ርእይቶ፡ ኣብ ትግራይ ህዝቢ ብጥሜት እናተፍሓሰ- ስለምንታይ እዩ “ዓጸቦ” ዘይተኣወጀ?
ብኣሌክስ ዲ ድዋል - ተንታኒ ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ፡ ዓመቱ ክመልእ ቅሩብ ዝተረፎ ኵናት፡ ጃምላዊ ጥሜት እኳ እንተጋጠመ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ዓለም ለኻዊ ረድኤት ግን ዛጊድ “ዓጸቦ” ከምዘጋጠመ ኣይኣወጁን።
መጠንቀቕታ፦ ኣብዚ ዓንቀጽ ዘሎ ኣሳእል ንገለ ሰባት ከሰምብዶም ይኽእል እዩ።
ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር፡ ህጻናት ብጥሜት ይሞቱ ከምዘለው ጸብጻባት ይገልጹ።
እቶም ሓካይም ኣሳእል ናይቶም መሰናግለኦም ዝወጽአን ኣኽብዶም ዝሓበጠን ብጕድለት መኣዛታት ዝተዳኸሙ ንኣሽቱ ቘልዑ ከም ጭብጢ ኣቕሪቦም። ንሳቶም ካብቶም ንሒደት ሰሙናት ኣብ ሆስፒታል ካብ ዝርከብ ውሑድ ምግቢ ትንፋስ ክመልሱ ዝኸኣሉ ዕድለኛታት እዮም።
ኣብ ገጠራት ትግራይ፡ እቲ ናይ ጥሜት ኵነታት ኣዝዩ ከቢድ እዩ ዘሎ።
እቲ ውግእ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ምስ ጀመረ ድሕሪ ኣስታት ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዓዲ ግራት “ሰባት ብጥሜት ክሞቱ ከምዝጀመሩ” ሓቢሮም ነይሮም።
ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ኮሚቴ ናይ ሓንቲ ቊሸት፡ ኣብቲ ኣብ ዕጽዋ ዘሎ ማሕበረሰቡ ኣስታት 125 ዝኾኑ ሰባት ብጥምየት ከም ዝሞቱ ዝገልጽ ዝርዝር ኣቕሪቡ ነይሩ።
ድሕሪ ነዊሕ ድኻምን ሃልክን ንመዓልታት ብእግሮም ተጓዒዞም ንከተማ መቐለ ዝኣተው ስድራ ቤታት ኣብ መገዶም ኣቝጽልትን ሰራውርን እናተመገቡ ህይወቶም ከምዘድሓኑ ገሊጾም።
ዳይረክተር ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ሓየሎም ከበደ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሓ ነርስታት ምሉእ መዓልቲ ዕኹቲ ቖሎ ተመጊበን ከምዝውዕላን፡ ንባዕላቶም ደቆም ብዓጸቦ ከምዝተጠቕዕዎምን ሓቢሩ።
ካብ ወርሒ ሰነ ኣትሒዙ ባንክታት ስለ ዝተዓጽወ፡ ሰራሕተኛታት ደሞዝ ከይተኸፍሉ ኣርባዕተ ወርሒ ገይሮም ኣለዉ ። ጥረ ገንዘብ እውን ስለዘየለ ዋጋታት ሃለኽቲ ኣዝዩ ንሂሩ ኣሎ።
ኣብ ነሓሰ፡ ልዕሊ 20% ካብቶም ዝተመዛበሉ ቘልዑ ብሕጽረት ምግቢ ከምእተጠቕዑ ዝገልጽ ጸብጻብ ነይሩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከኣ 79% ጥኑሳትን ዘጥብዋን ኣዴታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከባ ይሕብር።
እዚ ደረጃ ጥምየት እዚ ምስቲ ሳሕቲ ዝረአን፡ ኣብ 2011 ኣብ ሶማልያ ልዕሊ 250,000 ሰባት ዝቐዘፈን ዓጸቦ እዩ ዝነጻጸር።

ምንጪ ስእሊ, Ayder Hospital
“ምልክታት ዓጸቦ”
እቲ ውግእ ምስተወልዐ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘወሃሃድ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ዝወጽአ ሓበሬታ (ዳታታትን ካርታታትን) እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው እናኸፍአ ይኸይድ ከምዘሎ እዩ ዘርኢ።
እቲ ጸብጻብ ኣስታት 400,000 ሰባት፡ ኣብቲ ውሕስነት ፕሮግራም መግቢ ሕቡራት ሃገራት ንጥሜት ዝሰርዓሉ ደረጃታት ኣብ መበል ሓምሻይ ተርታ ከምዝርከቡ ይሕብር። እቲ መበል ሓሙሻይ ደረጃ ናይ ጥሜት መለክዒ ከኣ ዳርጋ ናብ ዓጸቦ ዝቀራረብ ስለዝኾነ ኣዝዩ ዘሰክፍን ዘሻቕልን እዩ።
እዚ ጸብጻብ እምበኣር መሰረት ናይቲ 400,000 ሰባት "ኣብ ዘሻቕል ጥሜት" ከም ዘለዉ ብተደጋጋሚ ክዝረብ ዝጸንሐ ዘረባ እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ከኣ እቶም ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝኾን ህዝቢ ትግራይ ብምሉኦም ህጹጽ ረድኤት የድልዮም ኣሎ ።
ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ካብ ትግራይ ዝተረኽበ ጭብጢ ንምግምጋም፡ ናይ ጥሜትን ዓጸቦን ኩነታት ዝግምግምን ዘጽንዕን ኮሚቴ ክኢላታት ውሕስነት መግቢ ኣንቀሳቒሱ ነይሩ። እቲ (FRC) ዝተሰምየ ናጻ ጕጅለ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ከጋጥም ምስ ዝኽእል ኩናትን ጥሜትን እንታይ ክስዕብ ከምዝኽእል ዝገልጽ ኣርባዕተ ተኽእሎታት ዘነጽር ጸብጻብ ኣዳልዩ ኣሎ።
እቲ ኲናት እናበርተዐ ብምምጽኡ እቲ ኩነታት ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ሰብኣዊ ሓገዝ ትሕቲ 10% ናይቲ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ ዝኣቱ ዘሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ባንክታት ምሉእ ብምሉኡ ስለዝተዓጽው ቁጠባ ተዳኺሙ እዩ። ኣገደስቲ ቀረባት የለን። ስለዝኾነ እቲ ኮሚቴ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም፡ "ካብ ማእከላይ ክሳብ ዝለዓለ" ደረጃ ጥሜት ከጋጥም እዩ ክብል ሓቢሩ’ሎ። እቲ ማእከላይ ዝበሃል ናይ ጥሜት ደረጃ ክሳብ ወርሒ መስከረም እቲ ዝለዓለ ጥሜት ከኣ ድሕሪ መስከረም ኣብ ዘሎ እዋናት ከምዘጋጥም ይገልጽ።
ግልጽን ቴክኒካውን ብዝኾነ ቋንቋ ዝቐረበ ጸብጻብ FRC፡ ህጹጽ ስጕምቲ ክወስድ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። ንሱ ከኣ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምርካብ ዝግበር ብርቱዕ ጻዕሪ ጥራይ ዘይኰነስ: እተን ትካላት ኣበይን ንመንን እንታይ ከም ዘቕርባ ምእንቲ ክፈልጣ ጽዑቕ ናይ ሓበሬታ ምትእኽኻብ ስራሕ ከካይዳ ይግባእ ይብል።
እቲ ትካል፡ ብዛዕባ ንሓበሬታ ምእካብን ኣጠቓላሊ ትንተናን ብዝምልከት ሓደ ገጽ ምሉእ እማመታት ኣቕሪቡ ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ ሰሙናዊ ምክትታል ክግበርን፡ ስሩዕ መርመራታት ጥሜት፡ ከምኡውን ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ምሉእ ዳህሳስን ገምጋምን ክግብር እውን ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
ይኹን እምበር ካብቲ ዝተዋህበ እማመታት ዛጊት ዋላ ሓደ ነገር ኣይተገብረን። ብርግጽ ውሑዳት ሰራሕተኛታት ዓለም ለኸ ረድኤት ናብ ትግራይ ክጉዓዙ ተፈቒዱሎም እዩ። እንተኾነ ዘተኣማምን ናይ ርክብ መሳርሒታት ከይማልኡ ተኸልኪሎም። ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ ዳታ ዝሕዙሉ ዩኤስ.ቢ ይኹን ተሌፎናቶም ስእሊ ከይህልዎ ኩሉ ተፈቲሹ እዩ ።
ነቲ ናይ ቀደም ናይ ኢትዮጵያ ጥሜት ጋዜጠኛታት እዮም ኣቃሊዖምዎ። ኢንግሊዛዊ ጋዜጠኛ ጆናታን ዲምብልቢ ነቲ ኣብ 1973 ዘጋጠመ "ዘይተፈልጠ ጥሜት" ናብ ዓለም ኣቕሪብዎ።
ነቲ ብ1984 ዘጋጠመ ጥሜት ከኣ ዋላ’ኳ እቲ ሽዑ ዝነበረ ወተሃደራዊ መንግስቲ ክሓብኦ እንተፈተነ ማይክል ቡረክን መሓመድ ኣሚንን ዝርከቡዎም ጉጅለ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ እዮም ኣቃሊዖምዎ።
እዚ ናይ ሕጂ መንግስቲ ከኣ ንኹሎም ጋዜጠኛታት ካብ ትግራይ ኣውጺኡዎም ኣሎ።
ብዛዕባ ናይ ረዲኤት ቃፍላይ ዘሎ ክትዕ
ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ፡ "ኣብ ትግራይ ጥሜት የለን" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ጥሜት "ቀልጢፉ" ክውን ከምዝኸውንን ሰባት ምግቢ ስኢኖም 'ክሞቱ ከምዝጅምሩን ብምግላጽ መንግስቲ ሓላፍነቱ ክስከም ኣተሓሳሲቦም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓላፍነት ናይ’ዚ ቅልውላው ነቲ 'ግብረ ሽበራዊ' ክብል ዝገለጾ ገዛኢ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ። ኣብ ርእሲኡ ሰራዊት ትግራይ ነቲ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምውሳድ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሮም ክብል እውን ይኸሶም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብተን ክልላት ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮም ብኵናት ዝተፈናቐሉ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝዀኑን ክንዲ ፍርቆም ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ሰባት ከምዘለውን ሓቢሩ። ይኹን እምበር እቲ ንሓቅታት ዘረጋግጽ ትካል ቢቢሲ (ፋክት ቸክ) እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐ ናይ ጥሜት ኣሳእል፡ ናይ ካልእ ግዜያትን ቦታን ምዃኑ ኣረጋጊጹ’ዩ።
እቶም ዝግስግሱ ዘለው ሓይልታት ትግራይ ናይ መግብን መድሃኒትን ጠለባት ይሓቱ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ዘተኣማምን ጸብጻብ ኣሎ ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግስጋሰ ሰራዊት ትግራይ ንመስመራትን ኣቕርቦን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝዓገቶ ይሕብር። ይኹን ምበር ኣብቲ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጓዓዓዘሉ ቀንዲ መስመር ሰመራ-ትግራይ ምንም ኵናት ከምዘየሎ እቶም ናይ መንግስቲ ምልሻታት ዕንቅፋት ከምዝፈጥሩ ትካላት ረድኤት ይዛረቡ።
ብተወሳኺ እተን ረድኤት ሒዘን ናብ ትግራይ ዝኣትዋ መካይን፡ ህወሓት ንናይ ኵናት መዓላ ከምዝጥቀመለን ይኽሰስ። እንተኾነ እቲ ሓቅትታ ዘጻሪ ትካል ቢቢሲ ግን እተን መካይን መምለሲ ነዳዲ ስለዘይረኽባ ከምዘይምለሳ ይገልጽ።
እቲ መንግስቲ፡ እዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዝበሃል ዘሎ ጥሜት ቅድሚ ኵናት ምጅማሩ ብሰንኪ ወራር ኣንበጣ ዝተኸስተን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ረድኤት የድልዮም ከምዝነበረ ይሕብር።
ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል ስለዝደፍኦ ህዝቢ ረጊኡ ክሓርስን ትካላት ረድኤት ኣብቲ ክልል ብዘይ ጸገም ናብ ዝደለየኦ ክጓዓዛ ክኢለን።
ሰብኣዊ ጸገማት ንምፍታሕ ከኣ መጀመርታ ናብ ትግራይ ምእታው የድሊ።
ሰበ-ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ረድኤት ንኸይጓዓዓዝ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ፖሊሲ መንግስቲ ምዃኑ ይገልጹ።
ብ29 መስከረም፡ ሓላፊ ናይቲ ኦቻ ዝተባህለ ትካል፡ ማርቲን ግሪፊዝ፡ "እዚ ጥሜት ሰብ-ሰራሕ ስለዝኾነ ብግብራዊ ስራሕ መንግስቲ ክፍታሕ ይኽእል እዩ" ኢሉ ነይሩ።
ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት እታ ሃገር ኢዶም ከእትው ፈቲኖም ንዝበሎም ሸውዓተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰጒጉዎም።
ሓላፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ኣብ ክፉት ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምስጓጕ ናይቶም ሰበ ስልጣናት ብግልጺ ብምኹናን ኢትዮጵያ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበራ ስምምዕ ብወግዒ ከምዝጠሓሰቶ ገሊጹ።
ብድሕርዚ ኢትዮጵያዊ ወኪል ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ታየ ኣፅቀ ስላሴ፡ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት 'ተደናገጽቲ ወያነ' እዮም ክብል ብተደጋጋሚ ክሲ ኣቕሪቡ። ኣቶ ጉተረስ ከኣ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምስ ዶክተር ኣቢይ ክልተ ግዜ ከምእተዘራረበን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ክሲ ዝምልስ ጭብጢን ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይሃበን ኣረዲኡ።
ኣብ ትካል ኦቻ ንሚስተር ማርክ ሎውኮክ ዝተክአ ሚስተር ግሪፊዝ ኣብ ሰነ ጡረታ ቅድሚ ምውጽኡ ብማዕከን ዜና PBS ኒውሸር፡ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ንትግራይ ከጥምያ ይፍትን ኣሎ ድዩ ?" ክብል ተሓቲቱ። "እወ" ክብል መሊሱ ነይሩ።
ሚስተር ሎውኮክ ቀጺሉ፡ "ንሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ንምጥማይ ዝግበር ፈተነ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ነገር ንምሽፋን ዝግበር ካልእ ፈተነ እውን ኣሎ" ክብል ተዛሪቡ ።
ተጋሩ ብጥሜት ይሳቐዩ ምህላዎም ዘተሓትት ኣይኮነን። እንተዀነ ግን: መኣዛዊ ኣመጋግባን ብጥሜት ብዛዕባ ዝስዕብ ሞት እኹል መጽናዕትታትን ስለ ዘየለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ዓጸቦ ጥሜት” ንከይእውጅ ተቖጢቡ ኣሎ። እዚ ከኣ ብምኽንያት ቴክኒካዊ ጸገማት ይጋደድ ኣሎ።
ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ G7 ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ጀፍ ፈልትማን ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው “ዓጸቦ” ምዃኑ ንምግላጽ፡ "መቓብራት ክንቆጽር ክንጽበ የብልናን" ብምባል፡ እቲ ኩነታት እናኸፍአ ይኸይድ ምህላው ኣጠንቂቑ ነይሩ። መደርኡ መጠንቀቕታ እዩ ነይሩ። ቅልጡፍ ስጕምቲ እንተ ዘይተወሲዱ ትንቢትን ፍርድን ክኸውን እዩ።
እቲ ሕቶ ኣብ ትግራይ ጥሜት ኣሎ ድዩ የለን ዘይኮነስ፡ እቲ ጥሜት ጠጠው ቅድሚ ምባሉ ክንደይ ሰባት ክሞቱ እዮም ዝብል እዩ ።
ኣሌክስ ደ ድዋል፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ቱፍትስ ናይ ሕግን ዲፕሎማስን መምህርን ሓላፊ ዓለማዊ ትካል ሰላምን እዩ ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







