ኣብ ከተማ ደሴ 'ብዝተተኮሰ ከቢድ ብረት ሓደ ሰብ ሞይቱ ሰለስተ ቆሲሎም' ተባሂሉ

ከተማ ደሴ

ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣብ ከተማ ደሴ ብዝተተኮሰ ከቢድ ብረት፡ ሓደ ሰብ ክመዉት እንከሎ ካልኦት ሰለስተ ድማ ከምዝቖሰሉ ከንቲባ እታ ከተማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ከንቲባ ከተማ ደሴ ኣይተ ኣበበ ገብረመስቀል፡ ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ሰዓት “ሓይልታት ትግራይ ሰላማዊ ሰባት ኣብ ዝርከብሎም ከባብታት ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት ሞትን መቑሰልትን ኣጋጢሙ” ኢሉ።

እንተኾነ ነቲ ብከንቲባ እታ ከተማ ዝቐረበ ክሲ ብወገን ሓይልታት ትግራይ ዝተውሃበ ምላሽ የለን። ሓይልታት ትግራይ ብተደጋጋሚ፡ ሰራዊቶም ንፁሃት ሰባት ከምዘየጥቅዕ እዮም ዝገልፁ።

ኣብዚ ቅነ ኣቦወንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ነበርቲ ከተማታት ደሴን ኮምበልቻን ካብ ከባቢኦም ከይወፅኡን ክረጋግኡን ፀዊዑ ኔሩ።

ኣብ ከተማ ደሴን ከባቢኣን ከቢድ ኵናት ይካየድ ከም ዘሎ ኣብ ዝተገለፀሉ እዋን እዩ፡ ዶክተር ደብረፅዮን ነዚ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

“ኣይትረበሹ፡ ንከተማ ገዲፍኩም ኣይትውፅኡን ተረጋግኡን” ድማ ኢሉ።

ወሲኹ፡ “ሰራዊት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸሞ ግፍዒ፡ ሕነ ምፍዳይን ቂምን የብሉን። እኳ ድኣስ ኣብ ከባቢኡ ጉድኣት ከይበፅሐኩም ግቡእ ጥንቃቐ ግበሩ። . . . ኣብ ውሽጢ ከተማ ኮይኑ፡ ካብ ገዛ ዝትኩስ ከይህሉ ግቡእ ስጉምቲ ውሰዱ” ክብል ፀዊዑ።

ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ኵናት ዝተረጋገፀ ሓበሬታ ንምርካብ እኳ ከቢድ እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ጥቓ ከተማ ደሴ ኣብ ዘለዉ ከባቢታት ኣብ ሞንጎ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መሻርኽቱን ሓይልታት ትግራይን ከቢድ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ይግለፅ።

እቲ ከንቲባ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ናብ ከተማ ደሴ ዝተተኮሱ ሓሙሽተ ዓረራት ከቢድ ብረት ትማሊ ድሕሪ ሰዓት 9፡30 እንትኾን [ሰዓት 3:30 ድሕሪ ቀትሪ]፡ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዒለማ ኮይኖም ኢሉ።

ኣብ ከባቢ “ዳውዶ ዝተተኮሰ መድፍዕ ኣብ ሂወት ሰብ ጉድኣት ከምዘብፅሐን ካብ ዞባ ሰሜን ወሎ ዝተመዛበሉ ሰባት ዘፅለልሉ ቦታ’ውን ዒላማ ከቢድ ብረት ከምዝኾነ” እቲ ከንቲባ ተዛሪቡ።

ኣብ ‘መናፈሻን እርሻ ሰብልን’ ዝበሃሉ ክልተ ቦታታት፡ ሞትን መቑሰልትን ኣጋጢሙ ኢሉ፤ ኣብቲ ሓደ ቦታ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ንፁሃት ዜጋታት ጉድኣት በፂሑ፡ ካብ ሞንጎ እዚኦም እቲ ሓደ ሽዑ ንሽዑ ህይወቱ ሓሊፉ። ኣብ ካልእ ቦታ ብዝተተኮሰ ከቢድ ብረት ድማ ሓደ ሰብ ቆሲሉ”፡ ክብል እቲ ከንቲባ ገሊፁ።

ቢቢሲ፡ እቲ ብከንቲባ ከተማ ደሴ ኣጋጢሙ ተባሂሉ ዝቐረበ ክሲ ብዘይሻራዊ ኣካል ኣየረጋገፆን።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ ኵናት ትግራይ ኣብዚ እዋን ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓኾ እንትኾን፡ ብሰንኪ እቲ ኵናት ልዕሊ ክልተ ሚልየን ሰባት ካብ መንበሪ ቤቶም ተፈናቒሎም እዮም፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ድማ ህይወቶም ንምድሓን ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ተሰዲቶም እዮም።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኵናት ልዕሊ 6 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ረድኤት ከምዘድልዮን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ መገድታት ከምዝተዓፀዉን ትካላት ረድኤት ዓለም ይገልፁ።

ኵናት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ምስ ለሓኾ ድማ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ናብ ከተማ ደሴ ከምዝተመዛበሉን፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ኣፅሊሎም ከምዝርከቡ ይግለፅ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ጥቓ እታ ዋና ከተማ ዞባ ደቡብ ወሎ ዝኾነት ከተማ ደሴ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ጎኑ ዝተሰለፉ ሓይልታትን ሓይልታት ትግራይን ይካየድ ዘሎኵናት ተጠናኺሩ ከም ዝቐፀለ ነበርትን ከንቲባ እታ ከተማን ንቢቢሲ ገሊፆም እዮም።

ካልኦት ነበርቲ’ውን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ደሴ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከም ዝሰግኡ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ባንክታትን ተዓፅዮም ዝፀንሑ ትካላት ንግዲን መሊሶም ኣገልግሎት ንምሃብ ከም ዝኽፈቱ ተዛሪቦም።

ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ኣበበ ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ወሎ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ብምርግጋፅ፡ “ነበርቲ ግና ልሙድ ህይወቶም ይቕፅሉ ኣለዉ” ኢሉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሰብመዚ ክልል ኣምሓራ ነቶም ንቕድሚት እናደፍኡ ዝኸዱ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ንምክልኻል ክተት ከም ዝኣወጁ ይዝከር።

እቲ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝቐፀለ ኲናት ትግራይ፡ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ጥምየትን ሞትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።