ቡን ክሰቲ ጽርግያ ከቋርጽ ብዘጋጠሞ ሓደጋ ህይወቱ ዝተሓላለኸ መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, ADDIS
መራሒ ዓባይ መኪና ዝኾነ ኣዲስ ዘመን ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት፡ መኪንኡ ዓሺጉ ቡን ንክሰቲ ጽርግያ ከቋርጽ ብዘጋጠሞ ሓደጋ መኪና ንሓሙሽተ ዓመታት መቋርንቲ ዓራትን ኣደዳ ስቃይን ኮይኑ ኣሕሊፍዎ።
ብሰንኪ እቲ ዘጋጠሞ ሓደጋ፡ 14 ግዜ መጥባሕቲ ከም ዝገበረን ንሕክምና ዝኾኖ ገንዘብ ስለ ዝሓጸሮ ኣብ ጎዶናታት ኣዲስ ኣበባ ወጺኡ ንክልምን ከም ዝተገደደን ኣዲስ ዘመን ይሕበር።
ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣዲስ ዘመን፡ ዓባይ መኺና መሪሑ ብዝረኽቦ ኣታዊታት ን15 ዓመታት ህይወቱ ይመርሕ ነይሩ።
እቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ዘጋጠሞ ሓደጋ ግን መንግዲ ህይወቱ ቀይሩዎ።
ብኣቋጻጽራ ግእዝ 15 ሕዳር 1999 ኣማኢት ኪሎ ሜትራት ዘዊሩ፡ ካብ ከተማ ደሴ ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ ቦታ ኣብ እትርከብ ከተማ ኩታበር ነብሱን መኪንኡን ከዕርፍ ደው ኢሉ።
ምስ ከምኡ መኪና ዝመርሕ ፈላጢኡ ደው ኢሎም ድሕሪ ምዕላል ስግር ጽርግያ ኣብ ዝርከብ እንዳ ቡን፡ ቡን ንኽሰትዩ እናኸዱ እንከለዉ ኣብ ሞንጎ ሓደ ዘይተሓሰበ ክስተት ኣጋጢሙ።
"ግልጽ ምስ በልኩ ፒክ ኣፕ ዝዓይነታ መኪና መራሒኣ የማን ጸጋም እናኣጻፍዓ ክመጽእ እንከሎ ተዓዚበ ነቲ ምሳይ ዝነበረ ዓርከይ ንድሕሪት ደፊአ ኣነ ኸኣ ናብ ኣንጻር ክጎዩ ጀሚረ። ካብ ጽርግያ ዓሰርተ ሜትሮ ዝኸውን ጎየ፤ ክድሕን ግን ኣይክኣልኩን። እታ መኪና ናብቲ ዝነበርክዎ ሓመድ መጺኣ ኣብ ሰለስተ ክፋል ኣካላተይ ረጊጻትኒ" ብምባል ነቲ ዝነበረ የዘንትዎ።
እታ መኪና ኣብ መጀመርታ ብቅድሚታ ምስ ሃረመቶ ወዲቑ።
ብድሕሪ እዚ እናደፍኣቶ ኣብ ኣፍልቡን ኣብ ክሳዱን ከቢድ መጉዳእቲ ኣውሪዳትሉ፤ "ብድሕሪ እዚ ዘጋጠመ ኣይዝከረንን'ዩ" ይብል።
"ኣዘውረኒ'ባ" ዘምጽኦ መዘዝ
ኣብ ልዕሊ ኣዲስ ዘመን ሓደጋ ዘውረደ ውልቀሰብ ናይ መኪና ምምራሕ ልምዲ ዘይነበሮ "ኣዘውረኒ" ኢሉ ካብ መራሒኣ ዝተረከባ ዋና እታ መኪና እዩ።
ልምዲ ዘለዎ መራሒ መኪና እንተዝኸውን "ብዙሕ ሓደጋ ኣይመጋጠመንን" ይብል ኣዲስ ዘመን።

ምንጪ ስእሊ, ADDIS
"ሰብ መኪና ክላመድ እንተኾይኑ'ኮ ምምራሕ መኪና ዝምህራ ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዋ። ነዚ ናተይ ስንክልና ዝረኣየ ሰብ መቸም ዳግማይ መኪና ዘዊሩ ንዘይክእል ሰብ መኪንኡ ኣይክህብን'ዩ ኢለ ይኣምን" ድማ ይብል።
ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሰለስተ ሆስፒታላት ሕክምናዊ ናብዮት ክግበረሉ ዝጸንሐ ኣዲስ ዘመን 14 ግዜ እዩ መጥባሕቲ ተኻይድሉ።
ኣብቲ ብኸቢድ ዝተሃሰየ ክፋል ኣካላቱ ብሕክምና ሓጺን ኣትይዎ ኣሎ።
ብርኩ ኣይዕጸፍን'ዩ፤ ነዊሕ ክጉዓዝ ኣይክእልን ክስጉም እንከሎ'ውን ይሕንክስ እዩ።
ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ህይወቱ ተሓናኺሩ'ዩ።
"እግረይ ረኺሱ ኣብ ጎዶናታት ወጺአ ካብ ህዝቢ ሳናቲም ንክልምን ተገዲደ" ዝብል ኣዲስ እቲ ሓደጋ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ብኻልእ ሰብ ገይሩ ክልተ ግዜ ናይ ሕክምና ወጻኢኡ ሸፊንሉ ነይሩ።
ድሕሪኡ ግን ድሃዩ ከም ዘይብሉ እዩ ዝሕብር።
ምስቲ ሓደጋ ብዝተሓሓዝ ቤት ጽሐፈት ፋንድ ጽርግያታት 40 ሽሕ ብር እኳ እንተሓገዞ እቲ ናይ ሕክምና ወጻኢታቱ ግን ንህይወቱን ናብርኡን ከምዝተፈታተኖ እዩ ኣዲስ ዘመን ዝዛረብ።
17 ኣብያተ ትምህርቲ ከህንጽ ዝኽእል ንብረት ዓንዩ ኣሎ
ኣብ ኢትዮጵያ ሓያሎ ከም ናይ ኣዲስ ዘመን ዝመሳሰሉ ሓደጋታት ኣለው። እቲ ቁጽሪ'ውን ካብ ዕለት ናብ ዕለት'ዩ ዝውስኽ።
ብሰንኪ እቲ ዘጋጥም ሓደጋታት ዝተጎድኣ ስድራ ንድሕሪት ዝተመለሰ ህይወት፣ ህይወቶም ዝሓለፈን ህይወቶም ብስቓይ ዘሕልፉ ዘለዉን ቁጽሮም ውሑድ ኣይኮነን።
ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ዝተረኸበ ሰነድ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብዛ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ተላዒልዋ ዘሎ ዓመተ 2013 ናይ ክልላት ትግራይን ሲዳማን ከይተሓወሶ ብሰንኪ ሓደጋ ትራፊክ 1849 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።
ብዘይካ እዚ ልዕሊ 2600 ሰባት ከቢድ ሓደጋ፣ 2500 ከኣ ፎኲስ ዝብሃል ሓደጋ ኣጋጢምዎም ኣሎ።
ብሰንኪ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ዘጋጠመ ሓደጋታት ልዕሊ 459 ሚልዮን ብር ዝትመን ንብረት ዓንዩ ኣሎ።
እዚ ገንዘብ 17 ብ29 ሚልዮን ብር ኣብ ቀረባ ኣብ ደሴ ዝተሃነጸ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ከስርሕ ዝኽእል ገንዘብ እዩ።
ኣብ ሚኒሰትሪ መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ጽርግያት ዝኾነ ኣቶ ዮናስ በለጠ ሓደጋ ትራፊክ "ብዙሕ ኣፍራይን ምሁርን ኣካል ሕብረተስብ" የጥፍእ ኣሎ ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, MOTTA CITY COMMUNICATION
ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ሓላፊ ክፍሊ ሕክምና ኣዕጽምቲ ዶክተር ብሩክ ላምቢሲ ብወገኑ ሓደጋታት ትራፊክ ኣብ ሆስፒታላት ዓቢ ጸቅጢ ይፈጥር ምህላዉ እዩ ዝሕብር።
"72 ሚኢታዊት ተሓለምቲ ሓደጋ መኪና ኣጋጢምዎም ዝመጽኡ እዮም"
ዶክተር ብሩክ ሓደጋታት ትራፊክ ኣብ ሕክምና ዝፈጥሮ ዘሎ ጸቅጢ፡ ካብ ለገስቲ ዝእከብ ደም ብምጥቃስ ከረድእ ይፍትን።
ኣብ እዋን ወሊድ ንዘጋጥም ናይ ደም ምፍሳስ ንዝልገስ ደም "እቲ ዝበዝሐ ነቶም ሓደጋ ናይ መኪና ኣጋጢምዎም ዝመጽኡ ኢና ንጥቐመሉ" ይብል።
እቲ ሓደጋታት ብዝሒ ኣንቡላንስ ናብኡ ንክዋፈራ ዘገድድ ከም ዝኾነን "ብዙሕ ግዜ መደብ ዝተተሓዞ መጥባሕቲ ገዲፍና ናብቲ ሓድሽ ሓደጋ ክንጓየ ንግደድ ኢና" ኢሉ ዶክተር ብሩክ።
ብምስዓብ "ንሕና ካብ ዘለና ሰነድ ብምብጋስ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት ካብ እንህቦም ተሓከምቲ እቶም 72 ሚኢታዊት ናይ መኪና ሓደጋ ኣጋጢምዎም ዝመጽኡ እዮም" ድማ ይብል።
ዶክተር ብሩክ እዚ ኣሃዝ እዚ ናይ ሓደ ዓመት ዝተወሰደ ሰነድ ዘይኮነ፡ ናይ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ሰነድ ብምውካስ ዝተረኸበ ምዃኑ እዩ ዝሕብር።
"ክሳብ እቶም ዝሞቱ ይሕሹ ዝብሃለሎም ኣብ ስቃይ ዝነብሩ ዘለዉ"
"ብሓቂ ከመይ ኢሉ ብህይወት ክተርፍ ክኢሉ ንብለሉ ሓደጋታት ኣሎ" ዝብል ዶክተር ብሩክ "እግሮምን ኢዶምን ዝተቖረጹ መንእሰያት፡ ርእሶም ተሃሪሞም ኣእምሮኦም ዝተመዛበለ ሰባት ኣጋጢሞሙኒ ኣለዉ" ይብል።
ብሰንኪ ዘጋጠሞም ሓደጋ ክዛረቡ ዘይክእሉ፣ ዝለመሱ፣ ኣቡኦም ንግሆ ብሰላም ወጺኡ ብድሕሪ እዛ ዕለት እዚኣ ቁሩን ናይ ዓረብያ ኮይኑ ክርእዩ እቲ ስቃይ ቀሊል ኣይኮነን ክብል የረድእ።
"ሓደ ሓደ ግዜ እቶም ዝሞቱ ይሕሹ ንብለሉ ከቢድ ሓደጋን ስንክልናን ዘጋጠሞም ሰባት ንሕክም ኢና፤ ርእሶም ተሃሪሞም ድሕሪ እቲ ሓደጋ ኣእምርኦም ክቆጻጸሩ ዘይክኣሉ ሰባት'ውን ኣለዉ" ይብል።
ጠንቂ እቲ ሓደጋታት እንታይ እዩ?
ኣብ ሚኒሰትሪ መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ጽርግያት ዝኾነ ኣቶ ዮናስ በለጠ፡ ብትራፊክ ካብ ዘጋጥሙ ሓደጋታት እቲ 40 ሚኢታዊት ልዑል ፍጥነት ዘበገሶ ከም ዝኾነ እዩ ዝሕብር።
ብለይቲ ምጉዓዝ፣ ሰቲካ መኪና ምምራሕን ኣደንዛዚ ወልፊ ወሲድካ መኪና ምዝዋርን ድማ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ጥንቂ ሓደጋታት ተሰሪዑ ዘሎ እዩ።
ዘይጥጡሕ ጽርግያታት'ውን ሓደ ካብ ጠንቂ ሓደጋታት ኮይኑ፡ ብተደጋጋሚ ሓደጋታት የጋጥመሎም ኣሎ ዝተብሃሉ 10 ዝኾኑ ቦታታት ብሓፈሻ 200 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ቦታታት ፍታሕ ንክናደየሎም ናብ ብዓል መዚ መንግድታት ኢትዮጵያ ሓቢርና ኢሉ።
"እቲ ቀንዲ ግን ኣብ መራሕቲ መካይን ሰፊሕ ስራሕ ክስራሕ ከም ዘለዎ ክንርዳእ ክኢልና ኣለና" ይብል።
ብሓደ መኪና መሪሑ ዘይክእል ሓደጋ ዘጋጠሞ ኣዲስ ዘመን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ተቆጺሩ ይሰርሕ ኣሎ።
እቲ ስቃዩን ስንክልንኡን ግን ምስኡ እዩ ዘሎ።
ኣዲስ ዘመን "ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ሓደጋ ምስ እትፍጽም፡ ንዕኡ ጥራይ ኣይኮንካን ንሞት ወይ ንስቃይ ተቃልዖ ዘለኻ፡ ንሱ ዝረድኦም ኣዲኡ ወይ ኣቡኡ ኣካል እቲ ስቃይ እዮም፡ ንዝኣልዮም ደቁ ኣሕዋቱን'ውን ብተመሳሳሊ ኣካል እቲ ስቃይ እዮም" ይብል።
ብሰንኪ ሓደጋታት ትራፊክ ብዙሓት ከም ዝሞቱ፡ ከም ዝሰንከሉን ዝገልጽ ኣዲስ ዘመን ብሰንኪ እዚ ዝተበታተና ስድራቤታት ዝዘኽተሙ ቆልዑን ዝዓነወ ንብረትን ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ።
ብሰንኪ ሓደጋ ትራፊክ ህይውቱ ሕንክርክር ዝበለ ኣዲስ ዘመን ኣብ መወዳእታ "ንነብስናን ንኻልኦትን ክንብል መካይንና ብሓላፍነትን ብጥንቓቐን ንምራሕ" ይብል።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







