ግጭት ዳርፉር፡ መንግስቲ ሱዳን ናብ ደቡባዊ ዳርፉር ወተሃደራት ኣዋፊሩ

ሱዳን ናብቲ ኣብ ዳርፉር ዝተወለዐ ግጭት ሰራዊት ልኢኻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሱዳን ናብቲ ኣብ ደቡብ ደርፉር ዝተወለዐ ዓሌታዊ ግጭት 300 ወተሃደራዊ ተሽከርከርቲ ከምዝለኣኸት ተገሊጹ።

በቲ ዝተወለዐ ዓሌታዊ ግጭት ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ተፈሊጡ።

ምኽትል ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ሓውሲ-ወተሃደራዊ ተወርዋሪ ሓይልታት [ኣር ኤስ ኤፍ] ሜጀር ጀነራል ዓብደል-ራሒም ሓምዳን ዳጋሎ'ዩ ነቲ ናብ ዳርፉር ዝተላኣኸ ሰራዊት ዝመርሖ ዘሎ።

ንሱ ከምዝበሎ ሰራዊቱ ነተን ኣብቲ ዝተኸሰተ ግጭት ተሰሪቐን ዝነበራ ልዕሊ 10,000 ጥሪት ካብ ሰረቕተን ከም ዝምለሳ ገይሩ'ሎ።

ኣብ ሞንጎ እቶም ናይ ዓረብ ኣል-ራዚቃትን ኣፍሪቃውያን ኣል-ፋላታን ዝተወለዐ ግጭት መንቀሊኡ ጥሪት እንስሳ (ማል) ከምዝኾነ ይግለጽ።

ኣብታ ኣብ ምዕራባዊ ሱዳን እትርከብ ግዝኣት ዳርፉር ንዝሓለፉ 17 ዓመታት ጎንጽታት ምስቀጸለ እዩ።