ኣብ ቻይና ነዳዲ ዝጸዓነት መኪና ተባሪዓ 19 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዱባዊ ምብራቕ ቻይና፡ ነዳዲ ዝጸዓነት መኪና ብምንታጓ ህይወት 19 ሰባት ክሓልፍ እንከሎ፡ ልዕሊ 170 ሰባት ድማ መጉዳእቲ ከምዝበጽሖም መራኸብቲ ብዙሓን ቻይና ጸብጺበን።
እታ መኪና፡ ብመልክዕ ፈሳሲ ዝተዳለወ ናይ ተፈጥሮ ነዳዲ ጽዒና ኣብ ግዝኣት ዠጂያንግ ኣብ ዝርከብ ዓብዪ ጎደና ብናህሪ እናተጉዓዘት እንከላ እያ ተባሪዓ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝተዘርግሑ ስእልታት ኣብቲ ኸባቢ ዝዓነወ ድልድል፣ ፍርስራስ ንዝተገልበጣ መኻይንን የርእይ።
እቲ ነትጒ፡ ፈለማ ኣብ ጥቓ ከተማ ዌንሊንግ ኣብ ዝርከብ ሊያንግሻን ዝበሃል ከባቢ እዩ ኣጋጢሙ፡ ካልኣይ ድማ፡ እታ መኪና ኣብ ጥቓ እቲ መገዲ ምስዝነበረ ሓደ ፋብሪካ ምስተጋጨወት እዩ ኣጋጢሙ።
ከንቲባ ከተማ ዌንሊንግ ዝኾነ፡ ዡ ሚንግሊያን፡ ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ልዕሊ 2600 ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ተዋፊሮም ከምዘለዉ ተዛሪቡ።
መንቀሊ ናይቲ ሓደጋ ይጻረይ ምህላዉ'ውን ሰበ ስልጣን ገሊጾም።
ጸብጻብ መራኸብቲ ብዙሓን እታ ሃገር ከምዝብሎ፡ ነታ መኪና ዝውንን ትካል፡ ቅድሚ ሕዚ ናይ ጥዕናን ውሕስነትን ሕግታት ብምጥሓስ 11 ግዜ ተቐጺዑ ዝነበረ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ቻይና ገፋሕቲ ናይ ናህሪ መገድታት ዝሃነጸት ኮይና፡ እዚ ድማ ብዝሒ ሓደጋ ትራፊክ ክውስኽ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።
ጸገም ውሕስነት መገዲን መጓዓዝያን ናይታ ሃገር ስግኣት ኮይኑ ቀጺሉ'ሎ።
ሓበሬታ ትካል ጥዕና ዓለም ከምዘርእዮ፡ ኣብ ዓመት ልዕሊ 200 ሽሕ ቻይናውያን ብሓደጋ ትራፊክ ህይወቶም ይስእኑ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







