ሱዳን ህድኣት ናብ ዝረሓቓ ዳርፉር ተወሰኽቲ ወተሃደራት ክተዋፍር እያ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሱዳን፡ ናብ’ታ ህድኣት ዝረሓቓን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ጎንጽታት ናብ ዝተወለዓላን ግዝኣት ዳርፉር፡ ተወሰኽቲ ወተሃደራታ ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጣ።
ነዚ ዝገለጸ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ናይ’ታ ሃገር፡ ዓብደላ ሓምዶክ እዩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ኣብ’ዚ ናይ ክረምቲ እዋን ዜጋታት ብህድኣት ናይ ሕርሻ ስርሖም ክውግኑ ምእንታን፡ እቶም ወተሃደራት ሓለዋ ክገብሩሎም እዮም ኢሉ።
ብቀዳም መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ን 60 ሰባት ዝቐተሉ ኮይኖም፡ ቅድሚኡ ድማ 20 ሰባት ከምዝሞቱ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ እዩ።
እቲ ዓለማዊ ትካል ከምዝበሎ፡ ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ ነዲዶም፣ ዕዳጋን ድኳናትን ተዘሚቶም እዮም።
"እቲ ኣብ ግዝኣት ዳርፉር ዝረኣይ ዘሎ ምግፋሕ ጎንጽታት፡ ዜጋታት ሕርሸኦም ገዲፎም ክስደዱ፣ ህይወት ክጠፍእን ንብረትን ክዓኑን፡ ከምኡ ድማ ብዝሒ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ክውስኽ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ” ይብል እቲ ትካል ዘውጸኦ መግለጺ።
ዛጊድ፡ ነዚ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ዝኾነ ጉጅለ የለን።
ግዝኣት ዳርፉር ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ቅልውላውን ጎንጽን እያ ጸኒሓ።
እቲ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ድማ፡ ኣብ መንጎ ንፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር እሙናት ዝኾኑ ሓይልታትን ዕጡቓት ተቓወምትን እዩ።
ከም ሓበሬታ ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጎንጺ ዳርፉር 300,000 ሱዳናውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ክልተ ሚልዮን ድማ ተመዛቢሎም እዮም።
ኣልበሽር ኣብ ዳርፉር ፈጺምዎ ተባሂሉ ንዝኽሰሰሉ “ገበን ምጽናት ዓሌት” ኣብ ዓለም-ለኻዊ ገበናዊ ቤትፍርዲ ዝድለ እዩ።
ወዲ 76 ዓመት ኣልበሽር፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካርቱም ናብ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ናብ ስልጣን ዝመጸሉ ዕልዋ መንግስቲ እዩ ተኸሲሱ ዘሎ።
ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ክሳ ብሞት ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ከምዝጽበዮ እዩ ዝግለጽ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ብብልሽውና’ውን ተኸሲሱ ጉዳዩ ኣብ ቤት-ፍርዲ ይረኣይ እዩ ዘሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







