝተሰረዘ ሕጊ ካብ ሸሪዓ ብቐጥታ ዝተተረጉመ ኮይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ኣብ ማሕበራዊ ውራያት ብምስታፈንን ስረ ስለዝተኸደናን ክእሰራ ዘግብር ከምዝኾነ ነቐፍቲ ገሊጾም።
ብሰንኪ እዚ ሕጊ ድማ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተኣሰራ ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ሕጊ መሰራታዊ መሰል ዜጋታት ሱዳናውያን ዝግሃሰን ክብሪ ህዝቢ ዝትንክፍን ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ትውተር ጽሒፉ።
ብሰንኪ እዚ ሕጊ፡ በደል ንዝበጽሖም መእሰያት ሱዳን ድማ፡ ሓዘኑ ገሊጹ።
ሱዳን ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ንፈለማ እዋን፡ ንዓለም-ለኻዊ ጎስጓስ ምውጋድ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዋ ድጋፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣካይዳ ምንባራ ዝዝከር እዩ።
ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ኣብ ምዕላው ስርዓት ኣልበሽር መሪሕ ተራ ከምዝነበረን ይዝከር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







