ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ንከተማ ደሴ ንምቁጽጻር ዝካየድ ዘሎ ውግእ ይቕጽል ምህላዉ ጸብጻባት ሓቢሮም

ከተማ ደሴ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ናብታ ኣብ ደቡብ ወሎ እትርከብ ኣገዳሲት ከተማ ወሎ ከም ዝኣተዉን ምስቶም ኣብታ ከተማ ዓስኪሮም ዘለዉ ሓይልታት መንግስቲ ይዋግኡ ከም ዘለዉን ሓቢሮም።

ኣብ ትግራይ ቲቪ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "ንከተማ ደሴ ምቁጽጻር ጀሚሩ'ሎ" ብምባል "ሰላማዊ ህዝቢ ንዘይምጉዳእ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ተቖጢቡ፡ ብኻልእ ኣንፈት ንቕድሚት ኣብ ምግስጋስ ይርከብ" ኢሎም።

እንተኾነ ግን፡ ምኽትል ከንቲባ ከተማ ደሴ ኣቶ ሰይድ ዮሱፍ፡ ናብታ ከተማ ዝኣተወ ሓይሊ ህወሓት የለን ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ።

ብሰንኪ ምቁራጽ ስሩዕ መስመራት መራኸቢታት፡ ብዛዕባ ኣብቲ ብኲናት ዝተጸልወ ከባቢታት ዘሎ ኩነታት ብናጻ ኣካል ምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።

እቶም ኣብቲ ክልል ሓያሎ ከባቢታት ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ሓይልታት ትግራይ፡ ንሓያሎ መዓልታት ኣብ ከባቢ'ታ ከተማ ክዋግኡ ቀንዮም ምንባሮም ይዝከር።

ብሰንኪ'ቲ ኩነታት ህዝቢ'ታ ከተማ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ምጽንሑን፡ ብዙሓት'ውን ካብታ ከተማ ሃዲሞም ከም ዝወጹ ገለ ነበርቲ ብሓሙስ ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም።

ከንቲባ ከተማ ደሴ ብወገኑ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ ናብ ከተማ ደሴ ብዝተተኮሰ ከቢድ ብረት፡ ሓደ ሰብ ክመዉት እንከሎ ካልኦት ሰለስተ ድማ ቆሲሎም ።

ዝተሃረመት ታንኪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣቶ ኣበበ ገብረመስቀል፡ ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ሰዓት "ሓይልታት ትግራይ ሰላማዊ ሰባት ኣብ ዝርከብሎም ከባብታት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት ሞትን መቑሰልትን ኣጋጢሙ" ኢሉ ነይሩ።

ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብቶም ዝተቖጻጸርዎም ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልዕሊ 482 ሲቪላውያን ሰባት ቐቲሎም ክብል ኣኽባሪ ሕጊ ኢትዮጵያ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከሲሱ።

ብወገን ሓይልታት ትግራይ ነቲ ጸብጻባት ቅትለት ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ግብረመልሲ'ኳ እንተዘየለ፡ ንሰላማውያን ሰባትን ህዝባዊ ትካላትን ዒላማ ከም ዘይገብሩ'ዮም ክገልጹ ጸኒሐም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰብመዚ ክልል ኣምሓራ ነቶም ዕጡቓት ንምክልኻል ናይ ክተት ጻውዒት ኣዊጆም ምጽንሖም ይዝከር። ብዙሓት መንእሰያት ናብቲ ኲናት ይጽምበሩ ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና ክልል ኣምሓራ ይሕብሩ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣማሓራን ልሒሙ ይርከብ።

ሓይልታት ህወሓት ህዝቢ ክረጋጋእን፡ ሲቪላዊ ነፈርቲ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኮምቦልቻ ከይዓልባን ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ከካይዶ ዝቐነየ ደብዳብ ነፈርቲ ትማሊ'ውን ቀጺልዎ ውዒሉ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝኾነ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ኣብታ ከተማ ደብዳብ ከም ዘካየደ ኣረጋጊጹ ነይሩ።

"ኣባላት ክልተ ምሉኣት ስድራቤታት ካብቶም ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን እዮም" ዝበለ ጌታቸው፡ እተን ነፈርቲ ውግእ ኣብቲ መንበሪ ኣባይቲ ዘለዎ ከባቢ ደብዲበን ኢሉ።

መንግስቲ ግን ዒላማ ናይቲ ደብዳብ "ህወሓት ወተሃደራዊ ኣጽዋር ዝጽግነሉ" ትካል ምንባሩ'ዩ ዝገልጽ።

እቲ ግጭት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ጥምየትን ሞትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።

ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ንሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ዓውደ-ኲናት ዝቐየረ ግጭት ብሰላማዊ ዘተን ምቁራጽ ተጻብኦታትን ክፍታሕ'ኳ እንተጸውዐ፡ ክሳብ ሕጂ ፍረ ዘምጽኡ ተበግሶታት ኣይተርኣዩን።