ኣርባዕተ ዩኒቨርሲታት ኢትዮጵያ ቋንቋ ቻይና ብደረጃ ዲግሪ የምህራ

መምሃራን ቋንቋ ቻይና ዩኒቨርሲቲ መቐለ (መምህርት ሄለን ገብረ ገርግስ ኣብ ማእኸል)

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ቀፅሪ ዓዲ ሓቂ ቻይናዊት መምህር ጠረጴዛ እናተኹቶኻ ደድሕረይ ከምዚኣ በሉ እናበላ ኩርይምርይ ይብላ። ካብ ዕስራ ዘይዛይዱ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ኸዓ ዘዝበለኦ ይደግሙ።

ቀፂለን ድማ "በሉ ተተጐጂልኩም እቲ ዘምሀርኩኹም ልመድዎ" ይብለኦም። ብድሕሪኡ እቲ ክፍሊ ብጉዝምዝም ተምሃሮ ይደምቕ። ድምፆም ድምፂ እቶም ኣብ እግሪ ሳግላ ግዕዝን መልእክተ ዮሃንስን ዘፅንዑ ተምሃሮ ቤተ ክህነት ይጥዕም።

ንምዃኑ ቋንቋ ቻይና ብደረጃ ዲግሪ ንምንታይ እዩ ዝወሃብ ዘሎ? ተምሃሮ በቲ ቋንቋ በቒዖም ምስ ሰልጠኑ ዕድል ስራሕ ይረኽቡ ዶ? ብዛዕባ እዚታት ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ንላዕለዋይ ሓላፊ ቋንቋታት ወፃኢ ሃገራትን ስነ ፅሑፍን ንዶክተር ኢሳይያስ ታጀበ ሓተትኩ።

"ምስተን ሃገራት ስጡም ርክብ ንኽህልወና ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ብፍላይ ድማ ብንግዲ፣ ትምህርቲ፣ ኢንቨስትመንትን ስግግር ተክኖሎጂን ንምጥንኻር እቶም ዝመሃሩ ዘለዉ ተምሃሮ ዓብዪ እጃም ኣለዎም። ቋንቋኦም ተማሂርና በቲ ዝሰምዕዎ ኣረዲእና ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ናብ ሃገርና ንምስሓብ ይጠቅም። ብፍላይ ኣብ ቻይና ልዕሊ 90 ሚኢታዊ እንግሊዝኛ ዘይሰምዕ ህዝቢ እዩ ዘሎ። ብቋንቛኦም ዝተምሃረ ሰብ ክህልወና እንከሎ ብኡ ኣቢልና ሃገርና ንምምልላይ ንሰርሕ" ኢሎም።

እቲ ትምህርቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ቻይናን ንዘሎ ርክባት ንግዲ፣ትምህርቲ፣ስግግር ቴክኖሎጂን ኢንቨስትመንትን ኣብ ምጥንኻር በቲ ቋንቋ ሰልጢኖም ዝወፅኡ ተምሃሮ ዓብዪ እጃም ከበርክቱ ተስፋ ይግበር ኢሎም ዶክተር ኢሳይያስ።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ፅቡቕ ውፅኢት ዘመዝገበ ተምሃራይ ናብ ቻይና ከይዱ ንሓደ ዓመት ቀፃሊ ትምህርቲ ወሲኹ ናብ ዓዱ ተመሊሱ ክሰርሕ ይግበር።

ተምሃሮ ቋንቋ ቻይና ፍቓዱን ናትናኤልን

ሄለን ገብረገርግስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ትምህርቲ ቋንቋ ቻይና ተማሂራን ተመሪቓን። ብድሕሪኡ ብዘመዝገበቶ ዝለዓለ ውፅኢት ናብ ቻይና ተላኢኻ ንሓደ ዓመት ተማሂራ መፂኣ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህርን ተርጓሚትን ብምዃን ትሰርሕ'ላ።

ሄለን በቲ ቋንቋ ምምላኻ ብፍላይ ከዓ ፈላሚት ምዃና ኣብቲ ዝተመሃረትሉ ዩኒቨርሲቲ ዕድል ስራሕ ምርካባ ዓብዪ ጸጋ ምዃኑ ትገልፅ።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ህንፀት ሃዲድ ባቡር ተኣሳሲሩ ብርክት ዝበሉ ደቂ ቻይና ምስ ምህላዎም ኣብ ስራሕቲ ትርጉም እውን ትሰርሕ ኣላ።

ፍቓዱ ኣብርሃለይ ምስ መሓዝቱ መሪፁ ኣብ ዝኣተዎ ክፍሊ ትምህርቲ ቋንቋ ቻይና ቀዳማይ ዓመት ይዛዝም'ሎ። "እቲ ክፍሊ ትምህርቲ ብድልየተይ መሪፀ ስለዝኣተኹዎ ፅቡቕ እየ ዝከታተል ዘለኹ። ኣብ ዓድና ብርክት ዝበሉ ትካላት ቻይና ስለዘለዉ፥ ፅቡቕ ዕድል ስራሕ ክርከቦ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ሒዘ እየ መሪፀዮ" ኢሉ።

ተምሃሮ ቋንቋ ቻይና ዩኒቨርሲቲ መቐለ

ተምሃሮ ኣብ ካልኣይ ዓመት ምስ በፅሑ መመዘኒ ብቕዓት ፈተና ይወስዱ። ብፅቡቕ ውፅኢት ዝሓለፉ ናብ ቻይና ከይዶም ናይ ሓደ ዓመት ነፃ ዕድል ትምህርቲ ይረኽቡ። ነቲ ቋንቋ ድማ ብዝለዓለ ብርኪ ክፈልጥዎ ይግበር።

ቋንቋ ቻይና ኣርባዕተ ዩኒቨርሲታት ኢትዮጵያ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፣ኣዲስ ኣበባ፣ሃዋሳን ጅማን ብስሩዕ ደረጃ ዲግሪ፤ ዩኒቨርሲቲ ባህር ዳር ድማ ብምሸታዊ መደብ ትምህርቲ የምህራ ኣለዋ።

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ'ዚ ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ እዋን ብቋንቋታት ፈረንሳይኛን ዓረብኛን እውን ዝለዓለ ትምህርቲ ምሃብ ከምዝጅምር ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ቋንቋታት ወፃኢ ሃገራትን ስነ ፅሑፍን ንዶክተር ኢሳይያስ ታጀበ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ብስም ቻይናዊ ፈላስፋ ዝተሰየመ ትካል ኮንፊሽዬስ ኣብ ኢትዮጵያ ንቲ ኣብ ዩኒቨርስታት መቐለ፣ኣዲስ ኣበባ፣ሃዋሳን ጅማን ዝወሃብ ቋንቋ ቻይና ይመርሕ'ሎ።