ልዕሊ ዓሰርተ ዓማውቲ ዘቑፀረ መዕቆቢ ስደተኛታት ዳርፉር ተዓፅዩ

ስደተኛታት ኣብ ኣውቶብስ

ምንጪ ስእሊ, UNIC Khartum

ክሳብ ሕዚ ኣብ ምዕራብ ሱዳን ዳርፉር ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝፀንሑ ናይ መወዳእታ ስደተኛታት እቲ መዕቆቢ ይዕፆ ስለዘሎ ሎሚ ናብ መረበቶም ይምለሱ ኣለዉ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ናይ ምዕራብ ዳርፉር ዋና ከተማ ካብ ዝኾነት ገነይና ንአንፈት ደቡባዊ ምዕራብ 190 ኪሎሜትር ርሒቓ ካብ እትርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሙክጃር ብትዊተር ስእሊ ለጢፉ።

ዳርፉር ዋላኳ ንዓርሳ ኣብ ሰብኣዊ ቅልውላው ጥሒላ እንተነበረት፤ ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓማውቲ ካብ ቻድ ዝመፁ ሰባት ኣብ ዳርፉር እናዕቆቡ ፀኒሖም እዮም።

ኣብ 2006፤ ፕሬዝደንት ኢድሪስ ዴቢ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ መረፃ መታን ክወዳደር ንሕገመንግስቲ ቻድ ከመሓይሾ ምስወሰነ ኣብ መንጎ ወተሃደራት መንግስቲን ዓመፅትን ዝነበረ ኩናት ክጋደድ ገይርዎ እዩ።

አስታት 20,000 ዝግመቱ ሰባት ካብቲ ኣብ ቻድ ዝነበረ ጎንፂ ሃዲሞም ኣብ ዳርፉር ከምዘዕቆቡ ኣብቲ እዋን መራኸብቲ ሓፋሽ ኣቃሊሖም ነይሮም።