ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ቆቦ ፍሉይ ቦታ ኣጋምሳ እንታይ’ዩ ተፈጢሩ?

ቅድሚ ትሸዓንተ ወርሒ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ፡ ኣብዚ እዋን ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተዘርጊሑ ዘሎ ኲናት፡ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ጉድኣት የብጽሕ ከምዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ። በዚ ድማ ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ተሓተትቲ ከምዝኾኑ ይዝረብ።
እቲ ኲናት ካብ ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ድሕሪ ምስጋሩ ‘ዘ ቴሌግራፍ’ ዝተባሃለ ጋዜጣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ሓምለ ኣብ ከባቢ ራያ ቆቦ ቀበሌ ኣጋምሳ 'ፈጺሞምዎ' ብዝበሎም ጃምላዊ መጥቃዕቲ፡ ከቢድ ጉድኣት ከምዝበጽሐ ጸብጺቡ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝተፈጸመን መንበሪ ገዛውቲ ኮነ ተባሂሉ ብሓዊ ክነዱ ከምዝተገበሩን ጸብጻብ ‘ዘ ቴሌግራፍ’ የመልክት።
ብወገን ንትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ሕጋዊ መንግስቲ ምዃኑ ዝኣምን ቅድሚ መዓልታት ዝተወሃበ መግለጺ ግን እቲ ኣብ ኣጋምሳ ተፈጺሙ ዝበሃል መጥቃዕቲ ሓይልታቱ ከምዘይወዓልዎ ብምሕባር ብዘይሻራዊ ኣካል ምጽራይ ክግበረሉ ሓቲቱ’ሎ።
ኣብቲ ዝግበር ምጽራይ ኣድላዪ ምትሕብባር ንምግባር ድልው ከምዝኾነ’ውን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ፤ እቲ መጥቃዕቲ እንትፍጸም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩን ኣብዚ እዋን ግን ናብ ካልእ ቦታ ዝሃደሙ ከምኡ’ውን ጉድኣት በጺሕዎም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ነበርቲ ከዘራርብ ኪኢሉ’ሎ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ቆቦ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ልዕሊ 40 ገጠር ቀበሌታት ሓንቲ ዝኾነት ‘ወርቄ ገበያ’ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጉድኣት ከምዝበጽሐ ይግለጽ።
ዋና ከተማ እቲ ውረዳ ካብ ዝኾነት ቆቦ ንኣንፈት ደቡብ ምብራቕ እትርከብ ወርቄ ገበያ፡ ብምዕራብ ሮቢትን ጎብዬን ዝባሃላ ነኣሽቱ ከተማታት፤ ብምብራቕድ ድማ ምስ ክልል ዓፋር እትዳበው ኮይና ነበርታ ብኸፊል ሓረስቶት እዮም።
ኣብታ ቀበሌ ከተማ ኣጋምሳ ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ሓምለ “ብዕጡቓት ህወሓት ተፈጺሙ” ዝተብሃለ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ብዛዕባ እቲ ክስተት ምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ኣጸጋሚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ምስ ኣተወ፡ ኣገልግሎት ስልኪ ብምቁራጹ እዩ።
ቢቢሲ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩን መጥቃዕቲ ምስተፈጸመ ካብቲ ቦታ ብምውጻእ ኣብ ካልኦት ከባብታት ዝርከቡ ነበርቲ ረኺቡ ኣዘራሪቡ’ሎ።
ኣይተ ኣደም ሑሴን ነባሪ ቀበሌ ወርቄ ገበያ ኮይኑ፤ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሓይልታት ትግራይ ብምምጻእ መጥቃዕቲ ብምፍጻሞም ካብ ወጋሕታ ሰዓት 12፡00 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሮም ነቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ብተኹሲ ከምዝገጠምዎም ይዛረብ።
ኣብቲ እዋን ንሶምን ካልኦት ዕጡቓት ነበርቲ እቲ ከባብን ብሓባር ኮይኖም ብዝገበርዎ ምክልኻል እቶም ሓይልታት ናብቲ ቦታ ክኣትዉን ክቆጻጸርዎን ዝገበርዎ ፈተነ ስለዘይተሳኽዐ “ነቲ ባዓልቶም ቦታ ሒዞም ይታኾሱሉ ዝነበረ መንደር ብኸቢድ መሳርሒ ደብዲቦም ኣንዲዶምዎ” ይብል።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ሰኑይ መዓልቲ 26 ሓምለ 2013 ዓ.ም ቀትሪ ሰዓት 7 [ኣ.ግ] ከምዝነበረ ዘዘኻኸረ ኣይተ ኣደም ኣብቲ ዝተገበረ ልውውጥ ተኹሲ ጉድኣት በጺሕዎ ካብቲ ቦታ ከምዝወጸአ ሓቢሩ።
ኣይተ ነጋ ካልእ ኣብቲ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝተገበረ ናይ ምክልኻል ውግእ ኣትዩ ዝነበረ ነባሪ እቲ ከባቢ እዩ።
“41 መንበሪ ገዛውቲ እናነደዱ ኣብቲ ቦታ ኮይነ ሪኤ እየ” ኢሉና።
“እቶም ዓመጽቲ ንሕና ንዝገበርናዮ ናብ ምክልኻል ውግእ ሓሊፎም ክኣትዉ ብዘይምኽኣሎም ስለዝሓረቑ እዩ” ዝብል ኣይተ ነጋ፡ ኣብቶም ገዛውቲ ክንደይ ሰባት ነይሮም ዝብል ከምዘይፈልጥ ብምሕባር፤ ብዙሓት ጥሪት ከምዝነደዳን ንብረት ከምዝዓነወን ገሊጹ።
ብተወሳኺ “ቂልጡ፣ ድቡስቃን ኣዲውድን ዝተባሃላ መንደራት ብመዳፍዕ ተደብዲበን እየን። ውሱናት መንበሪ ገዛውቲ ምስተቓጸሉ፤ እቶም ዕጡቓት ሓዊ ብኢዶም ሒዞም ንገዛውቲ ከቃጽሉ ርእየ እየ” ኢሉ።
ኮነ ተባሂሉ ብሓዊ ክዓንዉ ዝተገበሩ መንበሪ ገዛውቲ ብዙሓት ከምዝኾኑ ኣይተ ኣደምን ኣይተ ነጋን ይዛረቡ።
ክልቲኦም ቀበሊኦም ንምክልኻል ንልዕሊ ፍርቂ መዓልቲ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ከቢድ ልውውጥ ተኹሲ ከምዝገበሩ ብምዝራብ፤ ካብ ሞንጎ እቶም ዕቱቓት ነበርቲ 14 ሰባት ከምዝተቐተሉን ኣይተ ኣደም ዝርከብዎም 16 ሰባት ከምዝቖሰሉን ኣረዲኦም።
ነቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ካብ ዝመጽኡ ዕጡቓት ብዙሓት ከምዝተቐተሉ ዝዛረቡ እቶም ነበርቲ ኣብቲ ከባቢ ሰራዊት ምክልኻል ኮነ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ከምዘይነበረ ገሊጾም።
ካብ ነበርቲ ግን ከቢድ ናይ ምክልኻል ተኹሲ ከምዘጋጠሞም ዝዛረብ ኣይተ ኣደም “ነቲ መንደር ከቃጽልዎ ዝኸኣሉ ንሕና ፍሉይ ሓይሊ ከምዝኾንና ብምግማት እዩ። ነበርቲ እቲ ከባቢ ‘ኣብዚ ፍሉይ ሓይሊ የለን’ እንተበልዎም እውን ‘ሓሲኹም’ ብዝብል ሕነ ምፍዳይ ፈጺሞም” ኢሉ።
“እቲ ሓረስታይ ብረት ናይ ምዕጣቕ ባህሊ ስለዘለዎ እዩ ተወዲቡ ከባቢኡ ንምክልኻል ኣንጻሮም ዝገጠመ” ክብል ድማ ወሲኹ ገሊጹ።
ካልእ ኣብቲ ከባቢ ዝነብርን ኣብ ወቄት ገበያ ኣብ መንግስታዊ ሓላፍነት ስራሕ ዝነበረን፤ ኣብዚ እዋን ግን ኣብቲ ቦታ ዘየለ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ውልቀሰብ ከምዝብሎ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሎም ከባብታት ብዉሕድ ክሳብ 150 ገዛውቲ ከምኡ’ውን ካብ 800 ክሳብ 900 ነበርቲ ከምዝጸንሑ ግምቱ ሓቢሩ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ ብኸፊል ብሕርሻ ከምዝናበሩ ብምግላጽ ከኣ ብኣሽሓት ዝቑጸራ ጥሪት ከምዝነበርኦም ኣዘኻኺሩ’ሎ።
ልዕሊ 50 መንበሪ ገዛ ሓረስቶት ብኸቢድ ብረትን ብሓውን ክነዱ ከምዝተገበረ ዝዛረብ እቲ ውልቀሰብ “ሓደ ሽማግለ ኣብ ውሽጢ ገዝኦም ተቓጺሎም’ዮም” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሽዑ ምስቶም ሓይልታት ኣብ ዝተገበረ ውግእ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ደሴ ክትትል ሕክምና ዝግበረሉ ዘሎ ኣይተ ኣደም “መራሒ ሸሞንተ ኣባላት ዘለውዎ ስድራ እየ። ንኸባቢየይ ኣብ ምክልኻል እናተታኾስኩ ቆሲለ ኣለኹ። ኣሕዋተይ ናብ ሆስፒታል ደሴ ሒዞምኒ እናመጽኡ ከለዉ በዓልቲ ገዛይ ከምዝሓረሰት እውን ነጊሮምኒ። ሕዚ ግን ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ከምዘላ ኣይፈልጥን” ኢሉ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ደቡብ ወሎ ኣብ ዝርከቡ ትካላት ጥዕና ኮኑ ምስ ሰባት ተጸጊዖም ዝርከቡ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸሞ ቦታ ዝመጽኡ ሰባት ስልኪ ብምቁራጹ ብዛዕባ ደሃይ ቤተሰቦም ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘየለ ይዛረቡ።
ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ’ውን ናብ ካልኦት ወረዳታት እቲ ክልል ተሰዲቶም ኣለዉ። ወረዳ ራያ ቆቦ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ብምእታዉ ዝሰዓበ ጉድኣት ብዝምልከት ካብ ሹመኛታት እቲ ከባቢ ሓበሬታ ምርካብ ኣይከኣልናን።
ነዚ ክስተት ብዝምልከት ‘ዘ ቴሌግራፍ’ ዘውጽኦ ጸብጻብ ስዒቡ፤ እቲ ብህወሓት ዝምራሕ “ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ” ከምዝኾነ ዝኣምን፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታቱ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸሙ ምግላጹ ይዝከር።
“ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዝኾነ ይኹን ጭካነ ዝተላበሰ ተግባር ብትሪ ከምዝቃወም” ብምግላጽ ነቲ ዝቀረበሉ ክሲ ነጺግዎ’ሎ።
ብሓፈሻ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓይልታቱ ኣብ ዝተቖጻጸርዎም ቦታታት ተፈጺሞም ዝበሃሉ ገበናት እንተሃልዮም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝስይሞ ዘይሻራዊ ኣካል ምጽራይ ክግበረሉ ሓቲቱ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







