ቅልውላው ትግራይ፡ ሓይልታት ትግራይ ንሕብረት ኣፍሪቃ ነቒፎም

ቤት-ጽሕፈት ኣፍሪቃዊ ሕብረት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቶም ኣንጻር ሰራዊት ፌደራልን ኣብ ጎኑ ተሰሊፎም ዘለው ሓይልታት ዝዋጋኡ ዘለው ሓይልታት ትግራይ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ 'ዘይሻራዊ' ኣይኮነን ክብሉ ነቒፎም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣቦ መንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት ሙሳ ፋቂ፡ ኣብቲ ዞባ ሰላም፣ ድሕነትን ፖለቲካዊ ዘተን ንምምጻእ ብዝብል ንፕረዚደንት ናይጄሪያ ነበር ኦሉሳጎን ኦባሳንጆ ላዕለዋይ ወኪል ቀርኒ ኣፍሪቃ ገይሩ ከም ዝሸሞ ይፍለጥ።

ድሕሪ ሹመት እቲ ልኡኽ ርኢይቶ ዝሃበ ህወሓት ግን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ኲናት ትግራይ ዘይሻራዊ ክኸውን እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ኣንጸባሪቑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንህወሓት ኣብ መዝገብ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኣስፊርዎ ከምዘሎን ፡ ንሳቶም ግን ሕጋዊ ኣመሓደርቲ ትግራይ ከም ዝኾኑን ይገልጹ።

ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ቅልውላው ብዝምልከት፡ ፈዴራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ስጉምቲ "ሕገ መንግስቲ ናይታ ሃገር ንምኽባር'ዩ" ብምባል፡ እዚ ኸኣ "ዝኾነት ሃገር ክትገብሮ ሕጋዊ ሓላፍነት ኣለዋ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ''ናይታ ሃገር ሓድነትን ምርግጋእን ንምውሓስ ተባዕ ስጉምቲ እዩ ወሲዱ'' ድሕሪ ምባሉ ካብ ብዙሓት ወገናት ነቐፌታታት ክበጽሖ ጸኒሑ።

እንተኾነ፡ እቲ ኣቦ ወንበር ክልቲኦም ወገናት ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ክዘራረቡ ጻውዒት ክገብር ከም ዝጸንሐን፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምምርማር ዘጻሪ ኣካል ኣበጊሱ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ሃለዋት እቲ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ብዝተወሰነ መልክዑ ኣሚኑ ዝተቐበለን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወገነን እዩ ክብል ነቒፉ።

ንሱ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ውድቡ ሽመት እቲ ኣሸማጋሊ ዝቃወም'ኳ እንተዘይኮነ እቲ ልኡኽ ግን "ውጽኢት ከምጽእ'ዩ ኢልካ ትጽቢት ምግባር ዕሽነት'ዩ" ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ምስ ህወሓት ንምዝታይ ፍቓደኛ ከም ዘይኮነ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።

እቲ ወሃቢ ቃል ብሰንበት፡ "ሰባት ከመይ ኢሎም ብኣድልዎ ሕማቕ ሽም ካብ ዝተዋህቦ ትካል ሃናጺ እጃም ክጽበዩ ይኽእሉ? ሓደ ቅልውላው ንምፍታሕ ዓቐን እቲ ጸገም ይትረፍ እሞ ብውሑድ ንህላውኡ ክትቕበል የድሊ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሩሲያን ቻይናን ዝድገፋ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት እቲ ቅልውላው ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ስለ ዝኾነ ዝኾነ ዓለምለኻዊ ጻዕሪ ብኣፍሪቃውያን መራሕቲ ወይ'ውን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቢሉ ክሓልፍ ኣለዎ ምባለን ይዝከር።

እቲ ኲናት ምኽንያት ምዝንባል ኣሽሓት ክኸውን እንከሎ፡ ሚልዮናት ንሓደጋ ጥምየት ከም ዝተቓልዑ ብምግላጽ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ክኽሰት ከም ዝገበረ ዓለምለኻዊ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ይገልጻ።

ኣብቲ ክልል ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ከም ዝርከቡን፡ መኽዝን ትካላት ረድኤት ጥርሑ ክብሃል ኣብ ዝኽእል ደረጃ ከም ዝርከብን'ውን ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።

ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2021 ንርእሰ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ንኣብዝሓ ከባቢታት ትግራይ ካብ ዝቆጻጸሩ ንድሓር፡ እቲ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒኹ ምኽንያት ምምዝባል ሰላማውያን ሰባት፣ ሞትን ዕንወት ንብረትን ይኸውን ከም ዘሎ ይግለጽ።

መንግስቲ፡ ህወሓት ኣብ ከባቢታት ኣምሓራ፡ ኣብ ልዕሊ ትካለት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ዝምታን ዕንወትን ከም ዝፈጸሙ፣ ኣባይቲ ከም ዝተቓጸለ ብምጥቃስ ቤት ጽሕፈት ቐዳማይ ሚኒስተር ይኸስስ።

ይኹን'ምበር እቲ ብህወሓት ዝምእዘን ንርእሱ 'ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ' ኢሉ ዝጽውዕ ኣካል "ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዝኾነ ይኹን ጭካነ ዝተላበሰ ተግባር ብትሪ ከምዝቃወም" ብምግላጽ ነቲ ዝቀረበሉ ክሲ ክነጽጎ ጸኒሑ እዩ።

ብሓፈሻ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓይልታቱ ኣብ ዝተቖጻጸርዎም ቦታታት ተፈጺሞም ዝበሃሉ ገበናት እንተሃልዮም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝስይሞ ዘይሻራዊ ኣካል ምጽራይ ክግበር'ውን ይሓትት።