ሱዳን፡ ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ህጻናት ዝርከቡዎም 18 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ሱዳን፡ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ብዘጋጠመ ምሕምሻሽ ወታሃደራዊት ነፋሪት 4 ህጻናት ዝርከቡዎም 18 ሰባት ሞይቶም።
እታ ካብ ርእሰ ከተማ እቲ ዞባ ኤል ጀነይና ምስተልዓለት ድሕሪ ሓሙሽተ ደቓይቕ ዝወደቐት ነፋሪት፡ ናብቶም ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ሓያል ዓሌታዊ ጎንጺ ዝተኻየደሎም ከባቢታት ሓገዝ ኣብ ምጉዕዓዝ እያ ነይራ።
ኣብታ ነፋሪት ሸውዓተ ሰራሕተኛታት በረራ፣ ሰላስተ ዳያኑን ኣርባዕተ ህጻናት ዝርከቡዎም ሸሞንተ ስቪላትን ዝነበሩ ኮይኑ፡ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ከምዘይተፈለጠ ወታሃደራዊ ወሃቢ ቃል መሓመድ ኣልሓሰን ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።
ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ብዝተወለዐ ጎንጺ ብውሑድ 48 ሰባት ከምዝተቐተሉን 241 ከም ዝቖሰሉን ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ሱዳን ገሊጹ።
እቲ ጎንጺ፡ ሓደ ዓረባዊ መበቆል ዘለዎ ሰብ ኣብ ዕዳጋ ድሕሪ ምቕታሉ ከም ዝተወለዐ እቶም ሰበስልጣን ተዛሪቦም።
ድሕሪ'ዚ ድማ፡ ዓረብ ሚሊሽያ ንተወልድቲ ብሄረ ማሳሊት ብምጥቃዕ፡ ኣባይቶም ከም ዘቃጸሉን ንብረቶም ከም ዝዘመቱን ተፈሊጡ።
ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ግጭት ዳግም ምውልዑ ድማ ነቲ ኩነታት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍትሑ ዘሎ ዕድል ከጸልምቶ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ይስጋእ።
ኣብ መንጎ መንግስትን ናይቲ ዞባ ተቓወምትን ክግበር ዝጸንሐ ዝርርብ ተወንዚፉ ከም ዘሎ ተረጋጊጹ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







