ሱዳን ንመራሒ ሚሊሻ ጃንጃዊድ ካብ ማእሰርቲ ፈቲሓ

ሙሳ ሂላል

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሙሳ ሂላል ዝመርሖ ዝነበረ ዕጡቕ ጉጅለ ከቢድ ግፍዕታት ፈጺሙ ተባሂሉ ይኽሰስ

ሱዳን ንመራሒ ናይቲ ኣብ ዞባ ዳርፉር ግፍዕታት ፈጺሙ ተባሂሉ ዝኽሰስ ጉጅለ ሚሊሻ ካብ ማእሰርቲ ፈቲሓ።

እቲ ብምሕረት ዝተፈትሐ ሙሳ ሂላል፡ ኣዛዚ ናይቲ 'ጃንጃዊድ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቕ ሓይሊ ምዃኑ ይፍለጥ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ምስቲ ኣብ ዳርፉር ዝተፈጸመ ግፍዕታት ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ኣንቢሩ ነይሩ'ዩ።

ምፍታሕ ናይቲ ኣዛዚ፡ ድሕሪ'ቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ምስ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ዳርፉር ዝፈረሞ ስምምዕ ሰላም'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ሙሳ ሂላል፡ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮ ኮይኑ፡ ጸኒሖም ምስ ተባእሱ ኣብ 2017 ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ኣብቲ ካብ 2003 ጀሚሩ ንዓመታት ዝቐጸለ ግጭት፡ ኣስታት 300,000 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ 2.5 ሚልዮን ተፈናቒሎም።

እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ዓረባዊ መበቆል ዘለዎም ጃንጃዊድን፡ ኣፍሪቃዊ ዝመበቆሎም ማሕበረሰባትን'ዩ ዝካየድ ነይሩ።

ኣልበሽር፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ምዕራብ'ታ ሃገር ዝርከብ ዞባ ዳርፉር ዝተፈጸመ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ብገበናት ኲናት ከም ዝኽሰስን፡ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ከም ዝወሰነን ይዝከር።

እንተኾነ ግን፡ ነቶም ሚሊሻ ከምዘይደገፎም ብምምጓት ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐርብ ክስታት ገበናት ኲናት ክነጽጎም ጸኒሑ'ዩ።