ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ናብ ዓለም-ለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ክመሓላለፍ'ዩ

ዑመር ኣልበሽር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰብመዚ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ብገበናት ኲናት ዝኽሰስ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣል-በሽር ናብ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ኣሕሊፎም ክህቡ ምዃኖም ገሊጾም።

ጀነራል ዑመር ኣልበሸር፡ ኣብቲ ኣብ 2003 ኣብ ምዕራብ ሱዳን፡ ዞባ ዳርፉር ዝተወለዐ ኲናት ምጽናት ዓሌት፡ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብን ፈጺሙ ተባሂሉ ብኣኽበርቲ ሕጊ ናይቲ ቤት ፍርዲ ክድለ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብቲ ናይ ዳርፉር ጎንጺ፡ ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ከም ዝተፈናቐሉን ወድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ሓደ ኣባል ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሱዳን፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ቀይዲ ዘሎ ኣል-በሽር ይኹን ካልኦት፡ በቲ ክኽሰስሉ ዝጸንሑ ዝተፈላለዩ ገበናት ክሕተቱ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ናብቲ ቤት ፍርዲ ከም ዝመሓላለፍ ተዛሪቡ።

ዑመር ኣል-በሽር፡ ኣብ ሚያዝያ 2019'ዩ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ክእለ ተገዲዱ። ድሕሪ'ቲ ንኣዋርሕ ዝወሰደ ናዕቢ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ከም ዝኣለዮ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ቀሪቡ ብዝተኸሰሰሉ ገበን ብልሽውና ድማ ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ተበይኑሉ። ንሱ፡ ብቕትለት ናይቶም ኣብቲ ህዝባዊ ተቓውሞታት ዝሞቱ ናዕበኛታት'ውን ተኸሲሱ ይርከብ።

ኣብ 1989 ዓምፈ ብዕልዋ ስልጣን ዝጨበጠ ጀነራል ዑመር ኣል-በሽር፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ምልካዊ ምሕደራ ብ11 ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ሱዳን ብሰራዊትን ፖለቲካውያን ተቓወምትን ዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ ነታ ሃገር የመሓድራ ኣሎ።