ነበርቲ ሰሜን ወሎን ዋግ ኽምራን ንጸገም ተቓሊዖም ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Social Media
ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝቖጻጸሩዎም ከባቢታት ሰሜን ወሎን ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ኽምራን ዝርከቡ ነበርቲ ንጸገም ከም ዝተቓልዑ ተገሊጹ፡፡
ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ዝዛረቡ ኣብቲ ከባቢ ቤተሰብ ዘለዉዎም ውልቀ ሰባት፡ ኩነታት ቤተሰቦም ዘይምፍላጦም ከም ዘሻቐሎም ተዛሪቦም፡፡
ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና ምግብን ክልል ኣምሓራ ብወገኑ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝቖጻጸሩዎም ከባቢታት ሰሜን ወሎን ዋግ ኽምራን ምብጻሕ ከም ዘይከኣሉን ናይ ምግቢ ጸገም ክህሉ ከም ዝኽእልን ኣፍሊጡ።
ብምኽንያት እቲ ኲናት ተፈናቒሎም ኣብ ጎረቤት ዞባታት ንዘለዉ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ይወሃብ ከም ዘሎ ዝገለጸ ሓላፊ እቲ ኮሚሽን ጀምበሩ ደሴ፡ ናብቲ ብሓይልታት ትግራይ ዝተትሓዘ ከባቢ ምእታው ስለ ዘይከኣልን ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን ብዘይምህላዉን ነበርቲ ኣብ ከመይ ኩነታት ምህላዎም ከም ዘይፈልጡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
ኮይኑ ግና ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ናብ ከባቢታት ሰሜን ወሎን ዋግ ኽምራን ሰብኣዊ ሓዝ ምጉዕዓዝ ከም ዝጀመረ ገሊጹ፡፡
‘‘ኣብ ሰሜን ወሎ ደላንታን ዳውንትን ሓገዝ ምሃብ ተጀሚሩ እዩ፡፡ ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ኽምራ እውን ኣብ ሰቖጣን ኣበርገለን ሓገዝ የብጽሑ ኣለዉ፤ ድሕሪ ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ ሓገዝ ምሃብ ክጅመር እዩ’’ ኢሉ፡፡
ሓይልታት ትግራይ ሒዞምዎም ካብ ዝጸንሑ ከባቢታት ዓፋር ከም ዝወጽኡ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ካብ ዝቖጻጸሩዎም ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ሰሜን ወሎ፣ ሰሜን ጎንደርን ምምሕዳር ብሄረ ሰብ ዋግን ግን ኣይወጽኡን፡፡
በዚ ምኽንያት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ከባቢኦም ዝተፈናቐሉ ኮይኖም መብዛሕተኦም ነበርቲ ግን ካብ ከባቢኦም ኣይወጽኡን፡፡
እንተኾነ ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኹነታት ዝፍለጥ ነገር የለን፡፡
ኣብቶም ከባቢታት ኣገልግሎት ስልኪ ስለ ዝተቛረጸ፡ ቢቢሲ እቶም ነበርቲ ዘለዉሉ ኩነታት ንምፍላጥ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን፡፡
ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ኣስታት 7 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ጥምየት ክቃላዕ ከም ዝኽእል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ፡፡
ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ከም ዝተፈናቐሉን ኣስታት 1.7 ሚልዮን ንሓደጋ ጥምየት ክሳጥሑ ከም ዝኽእሉን እውን ሓቢሩ ነይሩ፡፡
ካብ ሰሜን ወሎ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ደሴ ኣብ ዝተጣየሱ ጊዝያዊ መዕቆቢታት ዝኣተዉን ምስ ኣዝማዶም ዝተጸግዑን 233 ሽሕ ሰባት ከም ዘለዉ ዝገለጸ ኣቶ ጀምበሩ ነቶም 169 ሽሕ ሰባት ሓገዝ ኣብጺሕና ኢሉ፡፡
እንተኾነ ሐዚ እውን ቁጽሪ ተፈናቐልቲ ይውስኽ ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ፡፡
መንግስትን ነበርትን እቲ ከባቢ ተሓባቢሮም ሓገዝ ይገብሩሎም ከም ዘለዉን መግቢ ዘይኮኑ ሓገዛት ግን ብዝድለ መጠን ስለ ዘይቀረበ ‘‘ብፍላይ ኣደታትን ህጻናትን ተወሳኺ ሓገዝ የድልዮም እዩ’’ ኢሉ፡፡
ተወለድቲ ሰሜን ወሎ ብዛዕባ ቤተሰቦም እንታይ ይብሉ?
ካብ ወልድያ ተፈናቒሉ ኣብ ከተማ ደሴ ዝነብር ዘሎ ቴድሮስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ወልድያ ዝገደፎም ቤተሰቡ ካብ ዝሰምዕ ሓደ ወርሒ ሓሊፉ፡፡
ኣብ ፈለማ ድሕሪኡ ተፈናቒሎም ካብ ዝመጹ ሰባት ሓበሬታ ይረክብ ነይሩ፡፡ ሐዚ ግን ነዚ እውን ካብ ዘይሰምዕ ሰሙናት ገይሩ ኣሎ፡፡
ንሱ ከም ዝሕብሮ ካብ ምኽባር ዕዳጋን ሕጽረት ቀረብን ብተወሳኺ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ብዘይምህላዉ ጸቕጢ ደም፣ ስኳር፣ ኤችኣይቪ፣ ቲቢን ካልኦት ሕማማትን ዘለዎም ሰባት ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ክወድቕ እዩ፡፡
‘‘ንመንእሰያት ናብ ኲናት የእትዉ እዮም’’ ብዝብል ስግኣት ካብ ከባቢኡ ቀዲሙ ከም ዝሃደመ ዝገልጽ ቴድሮስ ኣብዚ እዋን ቤተሰቡ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘለዉ ከም ዘይፈልጥ ተዛሪቡ፡፡
‘‘ብዛዕበኦም ክሓስብ እየ ዝውዕልን ዝሓድርን፡፡ እንታይ በሊዖም ይኾኑ? ከመይ ኮይኖም ይኾኑ እናበልኩ ከይደቀስኩ ዝሓድረሉ መዓልቲታት ብዙሕ እዩ’’ ይብል፡፡
ኣዲኣ ኣብ ገጠር ከባቢ ሰሜን ወሎ ከም እትነብር ዝገለጸት ሽማ ክጥቀስ ዘይደለየት ነባሪት ከተማ ባህርዳር ድማ ምስ ኣዲኣ ብቴሌፎን ካብ እትራኸብ ካልኣይ ወርሒ ከም ዝኾና ገሊጻ፡፡
ቅድሚ ሕዚ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ኣዲኣ ትፈልጥ ከም ዝነበረት ዝሓበረት እታ ወሃቢት ርእይቶ ኣብዚ እዋን ግን ‘‘ከመይ'ኮን ትህሉ?’’ ዝብል ሓሳብ ከም ዘሻቐላ ተዛሪባ፡፡
እቲ ኲናት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዘይተንከፎ ሰብ ከምዘየለ ብምግላጽ ድማ እቲ ኵናት ደው ኢሉ ደሃይ ኣዲኣ ክትሰምዕ ተስፋ ከምእትገብር ገሊጻ፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







