ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ትግራይ ጥሜት ከየጋጥም ቀረብ ረድኤት ክቀላጠፍ ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ክልል ትግራይ ዓጸቦ ከየጋጥም መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ከቀላጥፍ ሓቲቱ።
ወኪል ዜና ፈረንሳ ኤኤፍፒ ንሓደ ላዕለዋይ በዓልስልጣን እቲ ውድብ ጠቒሱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ነቶም ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ንምብጻሕ ኣብ ዝተጸገሙሉ እዋን፡ መንግስቲ ረድኤት ተበጻሒ ንምግባር ዝገብሮ ጻዕሪ ከሐይሎ ምሕታቱ ገሊጹ።
ኮምሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያትን ሰላምን ድሕነትን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝኾነ ባንኮሌ ኣዶዬ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኽእሎ ይገብር ምህላው፡ እንተኾነ ግን ሰባት ከይጠምዩ ብዝበለጸ ክስራሕ ንደሊ ኢና" ምባሉ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ወሲኹ'ውን "ደቀንስትዮን ህጻናትን ኣብ ዘይምልከቶም ግጭት ግዳይ ክኾኑ የብሎምን" ኢሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት፡ ኣብ ትግራይ ካብ ዘሎ ነባሪ እቲ 90 ሚእታዊ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮ ን400 ሽሕ ዝኾኑ ድማ ኣብ ንጥምየት ተቓሊዖም ምህላዎም ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ትግራይ ዝጸንሐ ቀረብ ረድኤት ካብ ዝውዳእ ክልተ ሰሙናት ኣቑጺሩ ምህላው ሓላፊ እቲ ትካል ብሓሙስ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ኣድላዪ ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብ ከምዘይከኣለ፣ ናይ ነዳድን ጥረ ገንዘብን ሕጽረት ብምህላው ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ከቢድ ቅልውላው ከስዕብ ከም ዝኽእልን ስግኣቱ ገሊጹ።
ብዘይካ'ዚ ምስ ክልል ትግራይ ኣብ ዝዋሰኑ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን 1.7 ሚልዮን ሰባት ንጥሜት ክቃልዑ ተቓሪቦም ምህላዎም ሓላፊ እቲ ምውህሃድ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ግራንት ሌይቲ ተዛሪቡ።
እቲ ሓላፊ፡ ኣብ ትግራይ ናይ ድሕነት ኩነታት ተመሓዪሹ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዝኸኣለሉ ኩነታት እኳ እንተሎ፡ እቲ ክልል "ወግዓዊ ኣብ ዘይኮነ ክልከላ ሰብኣዊ ረድኤት ይርከብ" ኢሉ።
ምድንጓያት ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ብዝምልከት ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ቢልለኔ ስዩም ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ንምብጻሕ ዕንቅፋት እዮም ዝተባሃሉ ኣሰራርሓታት ከምዘተዓራረየ ገሊጻ።
ንሳ ወሲኻ፡ ረድኤት ብዝግባእ ኩነታት ከይበጽሕ "ዕንቅፋት ዝፈጥር ዘሎ ህወሓት ብምዃኑ ናይ ተበጻሕነት ጸገም እንተሎ እቲ ሕቶ ነቲ ጉጅለ ዝምልከት እዩ" ኢላ።
ብወገን ሓይልታት ትግራይ ዝቐረብ ክሲ ድማ፡ መንግስቲ ፌደራል ኮነ ኢሉ ኩሎም ኣማራጺ መገዲታት ብምዕጻው ናብቲ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋጠሞ ህዝቢ ትግራይ ረድኤት ከይበጽሕ ይገብር ከም ዘሎ የመልክት።
ቁጠባ እታ ክልል ከምዝለመሰ ዝሓበሩ እቶም ሓይልታት፡ ኣብታ ክልል ኣገልግሎት ባንክታትን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ብዘይምህላዉ፡ ትካላት ካብ ንግዲ ክወፅኡ ከምዝተገደዱ ይገልጹ።
ኣብ ክልል ትግራይ ንኣዋርሕ ዝተኻየደ ኲናት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምልሓሙ ኣብተን ክልላት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ከም ዝተፈናቐሉን ንዝተፈላለየ ጸገማት ከም ዝተቓልዑን ይግለጽ።
ኮምሽነር ባንኮሌ ኣዶዬ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ክሕይል ምሕታቱ ወሲኹ፡ "ወተሃደራዊ መፍትሒ ተመራጺ ብዘይምዃኑ" ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ወገናት ናብ ዘተ ክመጹ ጸዊዑ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብመንግስቲ ፌደራል ዝምራሕ ሰራዊት እታ ሃገር፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልላትን ሚሊሻታትን ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝገብርዎ ኲናት ቀጺሉ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ዘብል መፍትሒታት ከናድይ ምእንቲ ንፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ ፍሉይ ልኡኽ ጌሩ ምምዛዙ ይዝከር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







