ኢትዮጵያ፡ ካብ ከባቢታት ሰሜን ወሎ ተመዛቢሎም ናብ ደሴ ዝኣተው ተመዛበልቲ ዘለውሉ ኩነታት

ከተማ ደሴ

መጀመርታ ሰለስተ ደቃ ሒዛ ካብ ራያ ኣላማጣ ከም ዝተመዛበለት እትዛረብ ሽማ ክጥቀስ ዘየፍቀደት ኣደ፡ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ትግራይ ምስ ወጽአ ብሸነኽ ኣላማጣ ብምኽንያት ዝነበረ ውግእ ከም ዝተመዛበለት ትገልጽ።

ሽዑ ናብ ቆቦ ብምኻድ ምስ ኣዝማዳ ከም ዝተዓቖበት ሓቢራ።

እንተኾነ ብዙሕ ከይጸንሐት ናብ ወልዲያ ተመዛቢላ፤ ኣብቲ ከባቢ ብዝጸንሓ ስግኣት ጸጥታ ስለ ዘይሃደት ድማ መሊሳ ናብ ደሴ ከም ዝኸደት ትዛረብ።

ናብዞም ቦታታት ንምብጻሕ ጸገም መጓዓዝያ ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር፡ ብመኪናን ብእግርን እናተጉዓዘት ደሴ ከም ዝኣተወት ገሊጻ።

ካብ ገዝኣ ዋላ ሓደ ነገር ከይሓዘት ክትወጽእ እንከላ፡ ብምኽንያት እቲ ዝትኮስ ዝነበረ ከቢድ ብረት ደቃ ከም ዝተሰናበዱ ትዛረብ።

"ፈጣሪ ነዚ ጸገም ይፍትሓልና እምበር ካልእ እንታይ ክብሃል ኮይኑ? ከም ብዋዛ ካብ ጎንና ብሞት ዝስኣንናዮም ኣሕዋትና፣ ጎረባብትናን ፈተውትናን ኣለው። ንሕና ብህይወት ተሪፍና ኣብዚ ኣለና" ትብል።

እዛ ኣደ ኣብ ደሴ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዳውዶ ከም ዘዕቖበትን ረድኤት ይግበረሎም ከም ዘሎም ሓቢራ።

ካልእ ኣዲሱ ዝተባህለ ነባሪ ከተማ ወልዲያ፡ ኣብዚ ሰሙን ብዘጋጠመ ጸገም ካብ ሞንጎ ዝተመዛበሉ ሓደ እዩ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን'ውን ካብ ቆቦ ዝተመዛበሉ ቤተሰቡ ኣብ ደሴ'ዮም ዝርከቡ።

ናብ ደሴ ንምኻድ ዘኽእል ናይ መጓዓዝያ ኣማራጺ እንተሃለወ'ውን፡ እቲ ካብ 100 ብር ዘይዛይድ ዝነበረ ታሪፍ ሕጂ ካብ 500 ክሳብ 1000 ብር ስለ ዝኾነ ከም ዝተጸገሙ ኣዲሱ ይዛረብ።

ኣብ ሞንጎ ደሴን ወልዲያን ኣብ ዘለው ከባቢታት ብዘሎ ግጭት መጓዓዝያ'ውን ጠፊኡ ነይሩ ይብል።

ኣብዚ ግዜ፡ ቖልዑት ሒዙ ብእግሩ ናብ ደሴ ከም ዝኣተወ ተዛሪቡ።

ገለ ከባቢታት ሰሜን ወሎ ኲናት ይካየደሎም ብምህላዩ ልዑል ቑጽሪ ዘለዎም ሰባት ተመዛቢሎም ኣብ ደሴ ይርከቡ።

እዚ ንምትእንጋድ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣርባዕተ ኣብያተ ትምህርቲ ንግዝያዊ መዕቖቢ ክኾኑ ከዳሉ እንከሎ፡ ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዝግበረሎም ኣዲሱ ሓቢሩ።

ብረቡዕ ካብ ከባቢታት ሰሜን ወሎ ዝተመዛበሉ ብርክት ዝበሉ ሰባት ናብ ደሴ ከም ዝመጽኡ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና መግብን ደቡብ ወሎ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ሓላፊ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣቶ መሳይ ማሩ እቶም ተመዛበልቲ ገሊኦም ምስ ዘመድ፣ ገሊኦም ድማ ኣብ ኪራይ ገዛ ከም ዘለው ሓቢሩ።

"መዓልታዊ ቑጽሪ ተመዛበልቲ ይውስኽ ኣሎ" ዝበለ እቲ ሓላፊ እቲ ብዝሒ ንምግላጽ ከም ዝጽገም ግን ገሊጹ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዘዘራረብናዮ ከንቲባ ከተማ ደሴ ኣቶ ኣበበ ገብረመስቀል ቑጽሪ እቶም ተመዛበልቲ ምፍላጥ'ኳ እንተዘይተኽኣለ ካብ 10 ክሳብ 15 ሽሕ ዝግመት ህዝቢ'ዩ ኢሉ ነይሩ።

ዞባ ደቡብ ወሎ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ክልላት ቤንሻንጉል ጉሙዝን ኦሮሚያን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ዝተመዛበሉ ሰባት የተኣናግድ ምህላው ዘዘኻኸረ ኣቶ መሳይ፡ ቐረብ መግቢ እንተሃለወ'ውን ኣልባሳትን ካብ መግቢ ወጻኢ ዝኾኑ ቐረባትን ግን ከም ዝሓጽሩ ሓቢሩ።

"ዕርቃኖም'ዮም ዝመጽኡ ዘለው፤ ዝሓዙዎ ነገር የብሎምን። እቲ ቑጽሪ እናወሰኸ እንተኸይዱ ቐረብ መግቢ'ውን ክንጽገም ንኽእል ኢና" ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ መንግስቲ ፌደራል'ውን በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣዊጁ ካብቲ ክልል ከም ዝወጽአ ክሕብር እንከሎ፡ ሓይልታት ትግራይ ንመቐለ ሓዊሱ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ካብ ዝቆጻጸር ንድሓር፡ እቲ ግጭት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከም ዝለሓኾ ይፍለጥ።

በዚ ምኽንያት ካብ ክልቲኦም ክልላት ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ከም ዝተመዛበሉ መንግስቲ ይገልጽ።

ብሓሙስ መግለጺ ዝሃበት ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም እቶም ተመዛበልቲ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም'ኳ እንተኾኑ ማሕበረሰብ ዓለም ግን ትኹረት ኣይገበረሎምን ኢላ።

እንተኾነ መንግስቲ ዘለዎ ረድኤት የቕርብ ዘሎ ኮይኑ፡ ተወሳኺ ሓገዝ ንምቕራብ ምስ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይዘራረብ ምህላው ገሊጻ።