መንግሰቲ ኬንያ፡ ንጥሜት ቱርካና ዕሽሽ ብምባሉ ንኬንያውያን ኣቖጢዑ

ድሕሪ እቲ ኣብ ዞባ ቱርካና 10 ሰባት ብጥሜት ከም ዝሞቱ ዝወጸ ጸብጻብ ፡ ኬንያውያን መንግሰቲ ንግዳያት እቲ ደርቂ ሸልል ኢልዎም ብምባል ይነቕፍዎ ኣለዉ።
መንግስቲ ኬንያ፡ 1.1 ሚለዮን ሰባት ሕጽረት መግቢ ኣጋጢምዎም ከም ዘሎ ሓቢሩ። ይኹን'ምበር እዚ ቑጽሪ ንቡር ሙዃኑን፡ እቲ ዘጋጠመ ሞት ምስቲ ደርቂ ቀጥታዊ ምትእስሳር ከም ዘይብሉን ይዛረብ።
ጀይምስ ኦዲዩር ካብ መዓል መዚ ምሕደራ ደርቂ ንቢቢሲ ክዛረብ ከሎ "ሓደ ሚልዮን ሰባት ንደርቂ ምቅልዖም ፈሉይ ነገር ኣይኮነን" ይብል።
ኦዲዩር ወሲኹ፡ "ድኽነት ስለ ዘለዎም ኣብ ንቡር ኩነታት'ውን ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ተጸበይቲ ሓገዝ መግቢ ኢዮም፡ እቲ ምኽንያት ድማ ድኻታት ስለ ዝኾኑ ኢዩ" ይብል።
ካብ ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ ዝናብ ትሕቲ ንቡር ከም ዘይነበረ'ውን የረድእ።
'ገና ህጹጽ ሓደጋ ኣይኮነን'
ሕማም ጥሪት፡ ወራር ኣንበጣን ዘይውሑስ ጸጥታ እቲ ኸባቢን'ውን ናቱ ተጽዕኖ ፈጢሩ ኢዩ።
ይኹን'ምበር ኦዲዩር ክገልጾ ከሎ፡ "ገና ህጹጽ ሓደጋ ኣይኮነን" ይብል።
ነቲ ኣብ መጋቢት 2017 ዘጋጠመ ደርቂ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ድማ፡ ሽዑ ከባቢ 3.4 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ሓገዝ ነይሮምና ይብል።
ዞባ ቱርካና ካብተን 47 ዞባታት ኬንያ እታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ኮይና ብድኽነት ግን ኣብ ቅድሚት እያ ትስራዕ። ፖለቲኸኛታት ነዛ ብድሕረት ትሳቐ ዞባ ኣብ ጎስጓስ ምርጫ ጥራይ ኢዮም ዝዝክርዋ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







