ሱዳን ብገበን ኲናት ዳርፉር ዝኽሰሱ ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣሕሊፋ ንምሃብ ተሰማሚዓ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሱዳን ኣብ ግዝኣት ዳርፉር ብዝተፈጸሙ ገበናት ኲናት ዝድለዩ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ነበር ንዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት [ኣይሲሲ] ኣሕሊፋ ከም እትህብ ኣፍሊጣ።
ክሳብ ሕጂ ግን ኣሽማት እቶም ነዚ ቤት ፍርዲ ተመሓላሊፎም ዝወሃቡ ውልቀሰባት ኣይገለጸትን።
ቅድም ኢሉ መራሕቲ እታ ሃገር ኣብ እዋን ግጭት ዳርፉር ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፕሬዝደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣሕሊፎም ንምሃብ ቃል ኣትዮም'ኳ እንተነበሩ ክሳብ ሕጂ ተግባራዊ ኣይኮነን።
ኣልበሽር ብ2019 ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ሰልፊ ተቓውሞ ምስ ገበሩ ብሰራዊት እታ ሃገር ካብ ስልጣን ክእለ እንከሎ፡ ብገበን ብልሽውና ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ይርከብ።
ኣብ ዳርፉር ዝነበረ ኲናት ኣብ ዓለም ካብ ዝተራእዩ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣዝዩ ዘሰክፍ ካብ ዝብሃሉ ሓደ'ዩ።
ብ2003 ኣብ ዳርፉር ኣብ ሞንጎ መንግስትን ዓመጽትን ብዝተላዕለ ግጭት ብውሑድ 300 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም፤ ሚሊዮናት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ይርከቡ።
እዚ ውሳነ፡ ተሰናባቲት ዓቃቢት ሕጊ 'ኣይሲሲ' ፋቱ ቤንሱዳ ኣብ ሱዳን ድሕሪ ዝነበራ ምብጻሕ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ኣብቲ እዋን ወዲ 77 ዓመት ኣልበሽር ሓዊሱ ኩሎም በቲ ቤት ፍርዲ ዝድለዩ ውልቀሰባት ተመሓላሊፎም ንክውሃቡ ሓቲታ ነይራ።
ኣልበሽር ኣብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ፈላሚ ክሲ ገበናት ጃምላዊ ጨፍጫፍ ዝቐርበሉ ሰብ ክኸውን'ዩ።
ካልኦት እቲ ቤት ፍርዲ ዝደልዮም ሰብ መዚ ነበር ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝነበረ ዓብዱራሂም ሙሓመድ ሑሴንን ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ዝነበረ ኣሕመድ ሃሩንን'ዮም።
ሚኒስትሪ መንግስቲ ፌደራል ቦታይና ዲናር ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም እቲ ካቢኔ ነዚ ውሳነ ብሙሉእ ድምጺ ከም ዘሕለፎን ሰላምን ርግኣትን እታ ሃገር ንምዕሳል ዝዓለመ ምዃኑን ገሊጹ ነይሩ።
መንግስቲ ሱዳን'ውን ነቶም ዓመጽቲ ጉጅለታታት ናይ ሰላም ጻውዒት ኣቕሪቡ ይርከብ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







