ቅልውላዉ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከተማ ደሴ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ነበርቲ እንታይ ይብሉ?

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ጥቓ እታ ዋና ከተማ ዞባ ደቡብ ወሎ ዝኾነት ከተማ ደሴ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ጎኑ ዝተሰለፉ ሓይልታትን ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዘካይዱዎ ዘለው ኵናት ተጠናኺሩ ከም ዝቐፀለ ነበርቲ ተዛሪቦም።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ኣብ ቀረባ ርሕቐት እታ ከተማ ኵናት ይካየድ ብምህላዉ፡ ድምፂ ከቢድ ብረታት ከም ዝሰምዑ ተዛሪቦም።
ሓደ ነባሪ እታ ከተማ፡ “ክሳብ እቲ ኵናት ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ በጺሐ እየ፤ ካብ ደሴ 7 ኪሎ ሜትር እዩ ዝርሕቕ። እቲ ውግእ ብኣንፈት ኩታበር ቦሩ ኣብ ዝበሃል ቦታ እዩ ዝካየድ ዘሎ” ኢሉ።
ቅድሚ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልታት ሓይልታት ትግራይ “ብሓሶት ኣብዚ ቦታ ኣትዮም፣ ኣብዚ በፂሖም” እናተባህለ ብዙሓት ሰባት ወፂኦም እዮም። እታ ከተማ ግን ሰላም እያ ዘላ” ኢሉ።
ካልኦት ነበርቲ’ውን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ደሴ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከም ዝሰግኡ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ንባንክታት ተዓጺዮም ዝጸንሑ ትካላት ንግዲ መሊሶም ኣገልግሎት ንምሃብ ከም ዝኽፈቱ ተዛሪቦም።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝስማዕ ዝነበረ ድምፂ ተዂሲ ከቢድ ብረት ከም ዝነከየ ካልኦት ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም።
ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ኣብ ዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርትን ውልቀሰባትን ተሪር ቁፅፅር ይካየድ ከም ዘሎ ዝዛረቡ እቶም ነበርቲ፡ ሎሚ ሓሙስ ንጉሆ ኣብ ነበርቲ ናይ ምርግጋእ ስምዒት ከም ዘሎ ገሊፆም።
"ነታ ከተማለቒቕኩም ኣይትውፅኡ"
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣቦወንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ነበርቲ ከተማታት ደሴን ኮምበልቻን ካብ ከባቢኦም ከይወፅኡን ክረጋግዑን ፀዊዑ።
ኣብ ከተማ ደሴን ከባቢኣን ከቢድ ኵናት ይካየድ ከም ዘሎ ኣብ ዝተገለፀሉ እዋን እዩ፡ ዶክተር ደብረፅዮን ነዚ ፃውዒት ኣቕሪቡ ዘሎ።
“ኣይትረበሹ፡ ንከተማ ገዲፍኩም ኣይትውፅኡ። ተረጋግዑ ንባዕልኩም ናብ ምስቅልቅል ኣይተሳጥሑ ክንብል ንደሊ” ድማ ኢሉ።
ወሲኹ፡ “ሰራዊት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍፅሞ ግፍዒ፡ ሕነ ምፍዳይን ቂምን የብሉን። እኳ ድኣስ ኣብ በብከባቢኡ ጉድኣት ከይበፅሐኩም ግቡእ ጥንቃቐ ግበሩ። . . . ኣብ ውሽጢ ከተማ ኮይኑ፡ ካብ ገዛ ዝትኩስ ከይህሉ ግቡእ ስጉምቲ ውሰዱ” ክብል ፀዊዑ።
እቲ ኵናት ንከተማ ደሴ ቀረባ ኣብ ዝኾኑ ከባብታት ምክያድ ምስ ጀመረ፡ ነታ ከተማ ገዲፎም ዝወፅኡን ንምውፃእ ዝፈተኑን ሰባት ከም ዝነበሩ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓቢሮም።
ብሰንኪ እቲ ኩነታት ከኣ ዋጋ መጓዓዝያ ኣዝዩ ከም ዝወሰኸ ይግለፅ።
ሓይልታት ትግራይ ንከም ከተማታት ላሊበላን ወልድያን ምስ ተቖፃፀሩ፡ ኣብ ደቡብ ወሎ ንዝርከባ ደሴን ኮምበልቻን ንምቁፅፃር ፃዕሪ ይገብሩ ኣለዉ።
ነበርቲ ከተማታት ደሴን ኮምበልቻን ናብ ግንባር እቲ ኵናት ይውሕዙ ከም ዘለዉ እዩ ዝግለፅ።
ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ እታ ዝዓበየት ከተማ ደሴ “ካብ ሰሜን ወሎን ዋግ ህምራን ዝተመዛበሉ 500 ሽሕ ሰባት ኣፅሊላ” ከም እትርከብ እዩ ዝግለፅ።
ኣብ ከተማ ደሴ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታትን ተመዛበልትን ካብ ኣማሓደርቲ እታ ከተማን ዞባን ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሰብመዚ ክልል ኣምሓራ ነቶም ንቕድሚት እናደፍኡ ዝኸዱ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ንምክልኻል ክተት ከም ዝኣወጁ ይዝከር።
ካብ ሰራዊት መንግስቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ሎሚ'ውን ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ።
ዋላ'ኳ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ እቲ ዝካየድ ዘሎ ደብዳባት ሓይልታት ትግራይ ዝጥቀምሎም ትካላት ዒላማ ዝገበረ'ዩ እንተበሉ፡ መራሕቲ ህወሓትን መሰኻኽር ዓይኒን ግን ሓያሎ ሲቪላውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይገልጹ።
ኣብዚ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ብውሕዱ 6 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ሓያሎ ከም ዝቖሰሉን ጸብጻባት ካብቲ ክልል ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙን ብዝተኻየዱ ደብዳባት'ውን ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም ነይሮም።
እቲ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ጥምየትን ሞትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።
ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ንሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ዓውደ-ኲናት ዝቐየረ ግጭት ብሰላማዊ ዘተን ምቁራጽ ተጻብኦታትን ክፍታሕ'ኳ እንተጸውዐ፡ ክሳብ ሕጂ ፍረ ዘምጽኡ ተበግሶታት ኣይተርኣዩን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







