ቅልውላው ትግራይ፡ ብሰንኪ ጥሜት ሰባትን እንስሳን ክሞቱ ከም ዝጀመሩ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA
ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ'የ ዝብል ምምሕዳር ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል "ብሰንኪ ጥምየት ሞት 150 ሰባት ተመዝጊቡ" ኢሉ።
ብ"ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ" ኣቢሉ ዝወጽአ እዚ መግለጺ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከባቢታት ማይ ቅነጣል፣ ቆላ ተምቤን፣ ጣንቋ ምላሽ፣ ሓውዜን፣ ሰላዋ፣ እንዳ መኾኒ ከምኡ'ውን ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ኢሉ ኣብ ዝረቑሐን ቦታታት እዩ እቲ ሞት ኣጋጢሙ ኢሉ።
ኣብታ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ኣብ ኩነታት ዓጸቦ ከምዝርከቡ ዝንገረላ ትግራይ፡ ንረድኤት ዝተዳለወ ቀረባት ካብ ዝውዳእ ክልተ ሰሙን ከምዝኾኑ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣተሓባባሪ ግራንት ሌይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምሕባሩ ይዝከር።
ንሱ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ሓገዛት ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብ ከምዘይተኸኣለ፣ ሕጽረት ነዳድን ጥረ ገንዘብን ብምህላዉ ድማ ከቢድ ቅልውላው ከስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ረድኤት ዝጸዓና 100 መኻይን ትማሊ ናብ ትግራይ ከተማ መቐለ ከምዝኣተዋ ገሊጹ'ሎ።
ረድኤት ከይሓልፍ ይኽልክል ኣሎ ተባሂሉ ብትካላት ረድኤት ዝንቀፍ መንግስቲ ፌደራል፤ ንሱ ብወገኑ፡ ንሓይልታት ትግራይ ዕንቅፋት ኮይኖም ኢሉ ይኸስስ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንህወሓት ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ኣስፊርዎ ከምዘሎ ድማ ይፍለጥ።
ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ፡ ዶክተር ኣትንኩት መዝገቦ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ ገጠርን ከተማን ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ኣጋጢሙ ብምህላው ብፍላይ ኣብ ከተማታት ከቢድ ቅልውላው ይፍጠር ኣሎ" ክብል ሓቢሩ።
ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ብምግላጽ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ክበጽሕ እንተዘይክኢሉ ዘሰከፍ ኩነታት ክፍጠር ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ።
ንህልዊ ኩነታት ቐረባት ረድኤትን ሕርሻን እቲ ክልል ኣመልኪትና ምስ ዶክተር ኣትንኩት ዝገበርናዮ ቃለ መሕተት ከምዚ ዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ልዕሊ 400 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ኣሎ ክብሃል ጸኒሑ። ሕጂ ኣብ ምንታይ ኩነታት'ዩ ዘሎ?
ዶክተር ኣትንኩት፡ ከባቢ 6.3 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ረድኤት ከም ዘድልዮ ይፍለጥ። ካብዚ እቲ 2.2 ሚልዮን ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ዝተመዛበለ'ዩ።
'ኢንተግሬትድ ፌዝ ክላስፊኬሽን' (IPC) ልዕሊ 350 ሽሕ ሰባት ኣብ ኩነታት ዓጸቦ ይርከቡ ክብል ቅድሚ ክልተ ወርሒ [ንሕና ናብ መቐለ ከይተመለስና] ኣውጺኡ'ዩ።
እዚ ሓሙሽተ ደረጃታት ዘለዎ ኮይኑ፡ ሽዑ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕጽረት መግቢ 'ካታስትሮፊክ' ብዝብል ንሓደጋ ዝመዓረረ ደረጃ ከም ዝርከብ ኣስፊሩ ነይሩ። ስለዚ እቲ 6.3 ሚልዮን ረድኤት ዝደሊ ህዝቢ በብደረጅኡ ኣብ ሓሙሽቲአን ብርኪታት [ፌዛት] ዝምደብ'ዩ።
ነገራት እናሓጸረን እናጸበበን እንተኸይዱ ክኸፍአና'ዩ።
ቢቢሲ፡ ስለዚ ብናታትኩም ገምጋም እቲ ህዝቢ ኣብ ምንታይ ደረጃ'ዩ ዘሎ?
ዶክተር ኣትንኩት፡ ሐዚ ብዘለና ጸብጻብ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ተመዛባሊ ኣብ 5ይ ደረጃ ኣሎ።
[እዚ ማለት ውሑድ ቑጽሪ ዘለዎም ሰባት ብጥምየት ንዝስዕብ ሞት ከም ዝተቓልዑን እቲ ኩነታት እናሰፍሐ ክኸይድ ዝኽእልን'ዩ ማለት'ዩ። ኣብዚ ኩነታት፡ እቲ ናብ ደረጃ ዓጸቦ [ፋሚን] ዘይበጽሐ ሓደጋ ሕጽረት መግቢ 'ካታስትሮፊ' ብዝብል ቃል ይግለጽ]።
ብሰንኪ እቲ ምቁራጽ ኣገልግሎታት ስልክን ካልእን ትኽክለኛ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ጸገም ኣሎ፤ ግን ድማ ድሮ ሰብ ክሞተና ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ከተማ ሸረ ኣብ ዝርከብ ሓደ ማእከል ተመዛበልቲ ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለው ሽዱሽተ ነበርቲ እታ ከተማ'ውን ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ሞይቶም።
ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ማእከል ያቒር ኣብ ዝተባህለ ገጠር ከባቢ ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም። እዚ ውሑድ ቑጽሪ ኣይኮነን። ክሳብ ሕዚ ህዝቢ ዘለዎ እናተኻፈለ ይበልዕ ነይሩ፤ ሕዚ ግን ዝብላዕ ስኢኑ። [ካብቶም ዝሞቱ ገሊኦም] ብጨውን ማይን ንሓሙሽተ ሽዱሽተ መዓልታት ክደፍኡ ይጽዕሩ ከም ዝነበሩ'ዩ ሓበሬታ በጺሑኒ።
ሕዚ መነባብርኡ ትሑት ዝኾነ ጥራሕ ኣይኮነን ግዳይ ዝኸውን ዘሎ፤ ነዳዲ የለን፣ ባንክታት ስለ ዘይሰርሓ ገንዘብ የለን። ስለዚ ሰብ ምስ ገንዘቡ'ውን ናብ ጥምየት ይኣቱ ስለ ዘሎ ከቢድ ኩነታት'ዩ ተፈጢሩ ኣሎ። ብዝሒ ብሕጽረት መግቢ ዝጥቅዑ ዘለዎ ኣዴታትን ህጻናትን ክንደይ ኢለ ክገልጾ።
ቢቢሲ፡ ኣብዘን ዞባታት ዝሞቱ ሰባት ምህላዎም ብኸመይ ተፈሊጡ? ናይዚ ምኽንያት ምስ ሕጽረት መግቢ ዝተሓሓዝ ድዩ ወይስ ብሕማም?
ዶክተር ኣትንኩት፡ ኣብ ሽረ ዘለው ተመዛበልቲ መግቢ የብሎምን። ልዕሊ 600 ሽሕ ተፈናቓሊ ኣብ ግዝያዊ ማእከላት መዕቆብን ምስ ህዝቢ ተሓዊሱን ኣሎ። ነዚ ዝኣክል መግቢ የለን፤ ኣይተዋህበን'ውን። ክሳብ ሕዚ ዝበዝሕ ሕብረሰተብ እዩ እንጀራ እናዋጽአ ክቕልቦም ጸኒሑ። እቲ ሕብረሰተብ ተሸኪሙዎም ጸኒሑ።
ግን ሕዚ ንባዕሉ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐሉ ኩነታት ኣሎ። ድሓን ብዙሕ ኣይጽገሙን ዝብሃሉ ዝነበረ ክፋል ሕብረተሰብ'ውን ምህርቲ ዝረኽበሉ ነገር ስለ ዘየለ ናብ ጸገም ይኣቱ ኣሎ። ሸዊት'ውን ድሕሪ መስከረም'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ዝተመዛበለ ይኹን ኣብ ገዝኡ ዘሎ ህዝቢ ክንበጽሖ ስለ ዘይክኣልና፡ ዓይንና እናርኣየ ኣብ መበል 21 ክፍለዘምን ሰብ ብጥምየት ክሞት ርኢና። እዚ ዝሕባእ ኣይኮነን። እቲ ኮምዩኒኬሽን ኣጻጋሚ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ዘይበጻሕናዮ ክህሉ'ዩ፤ እዚ ንርእሱ ብእዋኑ ኣይበጽሐናን፤ ቅድሚ ሰሙን ዘጋጠመ'ዩ።
ኣጋጣሚ ብሮቡዕ ናይ ፋኦ ሰራሕተኛ መጺኡ መብርሂ ክህበና እንከሎ ምስ ነገረና ግን ኩላትና ሰንቢድና። መግቢ ጥራይ ድዩ ካልእ ሕማም ነይሩዎም ዝብል ኣጻሪና ኢና፤ ናይ ክልተ ሰባት ተጠራጢርና። ካልእ እቲ ቐንዲ ግን መንቀሊኡ መግቢ'ዩ። ዓይንና እናርኣና ሰብ ይመውት ኣሎ።
ቢቢሲ፡ ስለዚ ዝጠመየ ሰብ ኣሎ ዲኻ ትብለኒ ዘለኻ?
ዶክተር ኣትንኩት፡ እወ፤ ህዝቢ እኮ ሕዚ ጥራይ ኣይኮነን ጠምዩ። ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝወጽኡ ዝነበሩ ጸብጻባት ምርኣይ ይክኣል። ኣይሲፒ ኣብ ደረጃ ሓሙሽተ ኣለው ዝበሎም 352 ሰባት ነይሮም። ኣይሲፒ 5 እኮ ዓጸቦ'ዩ።
ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ጥምየት ኣለና እየ ዝብል ዘለኹ፤ ዝብላዕ ስኢኑ'ዩ ሰብ ዝመውት ዘሎ። ዓብዪ ናይ መግቢ ሕጽረት ኣሎ። እቲ ዘለናሉ ኩነታት ባዕሉ ዝናገር'ዩ። ሰብ ጠምዩና ኣሎ።
ቢቢሲ፡ መንግስቲ ፌደራል በብግዝኡ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብቲ ክልል ከም ዝኸዳ ይገልጽ'ዩ። ትማሊ'ውን 100 ረድኤት ዝጽዓና መካይን ከም ዝኣተዋ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ገሊጹ። እቲ ሕጽረት መግቢ ካበይ ዝመጽአ'ዩ?

ዶክተር ኣትንኩት፡ 6.3 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት የድልዮ እንተተሃቢሉ፡ መዓልታዊ 90 መግብን ዘይትን ዝርከቦ ረድኤት ዝጽዓና 10 ድማ መድሃኒት፣ ኣልባሳትን ካልኦት ቐረባት ዝጽዓና መካይን ክኣትዋ የድሊ።
እዚ እኹል ኮይኑ ዘይኮነ ግን ሓደጋ ከይፍጠር ይከላኸል። ነዚ ከቕርቡ ዘኽእሉ ትካላት'ውን ኣብዚ ኣለው'ዮም። ሓቂ'ዩ እዞም ትካላት ናይ ቐረብ ጸገም የብሎምን [ኣብ ጅቡቲ፣ ኣዳማን ኮምቦልቻን ዝተኸዘነ ሓገዝ ኣለዎም]። ኣብዚ ካብ ሕሉፍ ብዝሓሸ ክንቀሳቐስሉ ዝኽእሉ ምቹእ ኩነታት ከኣ ኣሎ።
መጀመርታ 52 መካይን ክኣትዋ እንከለዋ ብዙሕ ተስፋ ተገይሩ ነይሩ፤ ግን ክሳብ ነሓሰ 22 ጠጠው ኢሉ። ኣብዚ ዝጸንሐ ኽዙን ረድኤት ስለ ዝነበረ ናብ ወረዳታት ይበጽሕ ነይሩ። ሕዚ ግን ኩሎም የብሎምን፤ ማረት፣ ወርልድ ቪዥን፥ ፉድ ፎር ሃንገር . . . እኽሊ ይኹን መድሓኒት የብሎምን።
ኣብ ሰመራ ተዓጊተን ዝነበራ ክንቀሳቐሳ ጀሚረን ጽቡቕ ኢልና፤ ግን እኹል ኣይኮነን። ኣብ መዓልቲ 100 መካይን ክኣትዋ እናተገብአ 'ኣጽዋር ከይሓልፍ' ብዝብል ካብ ሰመራ ሕልፍ ኢልካ ተተኺሉ ዘሎ ስካነር [መፈተሺ] ኣብ መዓልቲ ካብ 20 ክሳብ 30 መካይን ጥራሕ'ዩ ከሕልፍ ዓቕሚ ዘለዎ።
ስለዚ እኹል ቐረብ ኣይኣተወን፤ ንዓና ግን እቲ ኩነታት ኣስጋኢ ኮይኑና ኣሎ - ሞት ጀሚሩ።
ቢቢሲ፡ ዋላ'ውን እቲ ዕግታ እንተሃለወ ክሳብ ሕጂ ግን ዝተፈላለዩ ሓገዛት ክኣቱ ከም ዝጸንሐ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ። ስለ ምንታይ'ዩ ናብዚ ህዝቢ ክበጽሕ ዘይክኣለ? ሙሉእ ንሙሉእ ናብዘን ከባቢታት ተንቀሳቒስካ ክብጻሕ ዘኽእል ኩነታት የለን ድዩ?
ዶክተር ኣትንኩት፡ ምብጻሕ ይኽኣልን'ዩ፤ ግን ብዙርያ እዩ ዝወሃብ። ክሳብ ሕዚ እቲ ረድኤት ሸሞንተ ግዜ ክበጽሕ እናተበግኦ ገና ንካልኣይ ዙርያ'ዩ ዝወሃብ ዘሎ። እቲ ህዝቢ ክሳብ ሕዚ ሓደ ግዜ ጥራይ'ዩ ወሲዱ ጸኒሑ። ሓደ ዙርያ 15 ኪሎ ግራም'ዩ ዝወስድ ህዝቢ ድሕሪኡ ንትሸዓተ ወርሒ ኣይረኸበን። ካብቲ ረድኤት ንላዕሊ'ኮ ህዝቢ እዩ ዝኽእሎ ዘሎ።
ኣብ መቐለ ዝነበረ ከባቢ 50 ሚኢታዊት ዝሽፍን ዝተኸዘነ ቐረብ ረድኤት ነይሩ፤ ግን እዚ ምስ ተወድአ ኩሉ ነገር ጠጠው ኢሉ። ንኣብነት ሽረ ዝበዝሕ ካብ ዩኤስኤኣይ ዝመጽእ ሓገዝ ዝሽፍኖ'ዩ ግን ንሳቶም'ውን የብሎምን።
![ዓቐን ሕጽረት መግቢ [መቐለ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/1D2F/production/_120417470_gettyimages-1229913087.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እኹል ቐረብ የለን'የ ዝብል ዘለኹ። ኣብ ሰመራ ተዓጊተን ዝነበራ ክንቀሳቐሳ ጀሚረን ኣለዋ፤ ግን ዘላቕነት ክህልዎ ድዩ ዝብል ስግኣት ኣለና። እቲ ሕዚ ዘጋጠመ ሞት ብዙሕ ከቢድ ጸገማት ከም ዘሎ ዘርኢ'ዩ። ከባቢታት ራያ፣ ሞኾኒ፣ ኦፍላ ብዙሕ ኣይተሓገዘን። ብሰንኪ ሕጽረት መግብን መድሓኒትን ሕማምን ሕበጥን ክረኣ ጀሚሩ ኣሎ።
ቢቢሲ፡ እቲ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ዝፈረሰ መንግስቲ ናብ መቐለ ካብ ዝኣቱ ክልተ ወርሒ ገይሩ ኣሎ። እዚ እዋን ከኣ ናይ ክራማት ወቕቲ ከም ዝኾነ ይፍለጥ። ነቲ ዝስጋእ ዘሎ ሓደጋ ዓጸቦ ንምክልኻል እንታይ ምድላዋት ገይርኩም?
ዶክተር ኣትንኩት፡ ጽቡቕ ክራማት ንርኢ ኣለና፤ በዚ እንተቐጺሉ ዝተወሰነ ክሕግዘና እዩ ዝብል ተስፋ ኣለና። ግን እኽሊ ተዘሪኡ ንክበጽሕ ክልተ ሰለስተ ወርሒ የድልዮ። ብዙሓት ፕሮጀክታት ስለ ዝነበሩና ብዝተፈላለየ መገዲ ምድላዋት ክንገብር ጸኒሕና ኢና።
ነቲ ሕርሻዊ ማእቶት ንምሕጋዝ ድማ ከባቢ 570 ሽሕ ድኹዒ ከምኡ'ውን 86 ሽሕ ኩንታል ምሩጽ ዘርኢ ኣዳሊና ክብተን ገይርና ኢና። ካብ መቐለ ቅድሚ ምውጻእና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘእተናዮ ድኹዒ ነይሩ'ዩ። ቁሩብ'ውን ክውሰኽ ገይርና።
ሕዚ ማእከላይን ስሩዕን ዝርግሐ ዝናብ ኣሎ፤ ዝበዝሕ ቦታ ድማ ልዕሊ እቲ ማእኸላይ ዓመታዊ ዝብሃል ሽፋን ማይ ኣሎ። ነዚ ተጠቒምና ካብ ራያ ክሳብ ሰሜን ምዕራብ ቀዳማይ ምዕራፍ ኢልና ጽቡቕ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ።
ይኹን'ምበር ዓብዪ ሰግኣት ኣምበጣ ኣሎና። ኣብ የጭላ፣ ኣበርገለ ከባቢ 1270 ሄክታር ዝሽፍን ዕስለ ኣንበጣ ተራእዩ'ዩ። ነዚ ተኸታቲልካ ኬሚካል ናይ ምንጻግ ስራሕቲ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ዘጸግመና ሓበሬታ ምርካብ'ዩ፤ ኣብ ዓፋርን ሶማልን እንታይ ከም ዘሎ ኣይንፈልጥን። ሕዚ ክልል ሶማል ናጻ ምዃኑ ፈሊጥና ኣለና፤ ኣብ ዓፋር ግን ከም ዝጫጭሕ ይግመት። እዚ የስግአና እዩ።
ቢቢሲ፡ ቅድም ኢሉ ብሰንኪ እቲ ኲናት ሓረስቶት ከም ዝተመዛበሉ፣ ጥሪቶምን ናውቶምን ከም ዝበረሰን ከም ዝተዘምተን ዝገልጹ ጸብጻባት ይወጽኡ ነይሮም። ሕጂ ክንደይ ዝኣክል ሓረስታይ ናብ ማሕረስ ከም ዝምለስ፤ ክንደይ ዝኣክል ከኣ ከም ዘብኩር ትፈልጡዎ ዲኹም?
ዶክተር ኣትንኩት፡ 2.2 ሚልዮን ተመዛባሊ ኣለና ኢለ'የ፤ ዝበዝሕ ክፋል ሕብረተሰብና ከኣ ገባር'ዩ። ምስቲ ዘሎ ኩነታት ጽጹይ መረዳእታ ኣይሓዝናን፤ ግን እቲ ተመዛቢሉ ዘሎ ህዝቢ ካብ ቦትኡ ዝረሓቐ ስለ ዝኾነ፡ ብዙሕ ገባር ክህሉ ከም ዝኽእል ምግንዛብ ይክኣል።
ምስ ሃፍቲ እንስሳ ዝተሓሓዝ ዓብዪ ክሳራ በጺሑ'ዩ፤ ዝበዝሓ ተሓሪደን፣ ተዘሚተን'የን። ማሕረስ ብኣብዑር ስለ ዝካየድ ዓብዪ ጸገም ኮይኑ'ዩ። እቲ ዘሰንብድ ግን ናይ እንስሳት መድሓኒት የለን። እድሚ ሕዚ ክታበት ብሚልዮናት ኢና ንህብ ነይርና ሕዚ ግን የብልናን። ሕዚ ምንም መድሓኒት የለን።
ኣብ ብዙሕ ወረዳታት እንስሳት ይሞታና ኣለዋ። ንኣብነት ኣብ ዞባ ማእኽለ ሓሓይለ ኣብ ዝብሃል ከባቢ 69 ከፍቲ ሓሚመን ሞይተን [ይንፍሓ ይሞታ]- እዚ 'ሜታቦሊክ ዲስኦርደር' እዩ ኢለሞ። እዚ ኣብ ስሩዕ ግዜ ልሙድ ኣይኮነን፤ ክንድዚ ኣይሞተናን ነይሩ።
ኣብ ካልእ እቲ ሕማም ብባክተሪያ፣ ቫይረስ ዝመጽእ ስለ ዝኾነ ይጋፋሕ ብምህላዩ ብብዝሒ ይሞታ ኣለዋ፤ ክታበት እንተዝህሉ እዚ ኣይምተፈጥረን። ቅድም ኢሉ 198 ክሊኒካት ነይረን፤ ካብዚኦም 183 ብሙሉእን ብኸፊልን እየን። 237 ፈልሲ ጣብያ'ውን ዓንዩ፣ ብዙሕ ናውታት ተዘሚቱ፣ ጠፊኡ'ዩ።
ኣብ ዓመት 150 ሚልዮን ፈልሲ ናይ ምፍላስ ዓቕሚ ነይሩና። ሕዚ 9 ሚልዮን ኢና ኣፍሊስና፤ ስለዚ ዓብዪ ክሳራ እዩ በጺሑ ዘሎ። እዚ ብዕምቆት ንምፍላጥ ከኣ ሙሉእ መጽናዕቲ ይካየድ ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







