ሱዳን፡ ጥርጡራት ገበናት ኲናትን ምጽናት ዓሌትን ከተረክብ ዋና ኣኽባሪት ሕጊ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤት-ፍርዲ ሓቲታ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ ሱዳን፡ ነቶም ኣብ ግጭት ዳርፉር ገበናት ኲናትን ምጽናት ዓሌትን ፈጺሞም ዝተባህሉ ጥርጡራት ከረክብ ዋና ኣኽባሪት ሕጊ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤት-ፍርዲ ጠሊባ።
ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ዘካየደት ፋቱ ቤንሱዳ፡ ሓደ ካብ መሻርኽቲ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣል-በሽር ዝነበረ ኣሕመድ ሃሩን ዝተባህለ ውልቀሰብ ኣብ ፍርዲ ንምቕራብ ክወሃባ ንሰብመዚ እታ ሃገር ሓቲታ'ላ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ መራሒ 'ጃንጃዊድ' ተባሂሎም ዝፍለጡ ዕጡቓት ዝነበረ ዓሊ ኩሻብ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓብደል ሩሕማን ባዕሉ ነቲ ቤት-ፍርዲ ኢዱ ሂቡ ምንባሩ ይፍለጥ።
እታ ኣብ ዞባ ዳርፉር ምብጻሕ ዘካየደት ዋና ኣኽባሪት ሕጊ ናይቲ ገበናዊ ቤት-ፍርዲ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ መራሒ ጃንጃዊድ ቀሪቡ ዘሎ ክስታት ንዓብደል ሩሕማን'ውን ዝምልከት ስለዝኾነ፡ ጉዳዮም ብሓደ ክረአ ኣለዎ ትብል።
ኣብ 2003 ሓያሎ ዕጡቓት ጉጅለታት ንምግላል ናይቲ ዞባ ብምቅዋም ኣንጻር መንግስቲ ምልዕዓል ድሕሪ ምጅማሮም ግጭት ዳርፉር ከምዝተወልዐ ይዝከር።
እቲ ብፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ሱዳን ድማ፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ዓረባዊ መበቆል ዘለዎም ጓሶት ብምዕጣቕ፡ 'ጃንጃዊድ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ መስሪቱ፡ ኣንጻር እቲ ምልዕዓል ጭካነ ዝተሓወሶ ግብረመልሲ ሂቡ።
ኣብቲ ግጭት ኣስታት 300,000 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 2 ሚልዮን ከምዝተፈናቐሉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የረድኡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዋና ኣኽባሪት ሕጊ በንሶዳ ትማሊ ረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ብተመሳሳሊ ገበናት ዝሕተት ዑመር ኣልበሽር'ውን፡ ናብ ፍርዲ ዝቐርበሉ ኩነታት ንምፍጣር ምስ ሰብመዚ ሱዳን "እወንታዊ" ልዝብ ከምዘካየደት ተዛሪባ።
ኣል-በሽር፡ ብብልሽውናን እቲ ኣብ ስልጣን ዘምጽኦ ናይ 1989 ዕልዋ መንግስትን ብዝተኣሳሰር ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተቐዪዱ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኣብ ሚያዝያ 2019 ብዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዪ፡ ብወተሃደራዊ መኮንናትን ሲቪል ፖለቲከኛታትን ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ተመስሪቱ ይርከብ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







