ቅልውላዉ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ናብ ደቡብ ወሎ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ውግእን ናይ ክተት ጻውዒትን

ካርታ

ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዘውረዱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ህወሓት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝፈነውዎ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ይገብሩ ኣለዉ ኢሉ።

ኣብ ከባቢ ጭፍራ (ክልል ዓፋር) ከምኡ'ውን ዉጫለ (ክልል ኣምሓራን) "ብኣልማማ" ደብዳብ ከምዘካየዱን ብውሕዱ 30 ሲቪላውያን ከምዝቐተሉን'ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

ብወገን ህወሓት ብዛዕባ'ቲ መግለጺ ዝተዋህበ ግብረመልሲ'ኳ እንተዘየለ፡ መራሕቲ ህወሓት ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ከምዘይገብሩ'ዮም ክገልጹ ጸኒሖም።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ሓይልታት መንግስቲ ብዝተፈላለዩ "ግንባራት" ኣብ ልዕሊ ሓይልታቶም "መጠነ-ሰፊሕ" መጥቃቲ ከምዝኸፈቱ ዝገለጹ መራሕቲ ህወሓት ከምዝመከትዎን ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ገሊጾም ነይሮም።

ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ንተለቪዥን ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ "ብብቕዓት ብምምካትን ብዝወሰዶ ጸረ-መጥቃዕትን ምሉእ ብምሉእ ኣፍሺልዎ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ብሰንኪ ምዕጻው መስመራት መራኸቢታት እቲ መግለጺታት ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።

መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ብመጥቃዕቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ብማዕረ ዓይኒ ክጥምቶ ኣለዎ ድሕሪ ምባል፡ ንኣተሓሕዛ ምዕራባውያን ሃገራት ነቒፉ።

ብሰኑይ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ "ናይ ህወሓት ናይ መራኸቢታት ታወራት" ዒላማ ዝገበረ ዕዉት መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ገሊጹ ክብል መንግስታዊ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ደብዳብ፡ ናይ ፋናን ትካል ጸጥታ 'ኢንሳን' ዝነበሩ መደበራት ከምዘዕነወ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

እቲ ሓይሊ ኣየር "ንጹሃት ዜጋጋታት ከይጉድኡ ልዑል ጥንቃቐ ከምዝገበረን፡ እዚ ድማ ብዕዉት ኩነታት ከምዝተጸመ" ገሊጹ ክብል ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ብፈይስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ገሊጹ።

እንተኾነ ግን፡ በቲ ዝተኻየደ ደብዳብ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉን ሓያሎ ከምዝቖሰሉን ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ህወሓትን ነበርቲ እታ ከተማን ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።

'ኩሉ ነገር ናብ ግንባር'

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሰብመዚ ክልል ኣምሓራ ነቲ ብሓይልታት ትግራይ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕትታት ንምክልኻል ናይ ክተት ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ምምሕዳር ደቡብ ወሎ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ ብውጫለ፡ ብተሁለደሬ፡ ብወረባቦን ደላታን ዝተባህሉ ኣንፈታት ውግእ ከፊቶም ምህላዎም ሓቢሩ።

"ብረት ዘለዎ ብብረቱ፡ ጉልበት ዘለዎ ብጉልበቱ፡ ሃብቲ ዘለዎ ብሃብቱ፡ ምስ ሰራዊት ምክልኻል፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፡ ሚሊሻን ፋኖን ብምስላፍ" ክከላኸል ጸዊዑ።

ሓይልታት ትግራይ ነታ ኣብ ክልል ዓፋር እትርከብ ከተማ ጭፍራ ከምዝተቖጻጸርዎ'ኳ እንተገለጹ፡ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ግን ኣይተኻእለን ዘሎ።

ኣካል መንግስቲ ኮይኑ ዘሎ ሰልፊ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን፡ "ኩሉ ነገር ናብ ግንባር" ክብል ጸዊዑ'ሎ።

እቲ ሰልፊ፡ ሓይልታት ህወሓት ድኹም ወተሃደራዊ መሪሕነት ፈደራላዊ መንግስቲ ተጠቒሞም ንደሴን ኮምቦልቻን ንምቁጽጻር ይጽዕሩ ምህላዎም ገሊጹ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን፡ ኣብቶም ዕጡቓት ትግራይ ተቖጻጺሮሞም ዘለዉ ከባቢታት፡ ሰሜን ወሎን ሰሜን ጎንደርን ኣብ ሰብን ኣብ ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዶም ክብል ከሲሱ ነይሩ።

እቲ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ጥምየት፡ ዓጸቦን ምግሃስ መሰላትን ዝርከብዎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይግለጽ።

ብሰንኪ'ቲ ኩነታት እኹል ረዲኤት ናብቶም በቲ ኲናት ዝተጸልዉ ከባቢታት ክበጽሕ ከምዘይክኣለ፡ ሰብመዚን ትካላት ረዲኤትን ክሕብሩ ጸኒሖም'ዮም።

ኣብ መወዳእታ ውርሒ ሰነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መቐለን ሓያሎ ከባቢታትን ትግራይ ብምውጻእ "በይናዊ ምቁራጽ ተዂሲ" ከምዝገበረ'ኳ መንግስቲ እንተፍለጠ፡ ውግእ ግን ኣየቋረጸን።

እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝለሓመ ይፍለጥ።

ነቲ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ክሳብ ሕጂ ፍረ ከምዘይተረኽቦ ይግለጽ።