ልኡኽ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፡ ብዛዕባ ዑመር ኣል-በሽር ክዘራረብ ንሱዳን ኣትዩ

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣል-በሽር

ምንጪ ስእሊ, AFP

ልኡኽ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፡ ብዛዕባ ክሲ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል-በሽር ክዘራረብ ናብ ሱዳን ኣትዩ።

ኣል-በሽር በቲ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ፡ ብገበን ምጽናት ዓሌት፣ ብገበን ኩናትን ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን እዩ ዝጥርጠር።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፡ እቲ ልኡኽ ክሳብ 21 ጥቅምቲ ኣብ’ታ ሃገር ክጸንሕ ምዃኑን፡ ብዛዕባ ሓደ ናይ ፍርዲ ጉዳይ “ምትሕብባር” ክግበረሉ ከምዝደልን ገሊጹ’ሎ።

ዑመር ኣልበሽር ኣብ ሄግ ናብ ፍርዲ ክቐርብ፡ መንግስቲ ሱዳን ተሰማሚዑ እዩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ ኣብ 2003 ኣብ ዳርፉር ናዕቢ ምስተልዓለ ብሰንኪ ዘጋጠመ ጎንጺ ኣስታት 300,000 ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብ’ቲ ዞባ ተፈጺሙ ብዝተብሃለ ገበናት፡ ካልኦት ክልተ ሰበስልጣን ነበር እውን ምስ ኣልበሽር ኣብ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ተኸሲሶም እዮም።

ወዲ 76 ዓመት ኣል-በሽር ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

ኣብ’ዚ እዋን፡ ሱዳን ብወተሃደራትን ሲቪልን ብዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ እያ ትምራሕ ዘላ።

ኣል-በሽር ድሮ ብብልሽውና ገበነኛ ተባሂሉ ኣብ ማእሰርቲ እዩ ዘሎ። ብተወሳኺ ድማ፡ ንሱን ካልኦት 27 ሰባትን፡ ብ 1989 ብዝተፈጸመን ንኣልበሽር ናብ ስልጣን ዘምጸአ ዕልዋ መንግስቲ ተኸሲሶም ኣለዉ።

እንተደኣ ገበነኛተት ተባሂሎም፡ ኩሎም ናይ ሞት ፍርዲ ክፍረዶም ይኽእል እዩ።

ኣል-በሽር ነቲ ዝቐረበሉ ክስታት ኣይወዓከወዎም እዩ ዝብል። ጠበቓኡ፡ ኣል-በሽር ኮነ እቶም ካልኦት ክሱሳት “ፖለቲካዊ ክሲ” እዩ ዝቐርበሎም ዘሎ ኢሉ ነይሩ።

ኣብ ዳርፉር እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?

እቲ ኲናት ነበርቲ ከባቢ ዳርፎር ኣብ ልዕሊ እቲ ብኣዕራብ ይዕብለልን ንህዝቢ እቲ ከባቢ የጎሳቑልን ዝበልዎ ስርዓት ኣልበሽር ቃልሲ ምሰጀመሩ እዩ እቲ ጎንጺ ተወሊዑ።

ብሚልሻታት ጃንጃዊድ ዝሕገዝ ሰራዊት ሱዳን ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓመጽቲ ኲናት ከፊቱ።

ዕጡቓት ሚልሻ ጃንጃዊድ ኣብ ዳርፎር ሰብኡት ብምቕታል ደቂ ኣንስትዮ ብምዕማጽን ንብረት ብምውራርን ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም። ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ከምዝተመዛበሉ ድማ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።