ሓይልታት ትግራይ ሲቪላውያን ሰባት ዒላማ ይገብሩ ኣለዉ ዝብል ክሲ ከምዝቐረበሎም ተገሊጹ

ታንኪ

ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA

ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንሲቪላውያን ሰባት ዒላም ይገብሩን፡ ትካላት ጥዕናን ሰብኣዊ ሓገዝን ይዘምቱን ኣለዉ ዝብል ክሲ ከምዝቐረበሎም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

እቲ ልዕሊ 10 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣቐዲሙ ሓይልታት ፈደራል መላፍንቶም ዝኾኑ ሓይልታት ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ኣብ ትግራይ ግፍዕታት ከምዝፈጸሙ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ክወጹ ጸኒሖም'ዮም። እቲ ኣገልግሎት ዜና ከምዝብሎ፡ እቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ድማ ሕነ ናይ ምፍዳይ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ዝገልጹ ጸብጻባት ኣለዉ።

ብመሰረት'ቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ንፋስ መውጫ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ንብረት ሕክምና ከምዝዓነወን ኣብኡ ዝነበረ ቀረባት ከምዝተዘምተን ኤፒ ጠቒሱ።

"ንሲቪላውያን ሰባትን ትሕተ-ቅርጽን ዒላማ ኣይገበሩን ዝብል ሓሶት'ዩ" ክብል ብርሃኑ ዝተባህለ ኣካያዲ ናይቲ ሆስፒታል ከምዝተዛረበ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ሓይልታት ትግራይ ግን፡ ሲቪላውያን ሰባት ዒላማ ከምዘይገብሩ'ዮም ዝገልጹ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ብመገዲ ፈይስቡክ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ሰሜናዊ [ክልል] ኣምሓራ ካብ ዝርከብ መኽዘን ሰለሰተ ዝተረጋገጸ ፍጻሜታት ዝምታ ሰብኣዊ ሓገዝ" ከምዝነበረ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ፡ ኣብ መበል ራብዓይ ክፍለዘመን ዝተሃንጸ ጨጨሆ ዝተባህለ ደብሪ'ው ብከቢድ ብረት ከምዝተደብደበ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።

ብዛዕባ'ቲ ዝቐርበሎም ዘሎ ክስታት ብረቡዕ ግብረመልሲ ዝሃበ ኣፈኛ ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዝምታ ብናጻ ኣካል ክምርመር ከምዝድግፍ ብትዊተር ገሊጹ ነይሩ።

"ዋላ'ኳ ብዛዕባ ዝኾነ ዘይቅቡል ስነምግባር ካብ መስመር ዝወጸ ተጋዳላይ ክንዛረብ እንተዘይክኣልና፡ እቲ ዝምታ በቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ከምዝፍጸም ጭብጢ ኣለና። መርገጺና፡ እዚ ብናጻ መርመራ ተራእዩ'ዩ ክፍታሕ ዘለዎ" ኢሉ።

ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓይልታት ትግራይ 40 ሰባት ከም ዝቐተሉ ከምኡ'ውን ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሆስፒታላትን ካልኦት ትካላትን ከም ዘዕነዉ ከሲሶም ነይሮም።