ቅልውላው ትግራይ: ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ተወሳኺ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዱ

ምንጪ ስእሊ, FJH
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ኲሓ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘካየደ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጠን፡፡
እቲ ደብዳብ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ‘‘መሰልጠኒ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ’’ ዒላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ንኣገልግሎት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ብምጥቃስ ፋና ጸብጺቡ፡፡
ሓላፊ ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) እቲ ደብዳብ ካብ መዕርፎ ነፈር ኣሉላ ኣባ ነጋ ክልተ ኪሎሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ‘‘ህወሓት ብዙሓት ሚልሻታት ዘሰልጥነሉ’’ ክብል ዝገለጾ ከባቢ ከምዝተፈጸመ ኣዲስ ሰታንዳርድ ንዝተባህለ ማዕከን ዜና ተዛሪቡ፡፡
ብሰሉስ ነፈርቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ንምድብዳብ ፈተነ ከምዝገበራ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ዝገለጸ ክልላዊ ቴሌቪዥን ትግራይ ግና እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ካብ ከተማ መቐለ 25 ኪሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቁሸት ዓራቶ ከምዝተፈጸመን ንናይ ሓረስቶት ግራት ዒላማ ከምዝገበረን ጸብጺቡ፡፡
በቲ ሎሚ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 16 ጥቅምቲ 2014 ዓ/ም ዝተፈጸመ ደብዳብ ዝበጸሐ ጉድኣት ዝምልከት ድማ ‘‘ዛጊድ ብዘለና ሓበሬታ ዝበፀሐ ሰብኣዊ ጉድኣት የለን’’ ክብል ኣብ ፌስቡክ ገጹ ጸብጺቡ፡፡
ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ የካይድ ኣሎ፡፡
በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ከተማ መቐለ ውጽእ ኢላ ኣብ እትርከብ ቁሸት ሓረናን ኣብ ከተማ መቐለን ዝተፈጸሙ ደብዳባት ነፋሪት ኣርባዕተ ሰባት እንትሞቱ ብዙሓት ከምዝቖሰሉ ጸብጻባት ሓቢሮም፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ እውን ካብ መቐለ ወጻኢ ኣብ ክልተ ከተማታት ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝፈጸመ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
እቲ መግለጺ፡ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ክልተ ወተሃደራዊ ዒላማታት ከምዘጥቀዐ እዩ ዝገልጽ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ኣብ ዕላዊ ናይ ትዊተር ገጹ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ብምርግጋጽ ዝኾነ ወተሃደራዊ ዒላማ ከምዘይብሉ ገሊጹ።
መንግስቲ፡ ኣብ'ቲ ናይ መጀመርታ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ማይ ጸብሪ ዝተፈጸመ ደብዳብ፡ ኣብ ልዕሊ 'ወተደራዊ መሰልጠኒን ሓይሊ ሰብ መወደብን' ከምዝፈጸመ እዩ ዝገልጽ።
ካብኡ ቀጺሉ ዝወጽእ መግለጺ ድማ፡ ኣብ ዓድዋ ዝርከብ ኣልመዳ ጨርቃ ጨርቂ' ፋብሪካ፡ 'ወተሃደራዊ ስልጠና ዝካየደሉን ኣጽዋራት ዝፈርየሉን' እዩ ብምባል ደብዳብ ከምዝተፈጸመ ይገልጽ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃልን እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እቲ ኣብ ማይ ጸብሪ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ሆስፒታል ከምዝተፈጸመን ካብ መሳርሕቱ ከምዘረጋገጸን ዛጊድ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ዝርዝር ሓበሬታ ይጽበ ከምዘሎን ገሊጹ።
ኣቶ ጌታቸው እቲ ኣብ ዓድዋ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ኲናት ትግራይ ብወተሃደራት መንግስቲ ሙሉእ ንሙሉእ ዝዓነወ ዝበሎ፡ ኣልመዳ ጨርቃ ጨርቅ ፋብሪካ፤ ከምዝተጠቐዐ ንቢቢሲ 'ኒውስ ሃወር' ገሊጹ።
ብካልእ ዜና ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ዕጡቓት ክልላት ዝርከቡዎም ሰራዊት ኢትዮጵያን ከቢድ ውግኣት ይካየድ ከምዘሎ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ሓይልታት ትግራይ ሓያሎ ኣገደስቲ ቦታታት ከምዝሓዙ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ንምቁጽጻር ተቓሪቦም ከምዘለዉን ይሕብሩ፡፡
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብኣንጻሩ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ ከቢድ ኪሳራ የብጽሕ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ፡፡
እቲ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝለሓመን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ሰፊሕ ምፍንቓል ብምስዓብ፡ ሚልዮናት ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ገይሩዎም ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







