ቅልውላው ትግራይ: ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዕስክርና ብቑዕ ዝኾነ ኩሉ ክኸትት ጻውዒት ቀሪቡ

ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣገኘሁ ተሻገር

ምንጪ ስእሊ, Amhara Media Corporation

ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዕስክርና ብቑዕ ዝኾነ ኩሉ መንእሰይ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ክኸትት ፕረዚደንት እቲ ክልል ኣቶ ኣገኘው ተሻገር ጻውዒት ከም ዘመሓላለፈ መራኸቢ ብዙሓን እቲ ክልል ጸብጺቡ።

እቲ ፕረዚደንት ሎሚ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ክተት ጻውዒት “ናይ መንግስቲ ብረት ዝዓጠቐ፣ ናይ ውልቁ ብረት ዘለዎን ብቑዕ ዝኾነ ዘበለ ኩሉ መንእሰይ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ናናይ ህልውና ወፍሪ ይኽተት” ኢሉ።

ፕረደዚደንት ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ብዓርቢ ተመሳሳሊ ጻውዒት ዘመሓላለፈ ኮይኑ ክልል ኣምሓራ ክልተ መዓልትታት ድሒሩ ነዚ ጻውዒት ምቕራቡ፡ ነቲ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከየዕርጎ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ኣቶ ኣገኘው ንህልው ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት “ዘሎን ዘየሎን ሓይሉ ብምጥቃም ናይ መጥቃዕቲ ፈተነታት የካይድ ኣሎ” ክብል ከሲሱ።

ዝተፈላለዩ ክልላት ዝገብርዎ ዘለው ድጋፍ ታሪኻዊ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ርእሰ ምምሕዳር፤ ቅድሚ ሕጂ’ውን ህዝብን ሰብ ሃብትን እቲ ክልል ዝሃብዎ ግብረመልሲ ሓጋዚ ምንባሩ ተዛሪቡ።

ሓይልታት ትግራይ ንከተማታት ኮረምን ኣላማጣን ድሕሪ ምቁጽጻሮም ዝተፈላለዩ ክልላት እታ ሃገር ናብቲ ከባቢ ሰራዊት ምልኣኾም ተገሊጹ እዩ። ወሃቢ ቃል ሓይልታት ትግራይ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ነፍሲ ወከፍ ስድሪ መሬት ትግራይ ሓራ ክሳዕ እትከውን” ክቃለሱ ምዃኖም ሓቢሩ ነይሩ።

ሓይልታት ትግራይ፡ እዚ ኲናት ድሕሪ ምውልኡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣምሓራ ዝርከብ ምዕራባውን ደቡባውን ከባቢታት እታ ክልል ግዝኣቱ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝኾነን ሌተናንት ጀነራል ባጫ ደበሌን ህዝቢ ንሰራዊቱን መንግስቱን ድጋፍ ክገብር ጻውዒት ድሕሪ ምቕራቦም ዝተፈላለዩ ክልላት፡ ሓይልታቶም ይልእኹ ኣለው።

“እቲ ናይ ክተት ጻውዒት ንኣምሓራን ኢትዮጵያን ንምድሓን እዩ” ዝበለ ኣቶ ኣገኘው፡ ኩሉ ነቲ ጻውዒት ተቐቢሉ “ንወፍሪ ጸረ-ህወሓት” ክዳሎ ይግባእ ኢሉ።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ምስ ሰራዊት ምክልኻል ብምዃን ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ይዕወት ከም ዘሎ ዝገለጸ እቲ ርእሰ ምምሕዳር፡ ኩሉ ዝርዝር ሓበሬታ ስለዘይግለጽ ህዝቢ ብትዕግስቲ ክጽበ ሓቲቱ።

ኣፈኛ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ትግራይ “ኣብ ቆቦ፣ ዓዲ ዓርቃይን ጨው በርን ንዝነበሩ ናይ መወዳእታ ሓያል ድፋዓት ኣፍሪሱ ኣሎ” ኢሉ።